bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
2 Chronicles 30
2 Chronicles 30
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 29
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 31 →
1
ሕዝቅያስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ኢየሩሳሌም ክመፁ እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ፋሲካ ኸብዕሉ ኢሉ፥ ናብ ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን ይሁዳን ለኣኸ፤ ናብ ኤፍሬምን ምናሴን ከዓ መልእኽቲ ፀሓፈ።
2
እዙይ ድማ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ዝኣኽሉ ኻህናት ስለ ዘይተቐደሱን፥ እቲ ህዝቢ እውን ኣብ ኢየሩሳሌም ስለ ዘይተኣከበን ብጊዜኡ ፋሲካ ኸብዕሉ ኣይከኣሉን እሞ፥ ንጉስ ሕዝቅያስን ሹመኛታቱን ኵሉ ህዝቢ ኢየሩሳሌምን ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ ፋሲካ ኸብዕሉ ስለ ዝተማኸሩ እዩ።
4
እዝ ነገር እዙይ ንንጉስን ንዅሉ እቲ ህዝብን ቅኑዕ ኮይኑ ተርኣዮም።
5
ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ኢየሩሳሌም ፋሲካ ኸብዕሉ ኢሎም፥ ካብ ቤርሳቤህ ክሳዕ ዳን ኣብ ኵሉ እስራኤል ኣዋጅ ክእወጅ ወሰኑ። እዙይ መግበሪኦም ድማ ህዝቢ እስራኤል ንበዓል ፋሲካ ኻብ ነዊሕ ዘመን ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ገይሮም ዘየብዕልዎ ስለ ዝነበሩ እዩ።
6
እቶም ልኡኻት ድማ መልእኽትታት ንጉስን ሹመኛታቱን ሒዞም ናብ ኵሉ እስራኤልን ይሁዳን ከዱ እሞ፥ ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ ከምዙይ ኢሎም ነገሩ፦ “ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ካብ ኢድ ነገስታት ኣሶር ኣምሊጥኩም ተሪፍኩም ኣለኹም፤ ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽምለሰኩም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያእቆብን ተመለሱ።
7
ከምቲ ንስኻትኩም እትሪእዎ ዘለኩም ከም ዝጠፍኡ ኽሳዕ ዝገብሮም ንኣምላኽ ኣቦታቶም እግዚኣብሄር ከም ዝበደሉ ከም ኣቦታትኩምን ኣሕዋትኩምን ኣይትኹኑ።
8
እምበኣር ከምቶም ኣቦታትኩም ተረርቲ ኽሳድ ኣይትኹኑ፤ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተገዝእዎ፤ ናብቲ ንዘለኣለም ዝቐደሶ መቕደሱ ንዑ፤ ቍጥዓኡ ኻባኻትኩም ምእንቲ ኽምለስ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣምልኹ።
9
ናብ እግዚኣብሄር እንተ ተመሊስኩም፥ እቶም ኣሕዋትኩምን ደቅኹምን ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ማሪኾምዎም ዘለዉ ምሕረት ክረኽቡ፥ ናብዛ ሃገር እዚኣውን ክምለሱ እዮም። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርህሩህን መሓርን እዩ እሞ፥ ናብኡ እንተ ተመሊስኩም፥ ንሱውን ገፁ ናባኻትኩም ክመልስ እዩ።”
10
እቶም ልኡኻት ከዓ ኻብ ከተማ ናብ ከተማ ሓለፉ፤ ብሃገር ኤፍሬምን ምናሴን ኣቢሎም ድማ ኽሳዕ ዛብሎን በፅሑ። ንሳቶም ግና ብንዕቐት ሰሓቑዎምን ኣላገፁሎምን።
11
ካብ ኣሴርን ምናሴን ካብ ዛብሎንን ዝኾኑ ሰባት ግና ርእሶም ኣዋሪዶም ናብ ኢየሩሳሌም መፁ።
12
መሊሱ ሓደ ልቢ ንኽህቦም ብቓል እግዚኣብሄር ንዝኾነ ትእዛዝ ንጉስን ኣሕሉቑን ምእንቲ ኽፍፅሙ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ኾነ።
13
