bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 30
Isaiah 30
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 29
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 51
Chapter 52
Chapter 53
Chapter 54
Chapter 55
Chapter 56
Chapter 57
Chapter 58
Chapter 59
Chapter 60
Chapter 61
Chapter 62
Chapter 63
Chapter 64
Chapter 65
Chapter 66
Chapter 31 →
1
ኣቱም ተጻረርቲ ደቂ፡ ወይለኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ምኽሪ ትመኽሩ፡ ግናኸ ካባይ ኣይኰነን፡ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ክትውስኹስ፡ ኪዳን ትትኣታተው ኣሎኹም፡ ግናኸ ካብ መንፈሰይ ኣይኰነን።
2
ብሓይሊ ፈርኦን ክትሕይሉ፡ ኣብ ጽላል ግብጺ ኸኣ ክትጽግዑ ኢልኩምሲ፡ ናብ ግብጺ ትወርዱ ኣሎኹም፡ ግናኸ ንኣፈይ ኣይሐተትኩምን።
3
ስለዚ እቲ ሓይሊ ፈርኦን መነወሪኹም፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ግብጺ ምጽጋዕኩም ድማ መሕፈሪኹም ኪኸውን እዩ።
4
መሳፍንቱ ኣብ ጾኣን ኣለው፡ ልኡኻቱውን ናብ ሃኔስ በጽሑ እሞ፡
5
በቲ ነውርን ሕፍረትን እምበር፡ ገለ እኳ ዘይጠቕሞም፡ ረዲኤትን ጥቕምን ከኣ ዜብሉ ህዝቢ ኲላቶም ኪሐፍሩ እዮም።
6
ጾር ብዛዕባ ኣራዊት ደቡብ። በታ ዋዕሮን ሓየትን መንደልቶን ዚነፍር ገበልን ብምድሪ ጸበባን ምዕሉባጥን ኣቢሎም፡ ንሃብቶም ኣብ ዝባን ጸዕብ፡ ንዕቋሮም ከኣ ኣብ መንጒዳ ኣግማል ጽዒኖም፡ ንገለ እኳ ዘይጠቕሞም ህዝቢ የምጽኡሉ።
7
ግብጺ ብኸንቱ ብብላሽ እያ እትረድእ እሞ፡ ስለዚ ንእኣ፡ ረሃብ ስቕ ኢላ እትቕመጥ፡ ኢለ ሰሜኽዋ።
8
እምበኣርሲ ኺድ እሞ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣብ ሰሌዳ ሐንጽጾ፡ ንዚመጽእ ጊዜን ንሓዋሩን ንዘለኣለምን ኪነብርሲ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሐፎ።
9
ዓለወኛ ህዝቢ፡ ሓሰውቲ ውሉስ፡ ንሕጊ እግዚኣብሄር ምስማዕ ዚኣብዩ ውሉድ እዮም እሞ፡
10
ነቶም ፈኣይቲ፡ ኣይትርኣዩ፡ ንነብያት ከኣ፡ ቅኑዕ ነገር ኣይትነበዪልና፡ ዜሐጒስ ደኣ ንገሩና፡ ጥበራውን ተነበዪልና፡
11
ካብ ጐደና ኣግልሱ፡ ካብ መገዲ ዝበሉ፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ካብ ቅድሜና ኣርሕቑ፡ ይብሉ።
12
ስለዚ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ ነዚ ቓል እዚ ንዒቕኩም፡ ኣብ ዓመጽን ኣብ ጐመጽን ተወኪልኩም፡ ንእኡ ጸግዒ እትገብሩስ፡
13
ስለዚ እዚ ኣበሳ እዚ ኸም ሓደ ኺወድቕ ዝቐረበ ነቓዕ፡ ከምቲ ብድንገትን ብቕጽበትን ዚፈርስ እተዘዘወ ነዊሕ መንደቕ ኪዀነኩም እዩ፡
14
ዕትሮ ስራሕ መሬት ከም ዚሰባበር፡ ኪሰባበር እዩ፡ ካብቲ ገልዑ እኳ ሓዊ ኻብ እቶን ዚጽሐሮ፡ወይስ ማይ ካብ ሓጽቢ ዚቕድሖ ኸም ዘይርከብ፡ ብዘይ ምሕረት ኪሰባበር እዩ።
15
እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ብምምላስኩምን ብምህዳእኩምን ክትድሕኑ ኢኹም፡ ሓይልኹም ኣብ ህድኣትን ኣብ ምውካልን ኪኸውን እዩ፡ ግናኸ ኣቤኹም።
16
ንስኻትኩምውን፡ ኣይፋልናን፡ በፍራስ ደኣ ንሀድም፡ ስለዚ ኽትሀድሙ ኢኹም፡ ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ከኣ ክንቅመጥ ኢና፡ በልኩም። ስለዚ እቶም ዚሰጉኹም ፈጣናት ኪዀኑ እዮም።
17
ብምፍርራህ ሓደ ሰብኣይ ካባኻትኩም ሽሕ ኪሀድሙ እዮም፡ ከም ጒንዲ ኣብ ርእሲ ኸረን፡ ከም ሰንደቕ ዕላማውን ኣብ ኲርባ ኽሳዕ እትተርፉ፡ ብምፍርራህ ሓሙሽተ ኽትሀድሙ ኢኹም።
18
ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ጸጋ ምእንቲ ኺህበኩም ኪጽበ፡ ስለዚውን ምእንቲ ኺምሕረኩም ልዕል ኪብል እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቶም ዚጽበይዎ ዘበሉ ዂላቶም ብጹኣን እዮም።
19
እቲ ህዝቢ ኣብ ጽዮን ኣብ የሩሳሌም ኪነብር እዩ እሞ፡ ድሕርዚ ኣይክትበክን ኢኻ፡ ምስ እተእዊ ብርግጽ ጸጋ ኺህበካ እዩ፡ ኪሰምዕ ከሎ ኸኣ ኪመልሰልካ እዩ።
20
እግዚኣብሄርሲ እንጌራ ጸበባን ማይ ጭንቀትን ኪህበኩም እዩ፡ ኣዒንትኻ ግና መምህራንካ ኺርእያ እየን እምበር፡ ደጊምሲ መምህራንካ ኣይኪስወሩን እዮም።
21
ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም፡ ኣእዛንካ፡ እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላላሱ፡ ዚብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኺሰምዓ እየን።
22
ነቲ ናይ ቅርጺ ምስልታትካ ተለቢጥዎ ዘሎ ብሩርን፡ ነቲ ናይ ፍሲ ምስልታትካ ተጠሊቕዎ ዘሎ ወርቅን ከተርክሶን ከም ርኹስ ነገር ክትጒሕፎን፡ ወጊድ ካብዚ ውጻእ፡ ክትብሎን ኢኻ።
23
ንሱ ኸኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ዝናም ኪህብ፡ ካብቲ ምድሪ ዚርከብ እንጌራ ድማ ጥዑምን ኣኽልታርፍን ኪኸውን እዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ማልካ ኣብ ርሒብ ሸኻታት ኪጓሰያ እየን።
24
እቶም ንምድሪ ዚሐርሱ ኣብዑርን ጻዕባትን ከኣ ብመስኤን ብሰፍእን ዝጸረየ ጨው ዝጥዕም ድርቋ ኺበልዑ እዮም።
25
በታ ግምብታት ዚወድቁላ ዓባይ መዓልቲ ቕትለት ከኣ ኣብ ኲሉ ነዋሕቲ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ በረኽቲ ዂድዂዶታትን ርባታትን ወሓይዝትን ኪኸውን እዩ።
26
በታ እግዚኣብሄር ንመስበርቲ ህዝቡ ዚዘንላ፡ ንቚስሊ መውቃዕቱ ዜሕውየላ መዓልቲ ኸኣ እቲ ብርሃን ወርሒ ኸም ብርሃን ጻሓይ ኪኸውን፡ ብርሃን ጸሓይ ድማ ሾብዓተ ዕጽፊ ኸም ብርሃን ሾብዓተ መዓልቲ ኪኸውን እዩ።
27
እንሆ፡ ስም እግዚኣብሄር ብርሱን ቊጥዓኡን ብዚዕልስ ትክን ካብ ርሑቕ ይመጽእ ኣሎ፡ ከናፍሩ ብዂራ ምሉእ፡ ልሳኑውን ከም ዚባላዕ ሓዊ እዩ።
28
ነህዛብ ብምሔ ኸንቱነት ኪሔሕዮም፡ ንምንጋጋ ህዝብታት ከኣ ብዜጋጊ ልጓም ምእንቲ ኺለጒምሲ፡ ትንፋሱ ኸምቲ ኽሳዕ ክሳድ ዚበጽሕ ደምሳሲ ውሒዝ እዩ።
29
ከምታ ቅዱስ በዓል ዚበዐለላ ለይቲ ኽትዝምሩ ኢኹም፡ ከምቲ ናይ ከረን እግዚኣብሄር፡ ናብቲ ኸውሒ እስራኤል፡ ብቓና እምብልታ ኺድይቡ ኸለው፡ ከምኡውን ልብኹም ኪሕጐስ እዩ።
30
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ኽቡር ድምጹ ኼስምዕ እዩ፡ ንቕልጽሙ ኸኣ ብዂራ ቚጥዓን ብሃልሃልታ ዚባላዕ ሓውን ብሽሾን ሃጽፍን በእማን በረድን ኣውሪዱ ኼርኢ እዩ።
31
ኣሶር ብሸቦጥ ምስ ወቕዔ፡ ብድምጺ እግዚኣብሄር ኪሰባበር እዩ እሞ፡
32
ኲሉ መውቃዕቲ እታ እግዚኣብሄር ዜውርደሉ ምድብቲ ስላዕ ከኣ ብኸበሮን መሰንቆን ኪኸውን እዩ፡ ንሱ ኸኣ መመሊሱ ኢዱ እናልዐለ ኺዋግኦም እዩ።
33
ቶፌት ካብ ቀደም ተዳልያ ኣላ፡ እወ፡ ንንጉስ እኳ ደኣ እያ እተዳለወት፡ ኣዕመቛን ኣርሐባን፡ ኣብኣ ኸኣ ሓውን ብዙሕ ዕጨይትን ተዀሚሩ ኣሎ፡ ትንፋስ እግዚኣብሄር ከም ውሒዝ ዲን በግ የብላ ኣሎ።
← Chapter 29
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 51
Chapter 52
Chapter 53
Chapter 54
Chapter 55
Chapter 56
Chapter 57
Chapter 58
Chapter 59
Chapter 60
Chapter 61
Chapter 62
Chapter 63
Chapter 64
Chapter 65
Chapter 66
Chapter 31 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50
51
52
53
54
55
56
57
58
59
60
61
62
63
64
65
66