bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Job 2
Job 2
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 3 →
1
ኰነ ኸኣ፡ ሓደ መዓልቲ እቶም ደቂ ኣምላኽ መጺኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈሙ። ሰይጣን ድማ መጺኡ፡ ኣብ ማእከሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈመ።
2
እግዚኣብሄር ድማ ንሰይጣን፡ ካበይ መጺእካ? በሎ። ሰይጣን ከኣ ንእግዚኣብሄር፡ ንምድሪ ዞይረያን ተመላሊሰያን መጻእኩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
3
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርሆ፡ ካብ ክፋእ ዚርሕቕ፡ ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን እሞ፡ ንእዮብ ባርያይ ኣስተብሂልካዮዶ? ብዘይ ምኽንያት ከጥፍኦ ኣላዓዒልካኒ ኽነስኻስ፡ ክሳዕ ሕጂ ንሱ ፍጹም ኰይኑ ይጸንዕ ኣሎ፡ በሎ።
4
ሰይጣን ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ቈርበት ኣብ ክንዲ ቘርበት። ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዂሉ ይህብ እዩ።
5
ግናኸ፡ ኣብ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ስጋኡን ዓጽሙን ሃሰስ ኣይትብሎን፡ ኢሉ መለሰሉ።
6
እግዚኣብሄር ከኣ ንሰይጣን፡ በል እስኪ ኣብ ኢድካ ሂበዮ እኔኹ፡ ንህይወቱ ግና ተጠንቀቕ፡ በሎ።
7
ሽዑ ሰይጣን ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኸደ እሞ፡ ንእዮብ ካብ ሸዀና እግሩ ሒዙ ኽሳዕ ቅርቅርቱ ብብርቱዕ ቊስለተ ስጋ ወቕዖ።
8
እዮብ ድማ ምእንቲ ኺሐከሉ ገልዒ ሒዙ ኣብ ሓመዂሽቲ ተቐመጠ።
9
ሽዑ እታ ሰበይቱ፡ ገናዶ ፍጹም ኴንካስ ጸኒዕካ ትነብር ኣሎኻ? ንኣምላኽ ግዳ ኽሐዶ እሞ ሙት፡ በለቶ።
10
ንሱ ግና፡ ንስኺ ኣዘራርባ ዓሻ ሰበይቲ ትዛረቢ ኣሎኺ። ካብ ኢድ ኣምላኽ ሰናይ ተቐቢልናስ፡ ነቲ እኩይከ ኣይንቕበሎንዶ? በላ። እዮብ በዚ ዂሉ ነገር ብኽናፍሩ ኣይሐጥኤን።
11
ሰለስተ ፈተውቲ እዮብ፡ ኤሊፋዝ ቴማናዊ፡ ቢልዳድ ሹዋዊ፡ ሶፋር ናዕማዊ፡ እቲ ዝወረዶ መከራ ሰሚዖም ካብ ዐዓዶም ናብኡ መጹ። ንሳቶም፡ ምስኡ ኽንሐዝንን ከነጸናንዖንሲ፡ ንዑናይ ንኺድ፡ ተባሃሀሉ።
12
ካብ ርሑቕ ኣማዕድዮም ጠሚቶም ምልላዩ ምስ ሰኣኑ ግና፡ ዓው ኢሎም በኸዩ፡ ነፍሲ ወከፎም ድማ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ ሓመድ ከኣ ናብ ሰማይ ኣቢሎም ናብ ኣራእሶም ነስነሱ።
13
ድሕሪ እዚ ኸኣ ሾብዓተ መዓልትን ሾብዓተ ለይትን ምስኡ ኣብ ምድሪ ተቐመጡ። ቃንዛ በርቲዕዎ ስለ ዝረኣዩ ኸኣ፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይተዛረብዎን።
← Chapter 1
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 3 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42