bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 44
Isaiah 44
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 43
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 51
Chapter 52
Chapter 53
Chapter 54
Chapter 55
Chapter 56
Chapter 57
Chapter 58
Chapter 59
Chapter 60
Chapter 61
Chapter 62
Chapter 63
Chapter 64
Chapter 65
Chapter 66
Chapter 45 →
1
ደጊም ኣታ ያእቆብ ባርያይ፡ ኣታ እስራኤል ከኣ ሕሩየይ፡ ስማዕ፡
2
እቲ ዝሰርሓካን፡ ካብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነካን፡ ዚድግፈካን እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኣታ ያእቆብ ባርያይ፡ ንስኻውን ይሹሩን ሕሩየይ፡ ኣይትፍራህ።
3
ማይ ኣብቲ ጽሙእ፡ ወሓይዝ ከኣ ኣብቲ ንቑጽ ከፍስስ እየ፡ መንፈሰይ ኣብ ዘርእኻ፡ በረኸተይ ከኣ ኣብ ሓድግኻ ኸፍስሶ እየ እሞ፡
4
ከም ዕቦል ኣብ ጥቓ ወሓዚ ርባ፡ ኣብ ማእከል ሳዕሪ ኺበቚሉ እዮም።
5
እቲ ሓደ፡ ናይ እግዚኣብሄር እየ፡ ኪብል እዩ፡ እቲ ሓደ ኻልእ ብስም ያእቆብ ኪስመ እዩ፡ እቲ ሓደ ድማ፡ ናይ እግዚኣብሄር፡ ኢሉ ኣብ ኢዱ ኽጽሕፍ እዩ፡ ንስም እስራኤል ድማ መጸውዒ ኽብረት ኪገብሮ እዩ።
6
እግዚኣብሄር፡ ንጉስ እስራኤልን ተበጃዊኡን፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፡ ቀዳማይን ዳሕራይን ኣነ እየ፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን።
7
ካብቲ ኣነ ነቲ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ዝሰረትኩሉ ጊዜ ጀሚሩ፡ ከማይ ዚጽውዕ መን እዩ እስከ ይዛረብ እሞ ይንገረኒ። ነቲ ዚመጽእን ዚኸውንን ይንገሩ።
8
ኣይትፍርሁን ኣይትሰምብዱን፡ ቀደምዶ ኣየስማዕኩኻን ኣይነገርኩኻንዶኸ ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም፡ ብጀካይዶ ኣምላኽ ኣሎ እዩ ካልእ ከውሒ የልቦን፡ ገለ እኳ ኣይፈልጥን።
9
እቶም ጣኦታት ዚሰርሑ ዂሎም ከንቱ እዮም፡ እቶም ፍትዋቶም ከኣ ገለ እኳ ኣይጠቕሙን። እቶም ምስክሮም ድማ ኣይርእዩን ኣየስተውዕሉን፡ ስለዚ ኺንውሩ እዮም።
10
ገለ እኳ ዘይጠቕሞስ ኣምላኽ ዝሰርሔ፡ ምስሊውን ብፍሲ ዝገበረ መን እዩ
11
እንሆ፡ ኲሎም መተዓይይቱ ኺንውሩ እዮም፡ እቶም ሰራሕቲ ኸኣ ሰብ እዮም። ኲሎም ይተኣከቡን ይቕረቡን፡ ኪስምብዱን ሐቢሮም ከኣ ኪንውሩን እዮም።
12
ስራሕ ሓጺን ምሳር ይስርሕ፡ ኣብ ጓህሪ ይገብሮ፡ ብሞደሻ ይቕጥቕጦ፡ ብሓይሊ ቕልጽሙ ይዐዮ፡ ይጠሚ እሞ ይደክም፡ ማይ ኣይሰትን እሞ ይሕለል።
13
ጸራቢ ገመድ ይግትር፡ ብመንደፊ ይነድፎ፡ ብመንደል ይነድሎ፡ ብመመዓራረዪ ይሕንጽጾ። ኣብ ቤት ኪነብር እዩ እሞ፡ ከም መልክዕ ሰብ፡ ከም ውቁብ ሰብ ገይሩ ይሰርሖ።
14
ኦም ሊባኖስ ይቘርጽ፡ ኣውሕን ኣልጌንን የምጽእ፡ ካብ ኣእዋም ዱር ከኣ ይሐሪ፡ ጽሕዲ ይተክል፡ ዝናም ድማ የብቊሎ።
15
እዚ ኸኣ ንሰብ ንምንዳድ ይጠቕሞ፡ ካብኡ ወሲዱ ይስሕነሉ፡ ኣንዲዱ ኸኣ እንጌራ ይስንክት፡ ምስናይ እዚውን ካብኡ ኣምላኽ ይገብር እሞ የምልኾ፡ ምስሊ ይጸርብ እሞ ይሰግደሉ።