በታ ኻልአይቲ ወርሒ ኸዓ በዓል ቅጫ ኸብዕል፥ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣከበ።
14
ተሲኦም ከዓ ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነበሩ መሰውኢታት ኣወገዱ፤ ነቲ ዅሉ መሰውኢታት ዕጣን ድማ ወሲዶም ኣብ ሩባ ቄድሮን ደርበይዎ።
15
ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ኸዓ በጊዕ ፋሲካ ሓረዱ። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ሓፈሩ፤ ተቐዲሶም ድማ ዝቃፀል መስዋእቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምፅኡ።
16
ከምቲ ሕጊ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ሙሴ፥ በብስርዓቶም ቆሙ፤ እቶም ካህናት ካብ ኢድ ሌዋውያን ተቐቢሎም ነቲ ደም ይነፅጉ ነበሩ።
17
ካብቶም ህዝቢ ብዙሓት ዘይነፅሁ ነበሩ እሞ፥ እቶም ሌዋውያን ምእንቲ እቶም ዘይነፅሁ ዅሎም በጊዕ ፋሲካ ሓሪዶም ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ።
18
ብዙሓት ካብቶም ህዝቢ ኻብ ነገድ ኤፍሬምን ምናሴን ይሳኮርን ዛብሎንን ከምቲ ሕጊ እንተይነፅሁ በጊዕ ፋሲካ በልዑ። ንጉስ ሕዝቅያስ ግና “ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና! እቲ ብቕኑዕ ልቢ ንኣኻ ዘምለኸ፥ ከም ሕጊ ዘይነፅሀኳ እንተ ኾነ ብሕያዋይነትካ ይቕረ በለሉ” ኢሉ ለመነ።
20
እግዚኣብሄር ከዓ ፀሎት ሕዝቅያስ ሰሚዑ ነቶም ህዝቢ ኣሕወዮም።
21
እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተረኽቡ ደቂ እስራኤል ድማ ብዓብዪ ሓጐስ፥ ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኣብዓሉ። ሌዋውያንን ካህናትን ድማ በብመዓልቱ ብመሳርሒ ሙዚቃ ንእግዚኣብሄር መዝሙር እናዘመሩ የመስግኑ ነበሩ።
22
ሕዝቅያስ ድማ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እግዚኣብሄር ብምስትውዓል ዝመርሑ ዝነበሩ ዅሎም ሌዋውያን የበረታትዖም ነበረ። በቲ በዓል፥ በተን ሸውዓተ መዓልቲ እቲኣተን ከዓ፥ መስዋእቲ ምስጋና እናቕረቡን እናበልዑን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም የመስግኑ ነበሩ።
23
ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ኻልኦት ሸውዓተ መዓልቲ ኸብዕሉ ተሰማምዑ፤ ካልኦት ሸውዓተ መዓልቲታትውን ብሓጐስ ኣብዓሉ።
24
ሕዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቶም ህዝቢ ሓሪዶም ዝበልዕዎም ሽሕ ዝራብዓትን ሸውዓተ ሽሕ ኣባጊዕን ሃቦም። እቶም ሹመኛታት ድማ ነቲ ህዝቢ ሽሕ ኣብዑርን ዓሰርተ ሽሕ ኣባጊዕን ሃብዎ። ብዙሓት ካህናት ከዓ ኸምቲ ስርዓት፥ ርእሶም ኣንፅሁ።
25
ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ፥ ህዝቢ ይሁዳን ካህናትን ሌዋውያንን ኵሎም እቶም ካብ እስራኤል ዝመፁ ህዝብን፥ እቶም ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ዝቕመጡ ዝነበሩ መፃእተኛታትን ብሓባር ተሓጐሱ።
26
ድሕሪ ዘመን ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት፥ ከምዙይ ዝበለ በዓል ኣብ ኢየሩሳሌም ኣይተገብረን እሞ ኣብ ኢየሩሳሌም ዓብዪ ሓጐስ ኮነ።
27
እቶም ሌዋውያን ካህናት ከዓ ተሲኦም ነቲ ህዝቢ ባረኽዎ፤ ድምፆምውን ተሰምዐ፤ ፀሎቶምውን ናብ ቅዱስ ማሕደሩ ናብ ሰማይ ዓረገ።
← Chapter 29
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 31 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36