bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Job 1
Job 1
Amharic Tigrinya 2011
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 2 →
1
ኣብ ምድሪ ኡጽ እዮብ ዚበሀል ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ፍጹምን ቅኑዕን ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፋእ ዝረሐቐን ሰብኣይ ነበረ።
2
ንሱ ሾብዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ተወሊዶምሉ ነበሩ።
3
ጥሪቱ ድማ ሾብዓተ ሽሕ በጊዕ፡ ሰለስተ ሽሕ ገመል፡ ሓሙሽተ ሽሕ ጽምዲ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ውላድ ኣድጊ ነበረ፡ ብዙሓት ግዙኣትውን ነበርዎ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኻብ ኲሎም ሰብ ምብራቕ ዚበልጽ ዓብዪ ነበረ።
4
እቶም ደቁ ድማ፡ በብታራኦም እናተዓዳደሙ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት እቲ ሓደ፡ ካልኣይ መዓልቲውን ኣብ ቤት እቲ ኻልእ ይምስሑ ነበሩ። ነተን ሰለስተ ኣሓቶም ከኣ፡ ምእንቲ ምሳታቶም ኪበልዓን ኪሰትያን፡ ይጽውዕወን ነበሩ።
5
እተን ንምሳሕ ዚእከቡለን መዓልትታት ምስ ሐለፋ ኸኣ፡ እዮብ ልኢኹ ይቕድሶም ነበረ። ኣንጊሁ ተንሲኡ ድማ ብቚጽሪ ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ ምሕራር የዕርግ ነበረ። እዮብ፡ እዞም ደቀይ ምናልባሽ በዲሎም፡ ንኣምላኽ ከኣ ብልቦም ክሒዶም ይዀኑ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ኲሉ ጊዜ ኸምዚ ይገብር ነበረ።
6
ሓደ መዓልቲ ግና ዀነ፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ መጺኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈሙ። ሰይጣን ከኣ ኣብ ማእከሎም መጸ።
7
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ ካባይ መጺእካ? በሎ። ሰይጣን ድማ፡ ንምድሪ ዘይረያን ተመላሊሰያን መጻእኩ፡ ኢሉ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ።
8
እግዚኣብሄር ከኣ ንሰይጣን፡ ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፋእ ዚርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን እሞ፡ ንባርያይ እዮብስ ኣስተብሂልካዮዶ? በሎ።
9
ሰይጣን ከኣ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ በሎውን፡ እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ?
10
ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዎ ዂሉንዶ ሐጺርካዮ ኣየሎኻን? ንተግባር ኢዱ ባረኽካዮ፡ ጥሪቱ ድማ ንምድሪ መሊእዎ ኣሎ።
11
ግናኸ፡ ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ንዂሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን፡ ኢሉ መለሰሉ።
12
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ በሎ እስኪ፡ ሓንትስ ናብኡ ደኣ ኢድካ ኣይትዘርግሕ እምበር፡ ዘለዎ ዂሉ ኣብ አድካ ሂበካ እኔኹ፡ በሎ። ሰይጣን ከኣ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ወጸ።
13
ኰነ ድማ፡ ሓደ መዓልቲ እቶም ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም ኪበልዑን ወይኒ ኺሰትዩን ከለው፡
14
መእወዪ ናብ እዮብ መጺኡ፡ እቶም ኣብዑር ይሕረሱ፡ እተን ኣእዱግ ድማ ኣብ ጥቓኣቶም ይበልዓ ነበራ፡
15
ሽዑ ሰብ ሳባ መጺኦም ዘሚቶምዎም። ነቶም ግዙኣት ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ።
16
እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡ፡ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ፡ ነተን ጤለ በጊዕን ንግዙኣትን ኣንደደቶምን በልዓቶምን። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምላጥኩ፡ በሎ።
17
እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡ፡ ከልዳውያን ብሰለስተ ሰልፊ ዀይኖም፡ ኣብተን ኣግማል ሓደጋ ወዲቖም ዘሚቶምወን፡ ነቶም ግዙኣውን ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ።
18
እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጹኡ፡ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ እንዳ እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ወይኑ ይሰትዩን ነበሩ፡
19
ሽዑ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ በረኻ መጺኡ፡ ነታ ቤት በርባዕተ መኣዝና፡ ወቕዓ፡ ናብ ርእሲ እቶም ደቂ ድማ ወደቐት፡ ንሳቶም ከኣ ሞይቶም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ።
20
ሽዑ እዮብ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ ርእሱውን ላጸየ እሞ፡ ጥራየይ እየ ኻብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ፡ ጥራየይ ከኣ ናብኣ ኽምለስ እየ። እግዚኣብሄር ሀበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ። ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ፡ ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
21
ሽዑ እዮብ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ ርእሱውን ላጸየ እሞ፡ ጥራየይ እየ ኻብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ፡ ጥራየይ ከኣ ናብኣ ኽምለስ እየ። እግዚኣብሄር ሀበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ። ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ፡ ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
22
በዚ ዂሉ እዮብ ኣይበደለን፡ ንኣምላኽውን ኣይነቐፎን።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42