bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Job 36
Job 36
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 35
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 37 →
1
ኤሊሁ ወሲኹ ተዛረበ፡
2
ስለ ኣምላኽ ገና ዚዝረብ ኣሎኒ እሞ፡ ኣነ ኸምህረካ ቕሩብ ጽናሕ።
3
ንፍልጠተይ ካብ ርሑቕ ከምጽኦ እየ፡ፈጣርየይ ጻድቕ ከም ዝዀነ ኸርኢ እየ።
4
ብሓቂ፡ ዘረባይ ሓሶት ኣይኰነን፡ ፍጹም ፍልጠት ዘለዎ ምሳኻ ኣሎ።
5
እንሆ፡ ኣምላኽ ስልጡን እዩ፡ ግናኸ ንሓደ እኳ ኣይንዕቕን፡ ብሓይሊ ምስትውዓሉ ስልጡን እዩ።
6
ንህይወት ረሲእ ኣይሕልዋን፡ ንመሳኺን ግና ፍትሒ የውጽኣሎም።
7
ኣዒንቱ ኻብ ጻድቃን ኣይመልሰንን፡ ንሓዋሩ ምስ ነገስታት ኣብ ዝፋን የቐምጦም፡ እሞ ልዕል ይብሉ።
8
ብሰንሰለት እንተ ተኣሰሩ፡ በግማድ ሽጋር እንተ ተታሕዙ፡
9
ንሱ ንተግባሮም፡ ነቲ ብትዕቢት ዝገበርዎ ምትሕልላፎም የፍልጦም።
10
እዝኖም ንተግሳጽ ከፊቱስ፡ ካብ ሓጢኣት ኪምለሱ ይእዝዞም።
11
እንተ ሰምዕዎ እሞ እንተ ተገዝእዎ፡ መዓልትታቶም ብሰናይ፡ ዓመታቶምውን ብደስታ ይፍጽሙ።
12
እንተ ዘይሰምዑ ግና፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡ፡ ብዘይ ፍልጠትውን ኪሞቱ እዮም።
13
እቶም ብልቦም ረሲኣን ዝዀኑ ግና ኲራ የብዝሑ፡ እንተ ኣሰሮም ከኣ ኣየእውዩን።
14
ነፍሶም ብሰዊታ ትቕዘፍ፡ ህይወቶም ከኣ ኣብ ማእከል ርኹሳት ትጠፍእ።
15
ንሽጉር ብሽጋሩ ገይሩ የድሕኖ፡ ብጭንቀትውን ንእዝኖም ይኸፍቶ።
16
ከምኡ ድማ ንኣኻ ኻብ ኣፍ ጸበባ ናብቲ ጭንቂ ዜብሉ ገፊሕ ቦታ ኼውጽኣካ፡ ስቡሕ መኣዲውን ኪቕርበልካ እዩ።
17
ንስኻ ግና ፍርዲ ረሲእነት መሊእካ ኣሎኻ፡ ፍርድን ፍትሕን ሒዘናኻ እኔዋ።
18
ኲራ ናብ ጸርፊ ኸይደፍኣካ ተጠንቀቕ፡ ካሕሳ እንተ በዝሔ እኳ፡ ኣየጋጊኻ።
19
ሃብትኻን ኲሉ ምብርታዕ ሓይልኻን ካብ ጸበባ ኼውጽኣካዶ ይኣክል እዩ?
20
ነታ ነህዛብ ካብ ቦታኦም እትጸርጎም ለይቲ ኣይትናፍቃ።
21
ካብ መከራ ንሓጢኣት መሪጽካ ኢኻ እሞ፡ ናብኡ ኸይትምለስ ተጠንቀቕ ደኣ።
22
እንሆ፡ ኣምላኽ ብሓይሉ ልዑል እዩ፡ ከምኡ ገይሩ ዚምሀርከ መን እዩ?
23
መገዱ ዝሐበሮ መን እዩ? መንከ፡ ሓጢኣት ጌርካ፡ ኪብሎ ይኽእል?
24
ነቲ ሰባት ዚውድስዎ ተግባሩ ከተዕብዮ ደኣ ዘክር።
25
ኲሎም ይጥምትዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማዕድዩ ይርእዮ።
26
እንሆ፡ ኣምላኽ ዓብዪ እዩ፡ ኣይንፈልጦን ኢና፡ ቊጽሪ ዓመታቱ ኸኣ ኣይምርመርን።
27
ንነጥብታት ማይ ንላዕሊ ይስሕቦ፡ ካብ ግመ ኸኣ ዝናም ይዘንም።
28
ደበናታት የንጠብጥቦ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ሰብውን የፍስሶ።
29
ኤረ ንምዝርጋሕ ደበናታት፡ ነቲ ኻብ ድንኳኑ ዚወጽእ ደሃይውን መን እዩ ዜስተውዕሎ?
30
እንሆ፡ ንብርሃኑ ኣብ ዙርያኡ ይዝርግሖ፡ ንመዓሙቚ ባሕሪ ኸኣ ይሽፍኖ።
31
በዚ ኸምዚ ነህዛብ ይፈርዶም፡ ምግቢ ድማ ኣበርኪቱ ይህብ።
32
ነእዳው ብመብረቕ ይስውረን፡ ናብቶም ተጻረርቲ ይውርውሮ።
33
ነጐዳጓዱ ስሌኡ ይነግር፡ እንሰሳታት ከኣ ምቕራብ ይፈልጡ።
← Chapter 35
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 37 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42