bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 23
Isaiah 23
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 22
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 51
Chapter 52
Chapter 53
Chapter 54
Chapter 55
Chapter 56
Chapter 57
Chapter 58
Chapter 59
Chapter 60
Chapter 61
Chapter 62
Chapter 63
Chapter 64
Chapter 65
Chapter 66
Chapter 24 →
1
ጾር ብዛዕባ ጢሮስ። ዖንያ እያ፡ ቤት የልቦን፡ ምእታው የልቦን እሞ፡ ኣትን መራኽብ ተርሲስ፡ ዋይዋይ በላ። ካብ ምድሪ ኪቲም ተገልጸሎም።
2
ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፡ ስቕ በሉ፡ እቶም ብባሕሪ ዚሳገሩ ነጋዶ ሲዶን መልኡኺ።
3
እኽሊ ሲሆርን ቀውዒ ኒልን፡ ብብዙሕ ማያት ሰጊሩ እቶታ ነበረ፡ ንሳውን ዕዳጋ ኣህዛብ ነበረት።
4
ባሕሪ፡ እቲ ናይ ባሕሪ ዕርዲ፡ ቅልውላው ኣይሐዘንን ኣይወለድኩን ከኣ፡ ኣጒባዝ ኣየዕቤኹን፡ ደናግል ድማ ኣየዕቤኹን፡ ኢሉ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ኣቲ ሲዶን፡ ሕፈሪ።
5
እዚ ወረ እዚ ናብ ግብጺ ምስ ዚበጽሕ፡ በቲ ወረ ጢሮስ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም።
6
ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፡ ናብ ተርሲስ ተሳገሩ እሞ ዋይዋይ በሉ።
7
እታ ኻብ ጥንቲ ዝጀመረት፡ ኣእጋራውን ናብ ርሑቕ ሃገር፡ ኣብኡ ኽትነብር ዝወስዳ ሕጒስቲ ኸተማኹምሲ እዚኣ ድያ
8
ነታ ዘውድታት እትዕድል ዝነበረት፡ መሳፍንቲ ዝነጋዶኣ፡ ምርኡያት ምድሪ ዝሸቃጦኣ ጢሮስሲ፡ መን እዩ እዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ልዕሌኣ ዝመኸረላ
9
ንትዕቢት ክብሪ ዘበለ ኼሕስር፡ ንዂሎም ምርኡያት ምድሪ ምእንቲ ኼዋርድ ኢሉ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ ዝመኸሮ።
10
ኣቲ ጓል ተርሲስ፡ ከም ኒል ኴንኪ ኣብ ሃገርኪ ኣሳፍሒ፡ ደጊምሲ ማዕጥቖ የብልክን።
11
ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርጊሑ፡ ንመንግስትታት ራዕራዕ ኣበሎም፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኸነኣን ዕርድታታ ኺፈርስ አዘዘ።
12
በለ ድማ፡ ኣቲ እተዐመጽኪ ድንግል ጓል ሲዶን፡ ደጊምሲ ኣይክትሕጐስን ኢኺ፡ ተለዐሊ እሞ ናብ ኪቲም ተሳገሪ፡ ኣብኡውን ህድኣትስ ኣይክትረኽብን ኢኺ።
13
እንሆ፡ ሃገር ከለዳውያን፡ ቀደም ህዝቢ ዘይነበረስ፡ ኣሶር ንኣራዊት በረኻ መደቦ፡ ዚኸቡሉ ግምቦም ይሰርሑ፡ ኣዳራሻታ የፍርሱ፡ ዖናውን ይገብርዎ።
14
ኣትን መራኽብ ተርሲስ፡ ዕርድኽን ፈሪሱ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በላ።
15
በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ጢሮስ፡ ከም መዓልትታት ሓድ ንጉስ፡ ንሰብዓ ዓመት ክትርሳዕ እያ። ኣብ መወዳእታ ሰብዓ ዓመት ግና ንጢሮስ ከምቲ ደርፊ ኣመንዝራ ዚብሎ ኪዀና እዩ፡
16
ኣቲ ርስዕቲ ኣመንዝራ፡ መሰንቆኺ ኣልዕሊ፡ ኣብ ከተማ ዙሪ፡ ኣጸቢቕኪ መሰንቆ ኣቓንዪ፡ ምእንቲ ኽትዝከሪ ድማ፡ ብዙሕ ደርፊ ድረፊ።
17
ኣብ መወዳእታ ሰብዓ ዓመት ከኣ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጢሮስ ኪቐጽዓ እዩ፡ ንሳ ኸኣ ናብ ዓስቢ ምንዝርናኣ ኽትምለስ፡ ምስ ኲሎም ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ዘለው መንግስትታት ዓለም ድማ ክትምንዝር እያ።
18
ግናኸ ረብሓኣን እቲ ዓስቢ ምንዝርናኣን ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ኪኸውን እዩ፡ ረብሓኣ በሊዖም ምእንቲ ኺጸግቡ፡ ብሉጽ ክዳንውን ኪኽደኑስ፡ ነቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዚነብሩ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ኣይኪዕቈርን ኣይኪንበርን እዩ።
← Chapter 22
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 51
Chapter 52
Chapter 53
Chapter 54
Chapter 55
Chapter 56
Chapter 57
Chapter 58
Chapter 59
Chapter 60
Chapter 61
Chapter 62
Chapter 63
Chapter 64
Chapter 65
Chapter 66
Chapter 24 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50
51
52
53
54
55
56
57
58
59
60
61
62
63
64
65
66