bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Numbers 9
Numbers 9
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 8
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 10 →
1
ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ፡ ኣብ ካልኣይቲ ዓመቶም ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ሲና ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
2
ደቂ እስራኤል በቲ ምዱብ ጊዚኡ ፋስጋ የብዕሉ።
3
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ፡ በቲ ምዱብ ጊዚኡ፡ ኪመሲ ኸሎ ኣብዕልዎ። ከም ኩሉ ሕጋጋቱን ከም ኩሉ ስርዓቱን ጌርኩም ኣብልዕዎ።
4
ሙሴ ኸአ ንደቂ እስራኤል ፋስጋ ኼብዕሉ ተዛረቦም።
5
ንሳቶም ድማ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸአ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ኪመሲ ኸሎ ኣብ በረኻ ሲና ፋሲጋ ኣብዐሉ። ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝአዘዞ ኹሉ፡ ከምኡ ገበሩ።
6
ድማ ብምውት ሰብ ዝረኸሱ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ፋሲጋ ኼብዕሉ ዘይከአሉ ሰባት ነበሩ፡ ንሳቶም ከአ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ቀረቡ።
7
ቕቶም ሰባት እቲኦም ድማ፡ ንሕና ብምውት ሰብ ረኺስና ኢና እሞ፡ በታ ምድብቲ ጊዜ መባእ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ እስራኤል ከይነቕርብ እተኸልከልና ስለምንታይ እዩ፡ በልዎ።
8
ሙሴ ኸአ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባኹም ዚእዝዞ ኸሰምዕሲ ደው ኢልኩም ጽንሑ በሎም።
9
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡
10
ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ዝኾነ ሰብ ካባኻትኩም ወይ ካብ ወለዶኹም ብምውት እንተ ረኸሰ ወይ ኣብ ርሑቕ መገዲ እንተሎ፡ ንእግዚኣብሄር ፋሲጋ የብዕል።
11
ንሱ ኣብታ ኻልእይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኽመሲ ኸሎ የብዕሊ፡ ምስ ቅጫን መሪር ሓምልን ይብልዕዎ።
12
ካብኡ ገለ ኽሳዕ ጽባሕ ኣይሕደጎ፡ ዓጽሙ ኸአ ኣይስበሩ። ከም ኩሉ ሕጊ ፋሲጋ ይግበርዎ።
13
ዝኾነ ሰብ፡ ንጹህ ክነሱ፡ ኣብ መገዲውን ዘይኮነ፡ ፋስጋ ዘየብዐለ፡ መባእ እግዚኣብሄር በቲ ምዱብ ጊዚኡ ስለ ዘየቕረበ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ትመንቆስ። እቲ ሰብ እቲ ሓጢኣቱ ይጸውር።
14
ጓና ምሳኻትኩም ዚነብር እንተሎ፡ ፋሲጋ ንእግዚኣብሄር ኬብዕል እንተ ደለየ፡ ከምቲ ናይ ፋሲጋ ሕግና ስርዓትን ይግበር። ንጓናን ንወዲ ዓድን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም።
15
በታ እቲ ማሕደር እተተኸለላ መዓልቲ ድማ ነቲ ማሕደር፡ ነቲ ድንኳን ምስክር ደበና ኣጎልበቦ፡ ካብ ምሸት ክሳብ ብጊሓት ድማ ከም ትርኢት ሓዊ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ።
16
ወርትግ ከምኡ ነበረ፡ ደበና ኣጎልበቦ ብለይቲ እቲ ድንኳን ምስ ተላዕለ፡ ድሕርቲ ደቂ እስራኤል ይጉዐዙ፡ እቲ ደበና ኣብ ዝቖመሉ ኸአ፡ ደቂ እስራኤል ኣብኡ ይሰፍሩ ነበሩ።
17
ደቂ እስራኤል ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይጉዐዙ፡ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከአ ይሰፍሩ ነበሩ። እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ብዝቖመሉ ግዜ ኣብቲ ዝሰፈርዎ ይጸንሑ ነበሩ።
18
ደቂ እስራኤል ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይጉዐዙ፡ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከአ ይሰፍሩ ነበሩ። እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ብዝቖመሉ ግዜ ኣብቲ ዝሰፈርዎ ይጸንሑ ነበሩ።
19
እቲ ደበአና ብዙሕ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ማሕደር እንተ ጸንሔ፡ ደቂ እስራኤል እቲ ሓለዋ እግዚኣብሄር ይሕልው ነበሩ እሞ ኣይተጓዕዙን።
20
እቲ ደበና ቕሩብ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ማሕደር እንተ ነበረ፡ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ሰፊሮም ቀነዩ፡ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከአ ተጓዕዙ።
21
እቲ ደበና ኻብ ንሸት ክሳዕ ብጊሓት እንተ ነበረ ኸአ፡ እቲ ደበና ንግሆ ምስ ተላዕለ፡ ይጉዐዙ ነበሩ። ሓንቲ መዓልትን ሓንቲ ለይትን እንተ ጸንሔ፡ እቲ ደበና ምስ ተላዕለ፡ ሽዑ ተጓዕዙ።
22
እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ ማሕደር ተቐሚጡ ኽልተ መዓልቲ ወይ ሐደ ወርሒ፡ ወይ ነዊሕ ጊዜ እንተ ደንጎየ፡ ደቂ እስራኤል ሰፊሮም ይጸንሑ እምበር፡ ኣይጎዐዙን ነበሩ። ምስ ዚለዐል ግና፡ ይጉዐዙ ነበሩ።
23
ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሰፍሩ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ድማ ይጉዐዙ ነበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝአዘዞ፡ ነቲ ሓለዋ እግዚኣብሄር ይሕልው ነበሩ።
← Chapter 8
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 10 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36