bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
2 Chronicles 21
2 Chronicles 21
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 20
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 22 →
1
ኢዮሳፍጥ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፤ ኣብ ከተማ ዳዊት ከዓ ምስ ኣቦታቱ ተቐበረ። ክንድኡ ድማ ወዱ ኢዮራም ነገሰ።
2
ኢዮራም ከዓ ኣዛርያስ፥ ይሒኤል፥ ዘካርያስ፥ ዔዛርያስ፥ ሚካኤል፥ ሰፋጥያስ ዝበሃሉ ኣሕዋት ነበርዎ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ኢዮሳፍጥ ንጉስ ይሁዳ ነበሩ።
3
ኣቦኣቶም ድማ ብዙሕ ውህብቶ ብሩርን ወርቅን ክቡር ዝኾነ ነገርን፥ ካብተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ዕሩዳት ከተማታት ንነፍሲ ወከፎም ሓንቲ ሓንቲ ሃቦም። ንኢዮራም ግና በዅሪ ወዱ ስለ ዝነበረ ነቲ መንግስቲ ሃቦ።
4
ኢዮራም ከዓ ኣብታ መንግስቲ ኣቦኡ ደዪቡ ምስ ተደላደለ፥ ንዅሎም ኣሕዋቱን ንገሊኣቶም ካብ ኣሕሉቕ እስራኤልን ብሰይፊ ቐተሎም።
5
ኢዮራም ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ። ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሸሞንተ ዓመት ገዝአ።
6
ግና፥ ሰበይቱ ጓል ኣክኣብ ነበረት፤ ስለዙይ ከምቲ ቤት ኣክኣብ ዝገበርዎ፥ ብመንገዲ ነገስታት እስራኤል ብምኻድ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
7
እግዚኣብሄር ግና፥ ምእንቲ እቲ ምስ ዳዊት ዝኣተዎ ኺዳንን፥ ከምቲ ንእኡን ንደቁን ንሓዋሩ መንግስቲ ኸም ዝህቦም ዘተስፈዎ፥ ነታ ቤት ዳዊት ከጥፍኣ ኣይደለየን።
8
ብዘመን ኢዮራም ህዝቢ ኤዶምያስ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ይሁዳ ዓመፁ፤ ንጉሶም ድማ ኣንገሱ።
9
ሽዑ ኢዮራም ምስ ኣሕሉቑን ሰረገላታቱን ንኤዶማውያን ክዋግኦም ከደ፤ ንሳቶም ድማ ኸበብዎ። ንሱን ሰራዊቱን ግና ብለይቲ ነቶም ዝኸበብዎም ኣሕሉቕ ሰረገላታት ወቕዖም።
10
ስለዙይ ኤዶምያስ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ክሳዕ ሕዚ ዓመፀት፤ በቲ ጊዜቱይ ኢዮራም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ስለ ዝሓደገ፥ ልብናውን ኣብ ልዕሊኡ ዓመፀት።
11
ንሱ መሊሱ ኣብ እምባታት ይሁዳ መስገዲታት ሰርሐ። ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተቐመጡውን ከም ዘመንዝሩ ገበሮም፤ ንይሁዳውን ኣስሓቶ።
12
ካብ ነቢይ ኤልያስ ከዓ ኸምዙይ ዝብል ፅሑፍ መፆ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዙይ ይብለካ ኣሎ፦ ኣሰር ኣቦኻ ንጉስ ኢዮሳፍጥ ኮነ ኣሰር ኣቦሓጐኻ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ስለ ዘይሰዓብካ፥
13
ግና ኣሰር ነገስታት እስራኤል ስለ ዝሰዓብካ፥ ከምቲ ንጉስ ኣክኣብን ብድሕሪኡ ዝነገሱን ንህዝቢ እስራኤል ከም ዘመንዝሩ ዝገበርዎም፥ ንህዝቢ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌም ንዝነብሩን ብኣመንዝራነት ኣምልኾ ጣዖት ስለ ዘስሓትካዮም፥ ነቶም ካባኻ ዝሐሹ ኣሕዋትካውን ስለ ዝቐተልካዮም፥
14
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንህዝብኻን ንደቅኻን ነንስትኻን ንዅሉ ጥሪትካን ብዓብዪ መቕሰፍቲ ኽቐስፎም እዩ።
15
ንስኻ ድማ ካብ ፅንዓት እቲ ሕማም ዝተልዓለ ኣምዑትካ በብጊዜኡ ኽሳዕ ዝወፅእ፥ ብብርቱዕ ሕማም ኣምዑት ክትውቃዕ ኢኻ።”
16
እግዚኣብሄር ድማ መንፈስ ፍልስጥኤማውያንን መንፈስ እቶም ኣብ ጥቓ ኢትዮጵያውያን ዝነብሩ ዓረባውያንን ኣብ ልዕሊ ኢዮራም ኣለዓዓለ።
17
ንሳቶም ድማ ደዪቦም ንይሁዳ ኣፍረስዋ፤ ንዅሉ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንዝተረኽበ ገንዘብውን ዘመቱ፤ ነንስቱ ድማ ወሰድወን። እንትርፊ እቲ ኻብ ኵሎም ደቁ ዝነኣሰ ኣካዝያስ፥ ዝኾነ ወዲ ኣይተረፎን።
18
ድሕሪ ዅሉ እዙይ ድማ፥ እግዚኣብሄር ብዘይፍወስ ሕማም ኣምዑት ወቕዖ።
19
ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኸምዙይ ኮነ፤ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ካብቲ ደዌ ፅንዓት ዝተልዓለ፥ ኣምዑቱ ወፀ፤ ብኽፉእ ደዌውን ሞተ። እቲ ህዝቢ ኸዓ ኸምቲ ነቦታቱ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ቀብሪ ወግዒ ኣይገበረሉን።
20
ንሱ ኽነግስ እንተሎ፥ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ፤ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮይኑ ኸዓ ሸሞንተ ዓመት ገዝአ። ብሞቱ ዝጐሃየ ሰብ ኣይነበረን። ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐበረ፤ ግና ኣብቲ ነገስታት ዝቕበሩሉ ኣይተቐበረን።
← Chapter 20
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 22 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36