bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
2 Chronicles 2
2 Chronicles 2
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 3 →
1
ሰሎሞን ከዓ ቤት ንስም እግዚኣብሄር፥ ንመንግስቱ ድማ ቤት ክሰርሕ ሓሰበ።
2
ሰሎሞን ከዓ ፆር ዝፆሩ ሰብዓ ሽሕ፥ ኣብ እምባታት እምኒ ዝወቕሩ ሰማንያ ሽሕ፥ ንኣኣቶም ዝሕልዉ ኸዓ ሰለስተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ሰባት መደበ።
3
ሰሎሞን ናብ ኪራም ንጉስ ጢሮስ ከምዙይ ኢሉ ለኣኸ፦ “ከምቲ ነቦይ ዳዊት፥ ቤት ክሰርሕ እንተሎ፥ ኣእዋም ዝግባ ዝለኣኽካሉ፥ ንኣይውን ከምኡ ግበረለይ።
4
እንሆ፥ ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤተ መቕደስ ክሰርሕን ክቕድሳን ሓሲበ ኣለኹ። ኣብኣ ኣነን ህዝቢ እስራኤልን፥ ጥዑም ዝመዓዛኡ ዕጣን ክነቕርብ ኢና። ሕብስቲ ቝርባንውን ኵልሻዕ ኽንሰርዕ ኢና። ንግሆን ምሸትን ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሕን ብበዓላት እግዚኣብሄር ኣምላኽናን ከዓ ዝቃፀል መስዋእቲ ኽነቕርብ ኢና፤ እዙይ ከዓ ንእስራኤል ንዘለኣለም ተኣዚዙ እዩ።
5
ኣምላኽና ድማ ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዝዓቢ እዩ እሞ፥ እታ ኣነ ዝሰርሓ ቤትውን ዓባይ እያ።
6
ንእኡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን እኳ ኣይኣኽሎን እዩ እሞ፥ ንእኡ ቤት ክሰርሕ መን ይኽእል? ኣነኸ ኣብ ቅድሚኡ ዕጣን ምእንቲ ኽዓጥነላ እንተ ዘይኮይኑስ ቤተ መቕደስ ዝሰርሐሉስ ኣነ መን እየ?
7
ሕዚ ድማ ብወርቅን ብብሩርን ብነሃስን ብሓፂንን፥ ብሓምራይን ውፁእ ቀይሕን ሰማያውን ዓለባ ኽሰርሕ ጥበብ ዘለዎ፥ ምስቶም ኣቦይ ዳዊት ዘዳለዎም ኣብ ይሁዳን ኣብ ኢየሩሳሌምን ምሳይ ዘለዉ ብልሓተኛታት ሰባት ኮይኑ፥ ኵሉ ዓይነት ቅርፂ ምቕራፅ ዝፈልጥ ሰብ ስደደለይ።
8
“ሓሻኽርካ ምፅራብ ኣእዋም ሊባኖስ ከም ዝኽእሉ እፈልጥ እየ እሞ፥ ካብ ሊባኖስውን ኣእዋም ዝግባን ፅሕድን ሰንደልን ስደደለይ። እንሆ ድማ ሓሻኽረይ ምስ ሓሻኽርካ ኽሰርሑ እዮም።
9
እቲ ኣነ ዝሰርሖ ቤተ መቕደስ ከዓ ዓቢይን ዘደንቕን ክኸውን እዩ እሞ፥ ብዙሕ ኣእዋም የዳልዉለይ።
10
እንሆ ኸዓ፥ ነቶም ኣእዋም ዝቘርፁ ሓሻኽርካ፥ ክልተ ሚልዮን ኪሎ ግራም ስርናይን ክልተ ሚልዮን ኪሎ ግራም ስገምን፥ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሊትሮ ወይንን ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሊትሮ ዘይትን ክህብ እየ።”
11
ኪራም ንጉስ ጢሮስ ድማ መልእኽቲ ፅሒፉ፥ ንሰሎሞን ከምዙይ ኢሉ መልሲ ሰደደሉ፦ “እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዝፈተዎ፥ ንኣኻ ኣብ ልዕሊኣቶም ኣንገሰካ።”
12
ኪራም ድማ ቐፂሉ ኸምዙይ በለ፦ “ንእግዚኣብሄር ዝኸውን ቤተ መቕደስን ንባዕሉ ዝኸውን ቤተ መንግስትን ዝሰርሕ፥ ኣእምሮን ምስትውዓልን ዘለዎ ብልሂ ወዲ፥ ንንጉስ ዳዊት ዝሃቦ፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስገን።
13
“ሕዚ ድማ ኪራምኣቢ ዝበሃል ብልህን መስተውዓልን ሰብኣይ እሰደልካ ኣለኹ፤
14
ንሱ ኻብ ነገድ ዳን ካብ ዝኾነት ሰበይቲ ዝተወለደ እዩ፤ ኣቦኡ ኸዓ ጢሮሳዊ ሰብኣይ እዩ። ብስራሕ ወርቅን ብሩርን ነሃስን ሓፂንን እምንን ዕንፀይትን ዝተፈለጠ እዩ። ከምኡውን ብሓምራውን ሰማያውን ቀይሕ ውፁእ ዝኾነ ዓለባን ብሃርን ክሰርሕ ዝኽእል እዩ፤ ኵሉ ዓይነት ቅርፂ ድማ ምቕራፅ ዝፈልጥ እዩ። ኵሉ ዓይነት ናይ ብልሓት ስራሕውን ዝሃብካዮ ኽሰርሕ ዝኽእል እዩ። ንሱ ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብልህታትን ምስቶም ምስ ኣቦኻ ጐይታይ ዳዊት ዝነበሩ ብልህታትን ኮይኑ ይስራሕ።
15
“እምበኣር፥ ሕዚ እቲ ዝበልካዮ ስርናይን ስገምን ዘይትን ወይንን ስደደልና።
16
ንሕና ኸዓ ኻብ ሊባኖስ ከም ዝደለኻዮ ኣእዋም ክንቈርፅ ኢና፤ ኣሲርና ብባሕሪ ብጃልባ ኣንሳፊፍናውን ናብ ኢዮጴ ኽነብፅሐልካ ኢና፤ ንስኻ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተደይቦ።”
17
ሰሎሞን ድማ ኣብ ምድሪ እስራኤል ንዝነበሩ ዅሎም መፃእተኛታት ሰብኡት ቈፀሮም። ኣቦኡ ዳዊት ከዓ ቕድምዙይ ከምኡ ገይሩ ቘፂርዎም ነበረ። ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ድማ ተረኽቡ።
18
ካብኣቶም ከዓ ሰብዓ ሽሕ ዝፆሩ፥ ሰማንያ ሽሕ ድማ ኣብ እምባታት ኮይኖም እምኒ ዝወቕሩ፥ ሰለስተ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ከዓ ነቲ ህዝቢ ዘስርሕዎ ሓለውቲ መደበ።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36