bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
2 Chronicles 4
2 Chronicles 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 5 →
1
ንጉስ ሰሎሞን ብነሃስ ገይሩ ምንዋሑ ዕስራ እመት፥ ምግፋሑ ድማ ዕስራ እመት፥ ምብራኹ ኸዓ ዓሰርተ እመትን ፈረቓን፥ ዝኾነ መሰውኢ ሰርሐ።
2
ብዝፈሰሰ ነሃስ ገይሩ ኽልተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ዝቑመቱ፥ ኣርባዕተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ዝሰንጣቒቱ፥ ዙርያኡ ኸዓ ዓሰርተ ሰለስተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ዝኾነ መዕቘሪ ማይ ሰርሐ።
3
ኣብ ትሕቲ ኸንፈሩ ድማ ንዅሉ እቲ መዕቘሪ ማይ ዙርያኡ ዝኸብዎ ምስሊ ኣብዑር ነበርዎ፥ ምስሊ እቶም ኣብዑር ከዓ ኽልተ መስርዕ ኮይኑ ምስቲ መዕቘሪ ማይ ብዝፈሰሰ ነሃስ ብሓደ ዝተሰርሐ ነበረ።
4
ነቲ መዕቘሪ ማይ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ኽልተ ምስሊ ኣብዑር ኣንበሮ። እቶም ኣብዑር ሰለስተ ንሰሜን ገፆም፥ ሰለስተ ንምዕራብ ገፆም፥ ሰለስተ ንደቡብ ገፆም፥ ሰለስተ ድማ ንምብራቕ ገፆም ይጥምቱ ነበሩ።
5
ከንፈር እቲ መዕቘሪ ማይ ምርጓዱ ስድሪ ነበረ፤ ኣሰራርሓኡ ድማ ኸም ፅዋዕን፥ ከም ዕምበባ ሱፍን ነበረ። ስሳ ሽሕ ሊትሮ ከዓ ዝሕዝ ነበረ።
6
ዓሰርተ ጋብላታት ሰርሐ፤ ሓሙሽተ ብወገን የማን፥ ሓሙሽተ ብወገን ፀጋም ከዓ ኣንበሮ። ነቲ ዅሉ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ከዓ ኣብኡ ይሓፅብዎ ነበሩ። በቲ ኣብ መዕቘሪ ማይ ዘሎ ማይ ግና እቶም ካህናት ይሕፀቡ ነበሩ።
7
ብወርቂ ገይሩ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዓሰርተ ቐዋሚ ቐንዲል ገበረ። ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ድማ ሓሙሽተ ብየማን ሓሙሽተ ብፀጋም ገይሩ ኣንበሮም።
8
ብወርቂ ገይሩ ዓሰርተ ሰደቓ ሰርሐ፤ ኣብ ውሽጢ መቕደስ ከዓ ሓሙሽተ ብየማን፥ ሓሙሽተ ብፀጋም ገይሩ ኣቖሞ፤ ሚእቲ ጭሐሎ ወርቂውን ገበረ።
9
ኣደባባይ ካህናትን፥ ገፊሕ ኣደባባይን ገበረ፤ መዓፁታት እቲ ኣደባባይውን ሰርሐ፤ ነቲ መዓፁታቱውን ብነሃስ ለበጦ።
10
ነቲ መዕቘሪ ማይ ድማ ብደቡብ ምብራቕ ናይቲ ቤተ መቕደስ ኣብ ሓደ ዅርናዕ ኣንበሮ።
11
ኪራም ከዓ ድስትታትን መፅሓሪታትን ጭሐሎታትን ሰርሐ። ስለዙይ ኪራም ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ዝሰርሖ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ኣቑሑ ሰሪሑ ፈፀሞ።
12
ክልተ ኣዕምዲ፥ ኣብ ርእሲ እተን ኣዕምዲ ኸዓ ኽልተ ዅዕሶ ዝመስላ ጕልላት፥ ነተን ኣብ ርእሲ ኣዕምዲ ዘለዋ ጕልላት ዘጊፃ ድማ ኽልተ ዓይኒ ርግቢ ሰርሐ።
13
ነተን ክልተ ዓይኒ ርግቢ ዝኾና ኣርባዕተ ሚእቲ ሮማን፥ (ነተን ኣብ ርእሲ ኣዕምዲ ዘለዋ ዅዕሶ ዝመስላ ጕልላት ዘመልክዓ ነሓደ ዓይኒ ርግቢ ኽልተ ዘውሪ ሮማን) ገበረ።
14
መቐመጢታትን ኣብ ልዕሊ እቲ መቐመጢታት ዝቕመጡ ናይ መሕፀቢ ኵስኵስትታትን፥
15
ንሓደ ባሕሪ ኣብ ትሕቲኡ ዝኾኑ ዓሰርተ ኽልተ ኣብዑር ሰርሐ።
16
ድስትታትን መፅሓሪታትን ሻኳታትን ንእኡ ዝመስል ካልእ ኣቑሑን ሰርሐ። ኪራም እቲ ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሰርሐሉ ኣቑሑ ብዘንፀባርቕ ነሃስ ሰርሖ።
17
እቲ ንጉስ ኣብ ጐልጐል ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንጎ ሱኮትን ፅሬዳን፥ ኣብ ዝርከብ መፍሰሲ ኣፍሰሶ።
18
ሰሎሞን ዝሰርሖ ኣቑሑ ነሃስ የመና ብዙሕ ስለ ዝነበረ፥ ክምዘን ኣይተኽኣለን።
19
ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ዝሰርሖ ኣቑሑ እዙይ እዩ፦ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሕብስቲ ቝርባን ዘንብሩሉ ሰደቓታት፥
20
ከም ስርዓቱ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ዝበርሃ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሓ ቐወምቲ መቕረዛት መምስ ቀንዲለን ገበረ።
21
ብምሉኡ ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ዕምበባታትን ቀናዲል መንቀርቀርን ገበረ።
22
ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ጕጠታትን ጭሐሎታትን ማንካታትን ፅንሃሃትን፥ ብወርቂ ሰርሐ፤ ናይ ቤተ መቕደስ መዓፁን ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓፁን ከዓ ካብ ወርቂ ነበረ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36