bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Numbers 18
Numbers 18
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 17
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 19 →
1
እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን በሎ፡ ንስኻን ደቅኻን ቤት ኣቦኻ ድማ ምሳኻን ነቲ ኽፍኣት መቕደስ ጹሩ። ንስኻን ደቅኻ ኸአ ምሳኽን ነቲ ኽፍኣት ክህነትኩም ጹሩ።
2
ኣሕዋትካ ነገድ ሌዊ ነገድ ኣቦኻ ድማ፡ ምሳኻ ኾይኖም ምእንቲ ኼገልግሉኻ፡ ምሳኻ ኣቕርቦም፡ ንስኻ ግና፡ ደቅኻ ኸአ ምሳኻ፡ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምስክር ኩኑ።
3
ንሳቶም ድማ ሓለዋኻን ሓለዋ ኹሉ ድንኳንን ይሐልው፡ ንሳቶምን ንስኻትኩምን ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ናብ ኣቓሑ መቕደስን ናብ መሰውእን ጥራይ ኣቕረቡ።
4
ኣብ ኩሉ ኣገልግሎት ድንኳን ምሳኻ ኸይኖም ኣብ ሓለዋ ድንኳን ምርኻብ ይሓልው፡ ጓና ግና ኣይቕረብኩም።
5
ድማ መሊሱ ኹራ ናብ ደቂ እስራኤል ምእንቲ ኸይመጽእሲ፡ ንስኻትኩም ሓለዋ መሰውእን ሓልው።
6
እንሆ ኣነ ነሕዋትኩም ሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ወሰድክዎም፡ ንኣኻትኩም እተዋህቡ ህያብ እዮም፡ ንሳቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኬገልግሉ ንእግዚኣብሄር ተወፈዩ።
7
ንስኻን ደቅኻ ኸአ ምሳኻን ብናይ መሰውኢ ነገርን ውሽጢ መጋረጃ ዘበለን ክህነትኩም ሓልውን ኣገልግሉን። እቲ ኣገልግሎት ክህነት ከም ህያብ ሂብኩም እየ። ጓና እንተ ቐረበ ግና፡ ይሙት።
8
እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ተዛረቦ፡ እንሆ ኣነ ሓለዋ እቲ ዚልዐል መስዋእተይ፡ እቲ ናይ ደቂ እስራኤል እተቐደሰ ኹሉ ነገር ክትሕሉ ሂበካ ኣሎኹ፡ ንኣኻ ብምቅባእ መሰል ዘለኣለም ገይረ ንደቅኻ ሂበዮ ኣሎኹ።
9
ካብቲ ኻብ ሓዊ ዝተረፈ ቅዱስ ቅዱሳን እዚ ንኣኻ ይኹን፡ እቲ ዜቕርቡለይ ኩሉ መባኦም፡ ኩሉ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ኩሉ ናይ ሓጢኣት መስዋእቶምን ኩሉ ናይ በደል መስዋኣቶምን ንሱ ንኣኻን ንደቅኻን ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን።
10
ኣብ ቅዱስ ቅዱሳን ኳንካ ብልዓዮ፡ ኩሉ ተባዕታይ ይብልዓዮ፡ ቅዱስ ይኹነልካ።
11
እዚ ንኣኻ እዩ፡ እቲ ኻብ መባኦም ዚልዐል መስዋኣትን እቲ ደቂ እስራኣኤል ዜቕርብዎ ዚውዝውዝ መስዋእትን ንኣኻ፡ ነወዳትካን ኣዋልድካን ድማ ምሳኻ፡ መሰል ዘለኣለም ገይረ ሂበካ ኣሎኹ። ኣብ ቤትካ ንጹህ ዘበለ ይብልዓዮ።
12
ካብ ዘይቲ ዝበለጸ ኹሉን ካብ ወይንን ካብ ስርናይን ዝበለጸ ኹሉን ንእግዚኣብሄር ዚህብዎ በኹራት ንኣኻ ሂበካ ኣሎኹ።
13
ኣብ ምድሮም ዘሎ ኹሉ በኹሪ ፍረ ናብ እግዚኣብሄር ዜምጽእዎ ንኣኻ ይኹን፡ ኣብ ቤትካ ንጹህ ዘበለ ኻብኡ ይብላዕ።
14
ኣብ እስራኤል እተሐርመ ኹሉ ንኣኻ ይኹን።
15
ካብ ኩሉ ስጋ፡ ማሕጸን ዚኸፍት ዘበለ፡ ሰብ ኮነ ሓደው እንስሳ፡ ናብ እግዚኣብሄር ዜቕርብዎ፡ ንኣኻ ይኹን። ንበኹሪ ሰብ ግና በጃ ሀበሉ፡ ንበኹሪ ርኹስ እንስሳ ኸአ በጃ ሀበሉ።
16
ነቶም እትብጀዎም ድማ ካብ ወዲ ወርሒ ዝኾነ ከም ገምጋምካ ብሲቃል፡ ንሱ ኸአ ዕስራ ጌራ፡ ብሓሙሽተ ሲቃል ብሩር ተበጀዎም።
17