16
እምበኣርሲ ፈረቓኡ ኣብ ሓዊ የንድዶ፡ በቲ ፈረቓኡ ኸኣ ስጋ የብስለሉ፡ ጥብሲ ጠቢሱ ድማ ይጸግበሉ፡ ይመውቚ እሞ፡ ኣሰይ እመውቚ፡ ሓዊ ኸኣ እርኢ ኣሎኹ፡ ይብል።
17
ነቲ ዝተረፈ ድማ ምስሊ ቐሪጹ ይገብሮ፡ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ኣድሕነኒ፡ እናበለ ኣብ ቅድሚኡ ተደፊኡ ይሰግድን ይጽልን።
18
እዚኣቶምሲ፡ ከይርርእዩ ኣዒንቶም፡ ከየስተውዕሉ ድማ ልቦም ተደፊኑ እዩ እሞ፡ ገለ እኳ ኣይፈልጡን፡ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዕሉን እዮም።
19
ፍርቁ ኣብ ሓዊ ኣንዲደ፡ ንጓህሩ ድማ እንጌራ ሰንኪተ፡ ስጋ ኸኣ ጠቢሰ በላዕኩ፡ ነቲ ተረፉዶ ፍንፋን ክገብሮ ንቚራጽ ዕጨይቲዶኸ ኽሰግደሉ እየ ኪብልሲ ኣብ ልቡ ዚምለስ፡ ፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎ ሓደ እኳ የልቦን።
20
ንሱ ሓመዂስቲ ይምገብ፡ ነፍሱ ኸየናግፍ፡ እዚ ኣብ የማነይቲ ኢደይ ዘሎ ሓሶትዶ ኣይኰነን ከኣ ከይብልሲ፡ እተጠበረ ልቢ ኣጋገዮ።
21
ኣታ ያእቆብ፡ ኣታ እስራኤልውን፡ ባርያይ ኢኻ እሞ እዚ ዘክር፡ ኣነ ደኰንኩኻ፡ ባርያይ ኢኻ፡ ዎ እስራኤል፡ ብኣይሲ ኣይክትርሳዕን ኢኻ።
22
ንገበንካ ኸም ደበና፡ ንሓጢኣትካውን ከም ገመ ኣጥፊኤዮ እየ። ኣነ እየ ዝብጀወካ እሞ፡ ናባይ ተመለስ።
23
እግዚኣብሄር እዩ ዝገበሮ እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ እልል በሉ። እግዚኣብሄር ንያእቆብ ተበጅይዎ፡ ክብሩ ኸኣ ኣብ እስራኤል ገሊጹ እዩ እሞ፡ ኣቱም መዓሙቚ ምድሪ፡ ብታሕጓስ ጨድሩ፡ ኣቱም ኣኽራን፡ ኣታ ዱር ምስ ኲሉ ኣእዋምካ፡ ዓው ኢልኩም ዘምሩ።
24
እቲ ኻብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ተበጃዊኻ፡ ከምዚ ይብል፡ እቲ ዂሉ ዚገብር እግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ንሰማያት በይነይ ዝዝርግሖ፡ ብዘይ ደገፍ ከኣ ንምድሪ ዝኻስሶ፡
25
ንትእምርቲ ሓሰውቲ ኸንቱ ዝገብሮ፡ ንጠንቈልቲ ዓያሱ ዝገብሮም፡ ንጥበበኛታት ድሕሪት ዝመልሶም፡ ንፍልጠቶም ከኣ ናብ ዕሽነት ዝልውጦ፡
26
ንቓል ባርያኡ ዜጽንዖ፡ንምኽሪ ልኡኻቱ ዚፍጽሞ፡ ብዛዕባ የሩሳሌም፡ ኪነብርዋ፡ ብዛዕባ ኸተማታት ይሁዳ ኸኣ፡ ኪህነጻ፡ ኣነውን ንዖናታተን ከተንስኦ እየ፡ ዚብል፡
27
ንመዓሙቚ ባሕሪ፡ ንጻፍ፡ ንርባታትካውን፡ ኣነ ኸንጽፎም እየ፡ ዚብል፡
28
ብዛዕባ ቂሮስ፡ ንሱ ጓሳይ እዩ፡ ንፍቓደይ ዘበለ ዂሉውን ኪፍጽሞ እዩ፡ ብዛዕባ የሩሳሌም ድማ፡ ክትህነጽ፡ ብናይ ቤተ መቕደስውን፡ ክትስረት እያ፡ ዚብል ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
← Chapter 43
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 51
Chapter 52
Chapter 53
Chapter 54
Chapter 55
Chapter 56
Chapter 57
Chapter 58
Chapter 59
Chapter 60
Chapter 61
Chapter 62
Chapter 63
Chapter 64
Chapter 65
Chapter 66
Chapter 45 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50
51
52
53
54
55
56
57
58
59
60
61
62
63
64
65
66