bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 5
Isaiah 5
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 4
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 51
Chapter 52
Chapter 53
Chapter 54
Chapter 55
Chapter 56
Chapter 57
Chapter 58
Chapter 59
Chapter 60
Chapter 61
Chapter 62
Chapter 63
Chapter 64
Chapter 65
Chapter 66
Chapter 6 →
1
ቅነ ፍቁረይ ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኒ ንፍትወይ እቕነየሉ ኣሎኹ። ፍቁረይ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ፍርያም ኲርባ ነበሮ።
2
ኰዐቶ ኣእማኑ ኸኣ ኣርዩ ኣውጽኤ እሞ፡ ሕሩይ ተኽሊ ወይኒ ተኸለሉ፡ ኣብ ማእከሉ ድማ ግምቢ ሰርሓሉ፡ መሓምተሊ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ገበረሉ። ዘቢብ ኬፍሪውን ተጸበየ፡ ግናኸ መጺጽ ፍረ ኣፍረየ።
3
ኣቱም ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን ኣቱም ሰብ ይሁዳን፡ እስኪ ሕጂ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይነይን ፍረዱ።
4
ነታኽልቲ ወይነይሲ ሓለፋ እቲ ኣነ ዝገበርኩሉ እንታይ ኰን ምተገብረሉ ነይሩ ዘቢብ የፍሪ እዩ ኢለ እናተጸቤኽዎስ፡ ስለምንታይ እዩ መጺጽ ፍረ ዘፍረየ
5
እምበኣርከ ነቲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይነይ ዝገብሮ ኤፍልጠኩም፡ ንሓጹሩ ክቕንጥጦ እየ፡ መጓሰዪ ኸኣ ኪኸውን እዩ፡ ንመካበብያኡ ኸፍርሶ እየ፡ ኪርገጽውን እዩ።
6
ከባድሞ እየ፡ ኣይኪጽልጽልን ኣይኪዂስኰስን ድማ እዩ፡ እሾዂን ተዀርባን ከኣ ኪበቚሎ እዩ፡ ንደበናታት ድማ ዝናም ከየዝንሙሉ ኽእዝዞም እየ።
7
እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናይ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ቤት እስራኤል እዩ፡ እቲ ተኽሊ ደስታኡ ኸኣ ሰብ ይሁዳ እዮም፡ ፍትሒ ተጸብዩስ፡ እንሆ፡ ምኽዓው ደም፡ ጽድቂ ተጸብዩስ፡ እንሆ፡ ኣውያት ረኸበ።
8
ንስኻትኩም በይንኹም ኣብ ማእከል ሃገር ክትነብሩስ፡ እቶም ስፍራ ኽሳዕ ዚሰኣን፡ ቤት ኣብ ቤት ዚድርቡ፡ ግራት ከኣ ናብ ግራት ዜቕርቡ ወይለኦም።
9
እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብ ዓሰርተ ጽምዲ ዜውዕል ኣታኽልቲ ወይንስ ሓደ ባት፡ ሓደ ሆመር ዘርኢ ኸኣ ሓደ ኤፋ ጥራይ ኪእቶ እዩ እሞ፡ ብሓደ እቲ ብዙሕ ኣባይቲ ኺዖኑ እዩ፡ እቲ ዓበይቲ ጽቡቕን እኳ ዚነብሮ ዜብሉ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ ኣብ እዝነይ ተዛረበ።
10
እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብ ዓሰርተ ጽምዲ ዜውዕል ኣታኽልቲ ወይንስ ሓደ ባት፡ ሓደ ሆመር ዘርኢ ኸኣ ሓደ ኤፋ ጥራይ ኪእቶ እዩ እሞ፡ ብሓደ እቲ ብዙሕ ኣባይቲ ኺዖኑ እዩ፡ እቲ ዓበይቲ ጽቡቕን እኳ ዚነብሮ ዜብሉ ኪኸውን እዩ፡ ኢሉ ኣብ እዝነይ ተዛረበ።
