bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Numbers 29
Numbers 29
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 28
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 30 →
1
ብሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸአ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። ንሳ መዓልቲ ቓና መለኸት ትኹነልኩም።
2
ሽዑ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዚሐርር መስዋእቲ፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል ፡ ጎድለኦ ዜብሎም ሾብዓተ ገንሸል ዓመት፡
3
ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከአ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡
4
ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ከአ ነንገንሸል ሓደ ዓስራይ ኣፍ፡
5
ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ንምትዕራቕኩም ሓድ ድቤላ፡
6
እዚ ብጀካ ኣቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ዚሐርር መስዋእትን ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋኣትን ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን እዚ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ እዩ።
7
ካብዛ ሳብዐይቲ ወርሒ እዚኣ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኸአ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ነፍስኹም ከአ ኣዋርዱ። ገለ ዕዮ ኣይትዕየዩ።
8
ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዚሐርር መስዋእቲ፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ጎደሎ ዜብሎም ከኣ ይኹነልኩም።
9
ናይ ብልዒ መስዋእቶም ድማ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ከአ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡
10
ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ነንገሽል ዓስራይ ኣፍ፡
11
ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ንመተዓረቒ ዚኸውን መስዋእቲ ሓጢኣትን ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን ኣቕርቡ።
12
ኣብታ ሳብዐይቲ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር በዓል ኣብዕሉ።
13
ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዚሓርር መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ሓዊ፡ ኣቕርቡ፡ ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ጎደሎ ዜብሎም ከአ ይኹኑ።
14
ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከአ ብዘይቲ እተቖምጥዔ ድኹም ሓርጭ፡ ነቶም ክልተ ድዑል ድማ ነንሓደ ድዑል ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡
15
ነቶም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ከአ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ፡
16
ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርርትግ ዚሐርር መስዋእቱ፡ ምስቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን ጌርኩም ኣቕርቡ።
17
ኣብቲ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ፡ ዓስርተው ክልተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡
18
ምስቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝርብዓትን ደዓውልን ገንሸልን ከምቲ ቖጸሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡
19
ንመስዋእቲ ሓጢአት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን ኣቕርቡ።
20
በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተው ሓደ ዝራብዕ።ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡
21
ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቖጸሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡
22
ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
23
በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓስርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡
24
ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቖጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡
25
ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሓርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
26
በታ ሓምሰይቲ መዓልቲ ድማ ትሽዓተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት።
27
ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቖጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡
28
ንመስዋእቲ ሓጢአት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
29
በቲ ሳድሰይቲ መዓልቲ ድማ ሾሞንተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡
30
ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቒጸሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡
31
ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ፡ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
32
በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ሾብዓተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡
33
ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቑጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዔ፡
34
ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
35
በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ክቡር ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ኩሉ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ።
36
ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ዚሓርር መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ጎደሎ ዜብሎም ሾብዓተ ገንሸል ዓመት፡
37
እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቲ ዝራብዕን ነቲ ድዑልን ንገሸልን፡ ከምቲ ቑጽሮም፡ ከምቲ ኣተሰርዔ፡
38
ንመስዋእቲ ሓጢአት ከአ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
39
እዚ ብጀካ እቲ መብጽዓኹምን ናይ ፍቓድ መስዋእትኹምን ንዚሐርር መስዋእትኹም ኮነ ወይ ናይ ብልዒ መስዋእትኹም ወይ ናይ መስተ መስዋእትኹም ወይ ናይ ምስጋና መስዋእትኹም በቶም ዓበይቲ በዓልት ንእግዚኣብሄር ከተቕርቡ ኢኹም።
← Chapter 28
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 30 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36