በኹሪ ላምን በኹሪ በጊዕን ጤልን ግና፡ ቅዱሳን እዮም ኣሞ፡ ኣይትበጀዎም፡ ደሞም ኣብ መሰውኢ ንጸጎ፡ ስብሖም ከአ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጬና፡ ንመስዋኣቲ ሓዊ ኣሕርሮ።
18
ስጋኦም ከአ ንኣኻ ይኹን፡ ከም ሓኸለ እቲ ዝውዝውዝ መስዋእትን ከም የማናይ እግርን ንኣኻ ይኹን።
19
ናይቲ ቅዱስ ነገር ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዜቕርብዎ ኹሉ ዚልዐል መስዋእቲ ንኣኻ፡ ነወዳትካን ነዋልድካን ድማ ምሳኻ፡ መሰል ዘለአለም ሀይረ ሂበካ አሎኻ። ንሱ ንኣኻን ንዘርእኻ ድማ ምሳኻን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኪዳን ጨው እዩ።
20
እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን በሎ፡ ኣብ ምድሮም ርስቲ ኣይሀሉኻ፡ ኣብ ማኣከሎም ከአ ግደ ኣይሀሉኻ፡ ኣአብ ማእከል ደቂ እስራኤል ግዴኻን ርስትኻን ኣነ እየ።
21
ንደቂ ሌዊ ድማ ኣብ ክንዲ ኣቲ ኣገልግሎቶም፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዜገልግልዎ ኣገልግሎት፡ እንሆ ኹሉ ዕሽር እስራኣኤል ንርስቲ ሂበዮም አሎኹ።
22
ድሕሪ ደጊም ደቂ እስራኣኤል ምእንቲ ሓጢኣት ከይጾሩን ከይሞቱን፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣይቕረቡ።
23
ሌዋውያን ግና ኣብቲ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ የገልግሉ፡ እቲ በደሎም ከአ ንሳቶም ይጹርዎ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ድማ ርስቲ ኣይረስቱ።
24
እቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ንዚልዐል መስዋእቲ ዚህብዎ ዕሽር ንሌዋውያን ርስቲ ሂበዮም እየ እሞ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣይሀልዎም፡ በልክዎ።
25
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
26
ንሌዋውያን ተዛረቦም በሎም ከአ፡ እቲ ኻባታቶም ከም ርስትኹም ገይረ ዝህበኩኹም ጎሽር ካብ ደቂ እስራኤል ምስ እትወስዱ ካባኡ ንእግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋኣቲ፡ ካብቲ ዕሽርሲ ዕሽር ኣቕርቡ።
27
እዚ ዚልዐል መስዋእትኹም ድማ ከም ስርናይ ካብ ዓውዲ፡ ከም ወሓዚ ኻብ መጽሙቕ ይቑጸረልኩም።
28
ከምኡ ንስኻትኩም ድማ ካብቲ ኻብ ደቂ እስራኤል እትወስድዎ ኹሉ ዕሽርኩም ንእግዚኣብሄል ዚልዐል መስዋእቲ ኣቕርቡ፡ ካብኡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋኣቲ ንኻህን ኣሮን ሀቡ።
29
ካብቲ እተዋህበኩም ኩሉ፡ ካብቲ እተቐደሰ ኻብ ኩሉ እቲ ብሉጹ፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዚልዐል መስዋኣቱ ኣቕርቡ።
30
በሎም ድማ፡ እቲ ዝበለጸ ኻብኡ ምስ እተቕርቡ፡ ንሌዋውያን ከምቲ እቶት ዓውድን ከም እቶት መጽሙቕን ይቑጸረሎም።
31
ናይቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ እተገልግልዎ ማሕደሮኹም እዩ እሞ፡ ንስኻትኩምን ስድራ ቤትኩምን ኣብ ዝኾነ ቦታ ብልዕዎ።
32
ካብኡ እቲ ዝበለጸ ምስ ኣልዐልኩም፡ ብዛዕባኡ ሓጢኣት ኣይትጸሩን፡ እቲ ደቂ እስራኣኤል ዝቐደስዎ ኸአ ኣይተርክሱን ኣይትሞቱን ከአ።
← Chapter 17
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 19 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36