bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Exodus 38
Exodus 38
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 37
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 39 →
1
መሰውኢ ምሕራር ድማ ካብ ዕጨይቲ ሸጢም ገበረ ምንዋሑ ኣመት ምግፋሑ ኸኣ ሓሙሽተ እመት፡ ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ስለስተ እመት።
2
ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑ ኸኣ ኣቕርንቲ ገበረሉ፡ እቲ ኣቕርንቱ ምስኡ ሓደ ነበረ፡ ብስራዚ ድማ ለበጦ።
3
ኩሉ ኣቓሑ መሰውኢ ኸኣ ገበረ፡ መአከብ ሓሙኽስትን መጽሓርንያ ጭሔሎን መውግእ ስጋን ምድጃን ንኹሉ ኣቓሑኡ ኻብ ኣስራዚ ገበሮ።
4
ንመሰውኢ ዚኸውን ከም መንፊት ዝበለ መጋረዲ ኻብ ኣስራዚ ገይሩ ኣብ ትሕቲ ኣርከኑ፡ ብሸነኽ ታሕቲ ኽሳዕ ፍርቁ ዚበጽሕ ገበሮ።
5
ነቲ ኣርባዕተ መኣዝን መጋረዲ ኣስራዚ ኸኣ መሰላታት ኪኣትዎ፡ ኣርባዕተ ቐለቤት ኣፍሰሰሉ።
6
መሰላታት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረ፡ ብስራዚ ኸኣ ለበጦ።
7
ነቲ መሰላታት ከኣ፡ ብእኡ ኺጽወር፡ ናብቲ ኣብ ጎቦታት መሰውኢ ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎ። ካብ ሉሕ ጓንጓ ገይሩ ሰርሖ።
8
ገብራ ድማ ካብ ኣስራዚ፡ ኣጋሮኡውን ካብ ኣስራዚ ገበረ፡ ካብ መስትይታት እተን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግላ ዝነበራ ኣንስቲ ገበሮ።
9
ኣጻድ ድማ ገበረ። ነቲ ኣጸድ ብሸነኽ ደቡብ፡ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ሚእቲ ኣመት ዝምንዋሑ መጋረኣታት ገበሮ።
10
ኣዕኑዱ ዕስራ፡ ኣእጋሩውን ዕስራ ኻብ እስራዝ ነበረ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከኣ ካብ ብሩር ነበረ።
11
ብሸነኽ ሰሜን ድማ ሚእቲ እመት፡ ኣዕኑዱ ዕስራ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ዕስራ ካብ ኣስራዚ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከኣ ካብ ብሩር ነበረ።
12
ብሸነኽ ምዕራብ ድማ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ኣዕኑድ ዓሰርተ፡ ኣእጋሩውን ዓሰርተ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከአ ካብ ብሩር ነበረ።
13
ብሸነኽ ምብራቕ፡ በቲ ጸሓይ እትወጸሉ ድማ ሓምሳ እመት ነበረ።
14
ነቲ ኣፍ ደገ ብሓደ ሸነኹ ዓሰርተው ሃሙሽተ ኣመት መጋረኣ ምስ ስለስተ ዓንድን ሰለስተ እግርን ነበረ።
15
ከምኡ ድማ ብኻልኣይ ሸነኽ፡ እሞ ኣቲ ኣፍ ደገ ኣጸድ በዝን በትን ዐዐሰርተው ሓሙሽተ እመት መጋረጃታት ምስ ሰለስተ ዓንዱን ሰለስተ እግሩን ነበሮ።
16
ኩሉ መጋረጃታት ዙርያ እቲ ኣጸድ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ነበረ።
17
