bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Job 6
Job 6
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 5
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 7 →
1
ሽዑ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡
2
ወዮ፡ ትካዘይ እንተ ዚምዘን፡ መከራይውን ምስኡ ኣብ ሚዛን እንተ ዚኣቱ፡
3
ካብ ሑጻ ባሕሪ ምኸበደ ነይሩ፡ ስለዚ ምግታእ ዘረባይ እስእን ኣሎኹ።
4
ፍላጻታት ናይቲ ዂሉ ዚኽእል ወጊኡኒ ኣሎ እሞ፡ መንፈሰይ መርዙ ይሰቲ ኣሎ፡ ካብ ኣምላኽ ዚመጸኒ ስምባደ ተሰሊፉ ይቃወመኒ ኣሎ።
5
ኣድጊ በረኻዶ፡ ሳዕሪ እንተ ረኸበ፡ ይሀልል እዩ? ብዕራይከ፡ ሓሰር እንተ ረኸበዶ፡ ይንቁ እዩ?
6
ነቲ መቐረት ዜብሉ ብልዒኸ ብዘይ ጨው መን ይበልዖ፡ ማይ እንቋቚሖስ እንታይ ጣዕሚ ኣለዎ?
7
ነፍሰይ ምቕራብ ኣበየቶ፡ እዚ ንኣይ ዕልቅጥ ዚብል ብልዒ ዀነኒ።
8
አየ፡ ጸሎተይ እንተ ዚስማዕ፡ ኣምላኽ ድማ ተስፋይ እንተ ዚምልኣለይ።
9
ኣምላኽ ኪደቚሰኒ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ንህይወተይ ኪቘርጻ ፍቓዱ እንተ ዚኸውንሲ፡
10
ሽዑ ምተጸናናዕኩ፡ ንቓል እቲ ቅዱስ ኣይከሐድክዎን እሞ፡ በቲ ዘይንሕፈኒ ስቓይ እኳ እልል ምበልኩ ነይረ።
11
ክጽመምሲ ኽንደይ እዩ ሓይለይ? ዓቕሊ ኽረክብሲ መወዳእታይ አየናይ እዩ?
12
ሓይለይዶ ኸም ሓይሊ እምኒ እዩ? ስጋይሲ ኣስራዚዶ እዩ?
13
ረዲኤት ዜብለይዶ ኣይኰንኩን? መውጽኢ ዜብለይዶ ተዐጽዩኒ ኣይኰነን?
14
እቲ ንብጻዩ ምሕረት ዘይገብረሉ፡ ንፍርሃት እቲ ዂሉ ዚኽእል ይሐድጎ።
15
ከምቲ ብርባርባ ዝሐለፈ ብበረድ እተዘርገ፡ ውርጪውን ኣብኡ እተሐብኤ፡ ውሒዝ ኰይኖም ኣሕዋተይ ጠለሙ።
16
ከምቲ ብርባርባ ዝሐለፈ ብበረድ እተዘርገ፡ ውርጪውን ኣብኡ እተሐብኤ፡ ውሒዝ ኰይኖም ኣሕዋተይ ጠለሙ።
17
ብጊዜ ነቕጺ ግና ይነጽፍ፡ ሃሩር እንተ በርትዔ፡ ካብ ስፍራኡ ይጠፍእ።
18
ቃፍላይ ካብ መገዶም ኣግሊሶም፡ ናብ በረኻ ወጺኦም ይጠፍኡ።
19
ናይ ቴማን ቃፍላይ ናብኡ የማዕድው፡ ናብ ሳባ ሓለፍቲ መገዲ ንእኡ ተስፋ ይገብሩ።
20
ብእኦም ተስፋ ገይሮም ነይሮም እዮም እሞ ሐፈሩ፡ ናብኡ ምስ በጽሑ፡ ሕፍረት ሐዞም።
21
ሕጂ ንስኻትኩምውን ከምኡ ፍረ ዜብልኩም ኢኹም፡ ዜፍርህ ርኢኹምሲ ትሽበሩ ኣሎኹም።
22
ኣነስ፡ ሀቡኒ፡ ወይስ ጥሪትኩም ንበጃ ነፍሰይ ሀቡለይዶ ኢለኩም እየ?
23
ካብ ኢድ ጸላእየይ ኣናግፉኒ፡ ወይስ ካብ ኢድ ጨቋኒ ተበጀውኒዶ ኢለኩም እየ?
24
ምሀሩኒ እሞ፡ ስቕ ክብል እየ፡ እቲ እተጋጌኽዎ ኽስተብህልስ፡ እስኪ ኣፍልጡኒ።
25
ቅኑዕ ዘረባስ ክንደይ ሓይሊ ኣለዎ፡ ዘለፋኹም ግና እንታይ ይጠቅም፡
26
ንዘረባ ኽትነቕፉዶ ትሐስቡ ኣሎኹም፡ እቲ ተስፋ ዝቐበጸ ግና ንንፋስ እዩ ዚዛረብ።
27
ንዘኽታም ዕጭ መውደቕኩምሉ፡ ንፈታዊኹም ምተዋጌኹምዎ ኔርኩም።
28
እስኪ ሕጅስ ናባይ ኣቕልቡ፡ ኣብ ቅድሜኹም ኣይሕሱን እየ።
29
ተመለሱ ደኣ፡ ዓመጻስ ኣይኹን፡ ኤረ ተመለሱ፡ ነገረይ ጻድቕ እዩ።
30
ኣብ ልሳነይዶ ዓመጻ ይርከብ እዩ? ትንሓገይከ ነቲ ኽፋእዶ ኣይለልዮን እዩ?
← Chapter 5
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 7 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42