bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Numbers 23
Numbers 23
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 22
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 24 →
1
በላዓም ድማ ንባላቅ፡ ኣብዚ ሾብዓተ መሰውኢ ንደቐለይ እሞ ሾብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ኣዳልወለይ በሎ።
2
ባላቅ ከአ ከምቲ በላዓም ዝበሎ ገበረ፡ ባላቅን በላዓምን ኣብ መመሰውኢ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኡ።
3
በላዓም ድማ ንባላቅ፡ ኣብ ጥቓ እዚ ዚሓርር መስዋእትኻ ደው በል፡ ኣነ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኪራኸበኒ እንተ ወጸ፡ ክኸይድ እየ፡ እቲ ንሱ ዜርእየኒ ነገር ከአ ክነግረካ እየ፡ በሎ። ናብ ሓደ መላጥ በሪኽ ድማ ከደ።
4
ኣምላኽ ከአ ንበላዓም ተጓነፎ፡ ንሱ ድማ፡ ሾብዓተ መሰውኢ ኣዳልኹ፡ ኣብ መመሰውኢ ኸአ ዝራብዕን ድዑልን ሰዋእኩ፡ በሎ።
5
እግዚኣብሄር ድማ ቃል ኣብ ኣፍ በላዓም ኣንበረ፡ ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዚ ኢልካ ተዛረቦ፡ ከአ በሎ።
6
ናብኡ ድማ ተመልሰ። እንሆ ኸአ፡ ንሱ ምስ ኩሎም ሹማምቲ ሞኣብ ኣብ ጥቓ እቲ ዚሓርር መስዋእቱ ደው ኢሉ ነበረ።
7
ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለ፡ ባላቅ ካብ ኣራም፡ ንጉስ ሞኣብ ካብ ኣኽራን ምብራቕ ኣምጽኣኒ፡ መጺእካ ንያእቆብ ርገመለይ፡ ንዓ ንእስራኤል ጸይፎ።
8
ኣምላኽ ንዘይረገሞ ኸመይ ኢለ ኽረግም፡ እግዚኣብሄር ንዘይጸየፎ ኸመይ ገይረ ኽጽይፍ፡
9
ካብ ርእሲ ኣኻውሕ ደአ ኣርእዩ፡ ካብ ኩርባታት ከአ እጥምቶ ኣሎኹ። እንሆ ንበይኑ ዚቕመጥ ህዝቢ፡ ምስ ህዝብታትውን አይቁጸርን።
10
ነቲ ሓመድ ያእቆብ መን ኪቖጽሮ ይኽእል፡ ወይ ንርብዒ እስራኣኤል መን ይጽብጽቦ፡ ነፍሰይ ሞት ጻድቃን ትሙት፡ መወዳእታይ ከአ ከም ናቱ ይኹን።
11
ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ እንታይ እዩ ዝገበርካኒ፡ ንጸላእተይ ክትረግሞም ኣምጻእኩኻ፡ እንሆ ኸአ ፈጺምካ መረቕካዮም፡ በሎ።
12
ንሱ ድማ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዘንበሮ ተጠምቂቐ ኽዛረበዶ ኣይግበኣንን እዩ፡ ኢሉ መለሰ።
13
ባላቅ ድማ፡ በጃኻ፡ ኣብኣ ዃንካ ኽትርእዮምሲ፡ ናብ ካልእ ቦታ ምሳይ ኪድ። ናይ ሓደ ወገን ወሰኖም ትርኢ ኣሎኻ እምበር፡ ንብዘለው ኣይትርእዮምን ኢኻ ዘሎኻ፡ ኣብኡ ዃንካ ንኣታቶም ርገመለይ፡ በሎ።
14