ኣእጋር እቲ ኣዕኑድ ድማ ካብ ኣስራዚ ነበረ። ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከኣ ከብ ብሩር ነበረ። ጉልላት እቲ ኣዕኑድ ድማ ብሩር ነበረ። ጉልላት እቲ ኣዕኑድ ድማ ብብሩር ተለቢጡ ነበረ፡ ኩሉ ኣዕኑድ እቲ ኣጸድውን ኣዛንግ ብሩር ነበረ።
18
መጋረጃ ኣፍ ደገ ኣጸድ ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ተጠልፈ፡ ምንዋሑ ዕስራ እመት፡ ቁመቱ ኸኣ ብምግፋሑ ኸምቲ መጋረጃታት ኣጸድ ሓሙሽተ እመት ነበረ።
19
ኣዕኑዱ ኣርባዕተ፡ ኣእጋሩውን ኣርባዕተ ኻብ ኣስራዚ ነበረ፡ መሰቓቐሊኡ ኸኣ ካብ ብሩር ነበረ፡ ጉልላቱን ኣዛንጉን ብብሩር ተለበጠ።
20
ኩሉ ሸኻውልቲ ማሕደርን ናይቲ ኣጸድ ብዙርያኡን ካብ ኣስራዚ ነበረ።
21
ጸብጻብ ነይቲ ማሕደር፡ ናይ ምስክር ማሕደር፡ ብትእዛዝ ሙሴ ፡ ንኣገልግሎት ሌዋውያን ቢድ ኢታማር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን እተጸብጸበ እዚ እዩ።
22
በሳልኤል ወዲ ኡር ወዲ ሁር ካብ ነገድ ይሁዳ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ኹሉ ገበረ።
23
ኦሆልያብ ወዲ ኢሃሲማኻ ካብ ነገድ ዳን ከኣ፡ ምስኡ ነበረ፡ ንሱ ቑራጽን ብሰማያውን ሕብድሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ብልሓተኛ ኣላምን ጠላፍን ነበረ።
24
እቲ ንኹሉ ዕዮ ቤት መቕደስ ንመስርሒ ዝኾነ ኹሉ ወርቂ፡ እቲ እተዋህበ ወርቂ፡ ብሲቃል መቕደስ ዕስራን ትሽዐትን ታለንትን ሾብዓተ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ኮነ።
25
ካብቶም ናይ ኣኼባ እትቑጸሩ እተዋህበ ብሩር ድማ ብሲቃል መቕደስ ሚእቲ ታለንትን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ሲቃል ኮነ።
26
ንነፍስ ወከፍ ሰብ ካብቶም በቲ ቁጽሪ ዝሓለፉ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ እሞ ካብ ሽዱሽተ ሚእትን ስለስተን ሽሕ ሃሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ ሓደ ቤቃ፡ ንሱ ኸኣ ፈረቓ ሲቃል መቕደስ በጽሔ።
27
ኣቲ ሚእቲ ታለንት ብሩር ድማ ንምፍሳስ ኣእጋር መቕደስን ኣእጋር መጋረጃን፡ ሚእቲ ታለንት ንሚእቲ እግሪ፡ ሓደ ታለንት ናደ እግሪ ኾነ።
28
በቲ ሽሕን ሾብዓተ ሚእት ሰብዓን ሓሙሽተን ሲቃል ድማ ነቲ ኣዕኑድ መሰቓቐሊ ገበረሉ፡ ንጉልላቱ ኸአ ለበጦ፡ ኣዛንግውን ገበረሉ።
29
እቲ እተዋህበ ኣስራዚ ድማ ሰብዓ ተለንትን ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሲቃል እዩ።
30
ብእኡ ኣእጋር ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብን መሰውኢ ኣስራዝን ናይ ኣስራዚ መጋርዲኡን ኹሉ ኣቓሑ መሰውእን፡
31
ኣእጋር ኣጸድ ብዙርያኡን ኣእጋር ኣፍ ደገ ኣጸድን ኩሉ ሸኻውልቲ ማሕደርን ኩሉ ሸኻውልቲ ኣጸድ ናይ ብዙርያኡን ገበረ።
← Chapter 37
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 39 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40