bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Proverbs 6
Proverbs 6
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 5
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 7 →
1
ወደየ፡ ንብጻይካ እንተ ተውሐስካ፡ ስለ ጓና ኸአ ኢድ እንተ ጠቓዕካ፡
2
ብቓላት ኣፍካ ተትሐዝካ፡ ብቓላት ኣፍካ ተፈንጠርካ።
3
ወደየ፡ ኣብ ኢድ ብጻይካ ኻብ ወደቕካስ፡ ምእንቲ ኽትግርነ፡ ከምዚ ግበር፡ ኪድ እሞ ተደፊእካ ንብጻይካ ነዝንዞ፡
4
ንዓይንኻ ድቃስ፡ ንቕርኒብካ ትኽስታ ኣይትሀብ፡
5
ከምቲ ሜዳቑ ካብ ኢድ ሃዳኒ ዑፍውን ካብ ኢድ ኣፈንጣሪ ዜምልጣ፡ ንርእስኻ ኣድሕን።
6
ኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ፡ መገዱ ተመልከት እሞ ጠቢብ ኩን።
7
ወይ ሓለቓ ወይ ኣዛዚ ወይ ገዛኢ የብሉን፡
8
ግናኸ ቀለቡ ብሓጋይ የዳሉ፡ ምግቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ።
9
ኣታ ሃካይ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ በጥ እትብል፡ መኣዝከ ኢኻ ኻብ ድቃስካ እትትንስእ፡
10
ሓንሳእ ምድቃስ፡ ሓንሳእ ከአ ምትኻስ፡ ሓንሳእ ምእንቲ ኸትዐርፍውን ኣእዳውካ ምምስቓል፡
11
ድሕርዚ ኸአ ድኽነትካ ኸም ፈጣን መንገደኛ፡ ስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዐጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ።
12
ሕሱም ሰብ፡ ዓመጸኛ ሰብ፡ ብወስላታ ኣፍ ይመላለስ።
13
ብዓይኑ ይጠኣስ፡ ብእግሩ ይዛረብ፡ ብጻብዑ የመልክት።
14
ተንኮል ኣብ ልቡ እዩ፡ ኩሉ ጊዜ እከይ ይፍሕስ፡ ባእሲ ድማ ይዘርእ።
15
ስለዚ ጥፍኣቱ ብድንገት ይመጽእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ይጭፍለቕ፡ ፈውሲውን ከቶ የብሉን።
16
እግዚኣብሄር ዚጸልኤን ሹዱሽተ ነገር እየን፡ ኤረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን፡
17
ትዕቢተኛ ዓይኒ፡ ሓሳዊት መልሓስ፡ ንጹህ ደም ዜፍስስ ኣእዳው፡
18
እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ፡ እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋር፡
19
ሓሶት ዚዛረብ ሓሳዊ ምስክር፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእዚ ዚዘርእ።
20
ወደየ፡ ንትእዛዝ ኣቦኻ ሓልዎ፡ ንሕጊ ወላዲትካ ኸአ ኣይትሕደጎ፡
21
ኩሉ ጊዜ ኣብ ልብኻ እሰሮ፡ ኣብ ክሳድካውን ኣጥቢቕካ ሐዞ።
22
ካብታ እክይቲ ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባሃልካስ፡ ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸአ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካ፡ ይመርሓካ፡ በጥ እንተ በልካ፡ ይሕልወካ፡ እንተ ነቓሕካ ድማ ይዛርበካ።
23
ካብታ እክይቲ ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባሃልካስ፡ ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸአ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካ፡ ይመርሓካ፡ በጥ እንተ በልካ፡ ይሕልወካ፡ እንተ ነቓሕካ ድማ ይዛርበካ።
24
ካብታ እክይቲ ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኺባሃልካስ፡ ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸአ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኸድካ፡ ይመርሓካ፡ በጥ እንተ በልካ፡ ይሕልወካ፡ እንተ ነቓሕካ ድማ ይዛርበካ።
25
ብሰሪ ኣመንዝራ ሰበይቲ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፡ ዘማዊት ከአ ክብርቲ ነፍሲ እያ እትሀድን እሞ፡ ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፡ ብቑላሕታኣውን ኣይትዘርፍካ።
26
ብሰሪ ኣመንዝራ ሰበይቲ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፡ ዘማዊት ከአ ክብርቲ ነፍሲ እያ እትሀድን እሞ፡ ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፡ ብቑላሕታኣውን ኣይትዘርፍካ።
27
ሰብዶ ሓዊ ሓቑፉስ ክዳኑ ኣይነድድን እዩ፡
28
ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ኸይዱኸ፡ ኣእጋሩዶ ኣይሐርርን እዩ፡
29
ናብ ሰበይቲ ብጻዩ ዚአቱ ኸአ ከምኡ እዩ፡ ዚትንክያ ኸይተቐጽዔ ከቶ ኣይተርፍን።
30
ሰራቒ ጠምዩ ኺዕንገል ኢሉ እንተ ሰረቐ፡ ሰብ ኣይንዕቆን እዩ።
31
እንተ ተታሕዘ ኸአ፡ ሾብዓተ ኢድ ይዐዲ፡ ኣብ ቤቱ ዘሎ ኹሉውን ይህብ።
32
እቲ ምስ ሰበይቲ ዝምንዝር ግና ልቢ የብሉን፡ ንነፍሱ ኼጥፍኣ ዚደሊ እዩ ኸምዚ ዚገብር።
33
ቁስልን ነውርን ይረኽቦ፡ ጸርፉ ከቶ ኣይድምሰስን።
34
ቅንኢ ንሰብኣይ ብቑጥዓ የንድዶ እዩ እሞ፡ ብመዓልቲ ሕነ ኣይድንግጽን እዩ።
35
ግዲ ኻሕሳ የብሉን፡ ኣብዚሕካ ውህበት እንተ ኣቕረብካሉ እኳ፡ ኣይቅበልን እዩ።
← Chapter 5
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 7 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31