bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Proverbs 24
Proverbs 24
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 23
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 25 →
1
ልቦም ግፍዒ እዩ ዚሐስብ፡ ከናፍሮም ድማ ክፍኣት እየን ዚዛረባ እሞ፡ በቶም እኩያት ኣይትቕናእ፡ ምሳታቶም ክትነብርውን ኣይትድለ።
2
ልቦም ግፍዒ እዩ ዚሐስብ፡ ከናፍሮም ድማ ክፍኣት እየን ዚዛረባ እሞ፡ በቶም እኩያት ኣይትቕናእ፡ ምሳታቶም ክትነብርውን ኣይትድለ።
3
ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ፡ ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ።
4
ክፍልታት ቤት ሳላ ፍልጠት እዩ ኽቡርን ጽቡቕን ዘበለ ዂሉ ጥሪት ዚመልእ።
5
ጥበበኛ ሰብ ብርቱዕ እዩ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ኸኣ ሓይሉ የጽንዕ።
6
እምበኣርሲ ብጥበብ ተመሪሕካ ተዋጋእ፡ ደሓን ከኣ ብምብዛሕ መኸርቲ እዩ።
7
ጥበብ ነቲ ዓሻ ኣዝያ ላዕሊ እያ፡ ኣፋ ኣብ ደገ ኣይትከፍትን።
8
እከይ ኪገብር ዚሐስብ ሰብሲ፡ ስራሕ ነገር እዩ ዚበሀል።
9
ምህዞ ዓሻ ሓጢኣት እዩ፡ መላገጺ ኸኣ ብሰብ ፍንፋን እዩ።
10
ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ፡ ሓይልኻ ቕሩብ እዩ።
11
ነቶም ናብ ሞት ዚጒተቱ ኣናግፎም፡ ነቶም ሰንከልከል እናበሉ ናብ ማሕረዲ ዚኸዱ ኸኣ ኣይትሕደጎም።
12
እንሆ፡ እዝስ ኣይፈለጥናን፡ እንተ በልካ፡ እቲ ልቢ ዚመዝንዶ ኣየስተብህሎን እዩ እቲ ንነፍስኻ ዚጥንቀቐላስ ኣይፈልጦን ድዩ ንሱ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኺፈድዮ እዩ።
13
ወደየ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ መዓር ብላዕ፡ ወለላ መዓር ንትንሓግካ ጥዑም እዩ።
14
ከምኡውን ንነፍስኻ ጥበብ ተመሀር፡ እንተ ረኸብካያስ ጻማ ኣሎ፡ ትጽቢትካውን ኣይኪቚረጽን እዩ።
15
ኣታ ረሲእ፡ ንቤት ጻድቕ ኣይተድብየላ፡ ነታ መዕረፊኡ ኣይትሀውካ።
16
እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ፡ ረሲአን ግና ናብ መከራ ይጸድፉ።
17
እግዚኣብሄር ነዚ ርእዩ ኸይጒሂ እሞ ዂራኡ ኻብኡ ኸይመልስሲ፡ ጻላኢኻ እንተ ወደቐ፡ ኣይትተሐጐስ፡ እንተ ጸደፈ ኸኣ፡ ልብኻ ደስ ኣይበሎ።
18
እግዚኣብሄር ነዚ ርእዩ ኸይጒሂ እሞ ዂራኡ ኻብኡ ኸይመልስሲ፡ ጻላኢኻ እንተ ወደቐ፡ ኣይትተሐጐስ፡ እንተ ጸደፈ ኸኣ፡ ልብኻ ደስ ኣይበሎ።
19
እኩይ ሰብ ውሬታ የብሉን፡ ቀንደሌ ረሲኣን ከኣ ይጠፍእ እዩ እሞ፡ በቶም እከይ ዚገብሩ ኣይተንጸርጽር፡ በቶም ረሲኣን ኣይትቕናእ።
20
እኩይ ሰብ ውሬታ የብሉን፡ ቀንደሌ ረሲኣን ከኣ ይጠፍእ እዩ እሞ፡ በቶም እከይ ዚገብሩ ኣይተንጸርጽር፡ በቶም ረሲኣን ኣይትቕናእ።
21
ወደየ፡ ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን ፍርሃዮም፡ ምስ ዓለወኛታት ኣይትጸምበር።
22
ብድንገት መዓት ኪወርዶም እዩ እሞ፡ ንጥፍኣት ክልቲኦም መን እዩ ዚፈልጦ
23
እዚውን ካብ ጠቢባን እዩ፡ ኣብ ፍርዲ ኣድልዎ ምግባር ሰናይ ኣይኰነን።
24
ነቲ በደለኛስ፡ ጻድቕ ኢኻ ዚብሎ፡ ህዝብታት ኪረግምዎ፡ ኣህዛብውን ኪፍንፍንዎ እዮም።
25
እቶም ዚግስጽዎ ግና ደሓን ኪዀኑ እዮም፡ ኣብ ልዕሊኦም በረኸትን ጽቡቕ ዕድልን ኪወርድ እዩ።
26
ቅኑዕ ምላሽ ዚህብ፡ ከናፍር ይስዕም።
27
ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ፡ ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ፡ ደሓር ቤትካ ስራሕ።
28
ንብጻይካ ብዘይ ምኽንያት መስኪርካ ኣይትጒዳዮ፡ ብኸናፍርካ ድማ ኣይትጠበር።
29
ከምታ ዝገበረኒ ኽገብሮ፡ ንሰብ ከም ግብሩ ኽፈድዮ እየ፡ ኣይትበል።
30
ኣነ ብግራት ሃካይ፡ ብናይቲ ኣእምሮ ዜብሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ሐለፍኩ፡
31
እንሆ ድማ፡ ኣብ ኲሉ ተዀርባ በቚልዎ፡ ቈጥቋጥ ውሒጥዎ፡ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ።
32
ልበይ ኣውዲቐ ኣብኡ ተመልከትኩ፡ ንእኡ ርእየ ድማ ትምህርቲ ረኸብኩ፡
33
ቅሩብ ድቃስ፡ ቅሩብ ትኽስታ፡ ምእንቲ ኽትዐርፍ ቅሩብ ኣእዳውካ ምምስቓል፡
34
ሽዑ ድኽነትካ ገስጊሱ፡ ንዴትካ ኸኣ ከም እተሰለፈ ሰብኣይ ይመጸካ።
← Chapter 23
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 25 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31