bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 33
Isaiah 33
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 32
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 51
Chapter 52
Chapter 53
Chapter 54
Chapter 55
Chapter 56
Chapter 57
Chapter 58
Chapter 59
Chapter 60
Chapter 61
Chapter 62
Chapter 63
Chapter 64
Chapter 65
Chapter 66
Chapter 34 →
1
ኣታ እትዘምት እሞ ዘይተዘመትካ፡ ወይለኻ፡ ኣታ እትጠልም እሞ ዘይተጠለምካ፡ ወይለኻ። ምዝማት ምስ ፈጸምካ፡ ክትዝመት ኢኻ። ምጥላም ምስ ወዳእካ፡ ኪጠልሙኻ እዮም።
2
ዎ እግዚኣብሄር ምሐረና፡ ንኣኻ ንጽበ ኣሎና። ኣብ ጸጽባሕ ቅልጽሞም፡ ብጊዜ ጸበባ ኸኣ ምድሓንና ኹን።
3
እቶም ህዝብታት በቲ ህማም ታዕታዕ ይሀድሙ፡ ብምትንሳእካ ኣህዛብ ፋሕ ይብሉ።
4
ኲብኲብታ ኸም ዚእከብ፡ ዘመቴኹም ይእከብ፡ ኣንበጣ ኸም ዚጐዪ ይጐይዎ ኣለው።
5
እግዚኣብሄር ልዑል እዩ፡ ኣብ ላዕሊ ይነብር እዩ እሞ፡ ንጽዮን ብፍርድን ጽድቅን መሊእዋ ኣሎ።
6
ኣብ ዘመናትካ ህድኣትን ብዝሒ ምድሓንን ጥበብን ፍልጠትን ኪኸውን እዩ፡ ምፍራህ እግዚኣብሄር ከኣ መዝገቡ እዩ።
7
እንሆ፡ ጀጋኑኦም ኣብ ወጻኢ ይጭድሩ፡ ልኡኻት ሰላም ከኣ ኣምሪሮም ይበኽዩ ኣለው።
8
መገድታት ባደመ፡ ሓላፍ መገዲ ተሳእነ። ኪዳን ጠለመ፡ ከተማታት ነዐቐ፡ ንሰብ ገለ እኳ ኣየቋጽሮን።
9
እታ ሃገር ሐዘነትን ሐስኤትን፡ ሊባኖስ ሐፈረትን ነቐጸትን፡ ሳሮን ከም ምድረ በዳ ዀነት፡ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቈጽሉ ረገፈ።
10
እግዚኣብሄር ግና፡ ሕጂ ኽትንስእ፡ ሕጂ ኽለዐል፡ ሕጂ ልዕል ክብል እየ፡ ይብል ኣሎ።
11
ሳዕሪ ትጠንሱ፡ ሓሰር ከኣ ክትወልዱ ኢኹም፡ ትንፋስኩም፡ ዚበልዓኩም ሓዊ እዩ።
12
ህዝብታት ከምቲ ብሓዊ ዝነደደ ኖራ ይነዱ፡ ከምቲ ኣብ ሓዊ ሞዂ ዚብል ቈጥቋጥ እሾዂ ይዀኑ።
13
ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘሎኹም፡ ዝገበርክዎ ስምዑ፡ ኣቱም ቀረባ ዘሎኹም ከኣ፡ ስልጣነይ ፍለጡ።
14
ኣብ ጽዮን ዘለው ሓጢኣተኛታት ይስምብዱ ኣለው፡ ንረሲኣን ድማ ራዕዲ ይሕዞም ኣሎ፡ ካባናስ ምስ ዚባላዕ ሓዊ ኺነብር ዚኽእል መን እዩ ካባናኸ ምስ ናይ ዘለኣለም ባርዕ ኪነብር ዚኽእል መን እዩ
15
እቲ ብጽድቂ ዚመላለስን ቅንዕና ዚዛረብን፡ ረብሓ ምጭቋን ዚንዕቕ፡ መማለዲ ኸይቅበል ድማ ኢዱ ዚንዝንዝ፡ ብናይ ምኽዓው ደም ከይሰምዕ ከኣ ኣእዛኑ ዚውትፍ፡ እከይ ከይርኢውን ኣዒንቱ ዚዕምትሲ፡
16
ንሱ ኣብ በረኻ ኪነብር፡ ኣኻውሕ እምባታት ከኣ ጸግዑ ከኽውን፡ እንጌራኡ ኺረክብ ማዩውን ንሓዋሩ ኣይኪነጽፍን እዩ።
17
ኣዒንትኻ ንንጉስ ብጽባቔኡ ኺርእያኦ፡ ርሑቕ ሰፊሕ ሃገር ከኣ ኪምልከታ እየን።
18
ልብኻ፡ ጸሓፊ ኣበይ ኣሎ መዛኒ ኣበይ ኣሎ ግምብታት ዝቘጸረስ ኣበይ ኣሎ እናበለ ናብቲ ፍርሂ ኺሐስብ እዩ።
19
ነቲ ጨካን ህዝቢ፡ ነቲ ዘይበትውዓል ጭንቂ ዝቛንቋኡ፡ ነቲ ዘይስማዕ ወታእ ዝመልሓሱ ህዝቢ ኣይክትርእዮን ኢኻ።
20
ንጽዮን፡ ነታ ኸተማ በዓላትና፡ ተመልከታ፡ ኣዒንትኻ ንየሩሳሌም፡ ነታ ህድእቲ ማሕደር፡ ዘይትዛናበል ድንኳን፡ መታኽላ ንሓዋሩ ዘይምንቈስ፡ ኣግማዳ ኸኣ ከቶ ዘይብተኽ፡ ኪርእያ እየን።
21
ኣብኣውን እግዚኣብሄር፡ በታ ርሒብ ርባታትን ወሓይዝን ኰይኑ፡ ብግርማኡ ምሳና ኪኸውን እዩ፡ ብመቕዘፍ እትምራሕ መርከብ ኣይትኣትዋን፡ ዓባይ መርከብ ከኣ ኣይትሐልፋን።
22
እግዚኣብሄር ፈራዲና፡ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፡ ንሱ ኼድሕነና እዩ።
23
ኣግማድካ ዘሊቑ፡ ነቲ ደቐል ኣጽኒዑ ኣየትርሮን፡ ነቲ ጋንጽላ ኣይግትሮን። ሽዑ እቲ ዘመተ ናይ ብርቱዕ ምርኮ ይምቀል፡ ሓንካሳት እኳ ምርኮ ይማርኹ።
24
ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ፡ ሕማቕ እየ፡ ኣይብልን፡ እቲ ኣብኣ ዚነብር ህዝቢ ኣበሳኡ ተሐጊጉሉ እዩ።
← Chapter 32
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 51
Chapter 52
Chapter 53
Chapter 54
Chapter 55
Chapter 56
Chapter 57
Chapter 58
Chapter 59
Chapter 60
Chapter 61
Chapter 62
Chapter 63
Chapter 64
Chapter 65
Chapter 66
Chapter 34 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50
51
52
53
54
55
56
57
58
59
60
61
62
63
64
65
66