ናብ መሮር ጾፊም ናብ ርእፊ ጲስጋ ድማ ወሰዶ፡ ሾብዓተ መሰውኢ ኸአ ነደቐ፡ ኣብ መመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኤ።
15
ባላቅ ከአ፡ ኣብዚ ኣብ ጥቓ ዚሐርር መስዋእትኻ ደው በል፡ ኣነ ኣብኡ ኽራኸቦ ክኸይድ እየ፡ በሎ።
16
እግዚኣብሄር ድማ ንበላዓም ተራኸቦ፡ ቃል ከአ ኣብ ኣፉ ኣንበረ፡ ናብ ባላቅ ተመሊስካ ድማ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦ፡ በለ።
17
ናብኡ ኸአ መጸ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ጥቓ ኣቲ ዚሐርር መስዋእቱ ደው በሉ፡ ሹማምቲ ሞኣብውን ምስኡ ነበሩ። ባላቅ ድማ፡ እግዚኣብሄር እንታይ ተዛሪቡካ፡ በሎ።
18
ሽዑ ምስላኡ ኣልዒሉ በለ፡ ባላቅ ተንስእ፡ ስማዕ ድማ፡ ኣታ ወዲ ጺጶር፡ ናባይጽን በል።
19
ኣምላኽ ከይሕሱ፡ ሰብ ኣይኮነን። ከይጠዐስ ከአ፡ ወዲ ሰብ ኣይኮነን። ንሱ ዝበሎስ ኣይገበሮንዶ፡ እተዛረቦስ ኣይፍጽሞንዶ፡
20
እንሆ፡ ክምርቕ ተአዚዘ እየ። ንሱ ድማ ባሪኹ እዩ፡ ኣነ ኸአ ክመልሶ ኣይከአለንን።
21
ኣብ ያእቆብ ክፍኣት ኣይጠመተን፡ ኣብ እስራኣኤል ከአ ሕሰም ኣይረአየን። እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስኡ ኣዩ፡ እልልታ ንንጉስ ድማ ኣብ ማኣከሉ ኣሎ።
22
ኣምላኽ ካብ ግብጺ ኣውጽኦም፡ ሓይሊ ኸም ናይ ርኤም ዝበለ ኣለዎ።
23
ኣብ ያእቆብ ኣስማት፡ ኣብ እስራኤል ከአ ጥንቁልና የልቦን። ብዛዕባ ያእቆብን እስራኤልን ብጊዚኡ፡ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ግብሪ ገበረ፡ ኪበሀል እዩ።
24
እንሆ፡ ህዝቢ ኸም ዋዕሮ ይትንስእ፡ ከም ኣንበሳ ይልዐል። ዝዘረፎ ኽሳዕ ዚበልዕ፡ ደም እቶ ቅቱላት ከአ ክሳዕ ዚሰቲ በጥ ኣይብልን።
25
ሽዑ ባላቅ ንበላዓም፡ ምርጋም ኣይትርገሞ፡ ምምራቕ ከአ ኣይትመርቆ፡ በሎ።
26
በላዓም ግና ንባላቅ፡ እግዚኣብሄር ዚብለኒ ኹሉ እየ ዝገብር፡ ኢለዶ ኣይተዛረብኩኻን፡ ኢሉ መለሰሉ።
27
ባላቅ ድማ ንበላዓም። ናብ ካልእ ቦታ ኽወስዳካ፡ ምናልባሽ ኣምላኽ እንተ ሰመሮ፡ ኣብኣ ዃንካ ኽትረግመለይ፡ በጃኻ ንዓ፡ በሎ።
28
ባላቅ ከአ ንበላዓም፡ ንበረኻ ኣቢሉ ናብ ዘርኢ ፡ ናብ ርእሲ ጴዖር ወሰዶ።
29
በላዓም ድማ ንባላቅ፡ ኣብዚ ሾብዓተ መሰውኢ ንደቐለይ፡ ሶብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ከአ ኣብዚ ኣዳልወለይ፡ በሎ።
30
ባላቅ ድማ ከምቲ በላዓም ዝበሎ ገበረ፡ ኣብ መመሰውኢ ኸአ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኤ።
← Chapter 22
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 24 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36