bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 1
Isaiah 1
Amharic Tigrinya 2011
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 51
Chapter 52
Chapter 53
Chapter 54
Chapter 55
Chapter 56
Chapter 57
Chapter 58
Chapter 59
Chapter 60
Chapter 61
Chapter 62
Chapter 63
Chapter 64
Chapter 65
Chapter 66
Chapter 2 →
1
ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዘመን ኡዝያን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን፡ ነገስታት ይሁዳ፡ ብናይ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ራእይ።
2
እግዚኣብሄር ይዛረብ ኣሎ እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ስምዑ፡ ኣቲ ምድሪ፡ ጽን በሊ፡ ንውሉድ ኣዕቤኽዎምን ኣልዐልክዎምን፡ ንሳቶም ድማ ካባይ ዐለው።
3
ብዕራይ ንዋናኡ፡ ኣድጊ ድማ ንመብልዕ ማል ጐይታኡ ይፈልጦ፡ እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን፡ ህዝበይውን ኣየስተውዕልን እዩ።
4
ሓጥእ ዓሌት፡ በደል እተጻዕነ ህዝቢ፡ ዘርኢ ገበርቲ እከይ፡ ጥፉኣት ውሉድ ወይለኦም። ንእግዚኣብሄር ሓዲጎም፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ንዒቖም፡ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ።
5
ምዕላው እናወሰኽኩም ካብ እትኸዱስ፡ ንምንታይ ደኣ እትውቅዑ፡ ኲሉ እቲ ርእሲ ሕሙም፡ ኲሉ እቲ ልቢ ሕሉል እዩ።
6
ካብ ከብዲ እግሪ ኽሳዕ ርእሲ ገለ ጥዑይ የብሉን። ዘይተጠወቐን ዘይተዘነነን ብቕብኢ ዘይለስለሰን፡ ኣቚሳልን ስምብራትን ሓድሽ መውቃዕትን ጥራይ እዩ።
7
ሃገርኩም ባዲማ፡ ከተማታትኩም ብሓዊ ነዲደን፡ ንግርሁኹም ጓኖት ኣብ ቅድሜኹም ይውሕጥዎ፡ ጓኖት ከም ዘፍረስዋ ኸኣ ባደመት።
8
ጓል ጽዮን ድማ ከም ዳስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ከም ጎጆ ኣብ ግራት ብርጭቕ፡ ከም እተኸበት ከተማ ዀይና ተሪፋ ኣላ።
9
እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ግለ ሒደት ትርፊ እንተ ዘይሐድገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና፡ ንጎሞራ ምመሰልና ኔርና።
10
ኣቱም ሓላቑ ሶዶም፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኣታ ህዝቢ ጎሞራ፡ ንሕጊ ኣምላኽና ጽን በሎ።
11
ብዝሒ መስዋእትታትኩም እንታይ ኢለዮ ይብል እግዚኣብሄር፡ ብዚሐርር መስዋእቲ ደዓውልን ብስብሒ ስቡሓትን ጸጊበ ኣሎኹ፡ ደም ዝራብዓትን ገናሽልን ድቤላታትን ባህ ኣየብለንን እዩ።
12
ኣብ ቅድመይ ክትረኣዩ ምስ እትመጹ፡ መን ኰታ ኣጸደይ ክትረግጹ ደለየኩም
13
ከንቱ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተምጽኡ፡ ዕጣን ንኣይ ፍንፋን እዩ፡ ስርቂ ወርሕን ሰንበትን፡ ኣኼባ ማሕበር፡ ንኣበሳ ምስ ኣኼባ በዓል ኣይዕገሶን እየ።
14
ንስርቂ ኣዋርሕኩምን በዓላትኩምን ነፍሰይ ትጸልኦ ኣላ፡ ጾር ኰይኑኒ፡ ምስካሙ ስኢነ ኣሎኹ።
15
ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ፡ ኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለን፡ ምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩም፡ ኣይሰምዕን እየ፡ ኣእዳውኩም ደም መሊኤን እየን።
16
ተሐጸቡ፡ ንጽሁ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉ።
17
ምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ።
18
ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቔሔ፡ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ኪኸውን እዩ።
19
ሕራይ እንተ በልኩምን እንተ ተኣዘዝኩምንሲ፡ ጣኦሚ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም።
20
ግናኸ እንተ ኣቤኹምን እንተ ዐሎኹምን፡ ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪባ እያ እሞ፡ ብሰይፊ ኽትወሐጡ ኢኹም።
21
እታ እምንቲ ኸተማ ኸመይ ኢላ ኣመንዝራ ዀነት። ቅንዕና ዝመልኣ፡ ጽድቂ ዝሐደራ ነበረት፡ ሕጂ ግና ማሕደር ቀተልቲ ነፍሲ ዀነት።
22
ብሩርኪ ርስሓት ኰይኑ፡ ወይንኺ ማይ ተዘሊሉ።
23
መሳፍንትኺ ሽፍታታትን ኣዕሩዂ ጐሓሉትን እዮም። ኲሎም ምቕባል ደርሆ ይፈትው፡ ደድሕሪ ኻሕሳ ይጐይዩ። ንዘኽታም ፍትሒ ኣየውጽኡሉን፡ ነገር መበለት ከኣ ኣባታቶም ኣይበጽሕን እዩ።
24
ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ናይ እስራኤል ስልጡን፡ ከምዚ ይብል፡ ኲራይ ኣብ ተጻረርተይ ከዝሕል፡ ንጸላእተይ ከኣ ሕነ ኽፈድዮም እየ።
25
ንኢደይ ድማ ኣባኺ ኽመልሳ፡ ንሓርኢ ሓጺንኪ ኸኣ ኣጸቢቐ ኸጸጺ፡ ንዂሉ ቖርቆሮኺውን ክድርብዮ እየ።
26
ንፈራዶኺ ኸምቶም ቀደም ዝነበሩ፡ ንመኸርትኺ ድማ ከምቶም ብመጀመርታ ዝነበሩ ኽመልሶም እየ። ደሓር ከተማ ጽድቂ፡ እምንቲ ኸተማ ኽትስመዪ ኢኺ።
27
ጽዮን ብፍርዲ፡ እቶም ምሉሳታ ኸኣ ብጽድቂ ኺድሕኑ እዮም።
28
ግናኸ ከሓዶን ሓጥኣንን ብሓደ ኺስበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ዝሐደጉውን ጥራስ ኪጠፍኡ እዮም።
29
በቲ ዝፈቶኹምዎ ኣእዋም ክትሐንኩ፡ በቲ ዝመረጽኩምዎ ኣታኽልቲ ኽትሐፍሩ ኢኹም።
30
ቈጽሉ ኸም ዝጸምለወ ኦምን፡ ማይ ከምዜብሉ ኣታኽልትን ክትኰኑ ኢኹም እሞ፡
31
እቲ ሓያል ከም እተባዘተ ቓንጭ ኪኸውን እዩ፡ ክልቲኣቶም ብሓደ ኺነዱ እዮም፡ ዜጥፍእ ከኣ ሓደ እኳ የልቦን።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 51
Chapter 52
Chapter 53
Chapter 54
Chapter 55
Chapter 56
Chapter 57
Chapter 58
Chapter 59
Chapter 60
Chapter 61
Chapter 62
Chapter 63
Chapter 64
Chapter 65
Chapter 66
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50
51
52
53
54
55
56
57
58
59
60
61
62
63
64
65
66