11
እቶም ንብርቱዕ መስተ ኺስዕቡ ወጋሕታ ኣንጊሆም ዚትንስኡ፡ ወይኒ ኽሳዕ ዜርስኖም ድማ ኣዝዮም ዜምስዩስ ወይለኦም።
12
መሰንቆን ጭራን ከበሮን እምብልታን ወይንን ኣብ ድግሶም ኣሎ፡ ንተግባር እግዚኣብሄር ግና ኣየስተብህልዎን፡ ነቲ ግብሪ ኣእዳው ኸኣ ኣይርእይዎን።
13
ስለዚውን ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ተማረኹ፡ ክቡራቶም ብጥሜት ይሞቱ፡ ሰቦም ድማ ብጽምኢ ይነቕጹ ኣለው።
14
ስለዚ ሲኦል ንትምኒታ ኣርሒባ፡ ኣፋውን ብዘይ ልክዕ ሃህ ኣቢላ ኣላ፡ ክብረቶምን ብዝሒ ሰቦምን ጌጾምን እቲ ኣብኡ ባህ ዚብሎን ናብኣ ይወርድ ኣሎ።
15
እቲ ማንም ሰብ ለጠቕ ኪብል፡ እቲ ምርኡይ ከኣ ኪዋረድ እዩ፡ ኣዒንቲ ዂሩዓት ድማ ኪዋረዳ እየን።
16
እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ግና ብፍርዲ ልዕል ይብል፡ እቲ ቅዱስ ኣምላኽ ድማ ብጽድቂ ይቕደስ።
17
ሽዑ ዕያውቲ ኸም ኣብ መጓሰይኦም ኪጓሰዩ እዮም፡ ነቲ ዝባደመ ቦታ ሃብታማት ከኣ ጓኖት ኪበልዕዎ እዮም።
18
እቶም ንኣበሳ ብገመድ ሓሶት፡ ንሓጢኣት ከኣ ከም ብመታምር ሰረገላ ዚስሕብዎ ወይለኦም።
19
እቶም፡ ክንርእዮስ ይቐልጥፍ፡ ዕዮኡ ኸኣ ፈጢኑ ይግበር፡ ምእንቲ ኽንፈልጦ ድማ፡ ምኽሪ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ትቕረብ ትምጻእውን፡ ዚብሉ ወይለኦም።
20
እቶም ነቲ እከይሲ ሰናይ፡ ንሰናይ ከኣ እከይ ዚብሉ፡ ንጸልማትሲ ብርሃን፡ ንብርሃን ድማ ጸልማት ዚገብርዎ፡ ንመሪርሲ ጥዑም፡ ንጥዑምውን መሪር ዚገብርዎ ወይለኦም።
21
እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ጠቢባን፡ ብርእሶም ከኣ ኣስተውዓልቲ ዝዀኑ ወይለኦም።
22
እቶም ንምስታይ ወይኒ ዚሕይሉ፡ ዜስክር መስተ ንምሕዋስ ከኣ ዚብርትዑ ሰብ ወይለኦም።
23
መማለጃ ተቐቢሎም ንረሲእ ዜጽድቕዎ፡ ንጻድቕ ድማ ጽድቁ ዜግድፍዎ ወይለኦም።
24
ንሕጊ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንዒቖምዎ፡ ንቓል እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተሐሲሞምዎ እዮም እሞ፡ ስለዚ ኸምቲ ልሳን ሓዊ ንብርዒ ዜንድዶ፡ ንቑጽ ሳዕሪ ኸኣ ብሃልሃልታ ሞዂ ዚብል፡ ሱሮም ከም ብዂብዂ ኪኸውን፡ ዕምባባኦም ከኣ ከም ዕሻሽ ኪተጒጒ እዩ።
25
ስለዚ ቊጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቡ ነደደ፡ ኢዱ ኸኣ ኣባታቶም ዘርግሔ እሞ ወቕዖም፡ ኣኽራን ኣንቀጥቀጡ፡ ሬሳኦም ድማ ከም ጐሓፍ፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ ኰነ። ምስናይዚ ዂሉ ድማ ቊጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
26
ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለው ኣህዛብ ድማ ሰንደቕ ዕላማ ኼልዕለሎም፡ ካብ ጽንፊ ምድሪ ኸኣ ብፋዳ ኺጽውዖም እዩ፡ እንሆውን ብፍጥነት ቀልጢፎም ኪመጹ እዮም።
27
ድኹምን ስንከልከል ዚብልን ኣብ ማእከል የልቦን፡ ሓደ እኳ ኣይታኸስን ኣይድቅስን፡ ቅናት ሕቚኦም ኣይፍታሕን፡ ጥላም ሳእኖም ከኣ ኣይብተኽን።
28
ፍላጻታቶም በሊሕ፡ ኲሉ ቐስቶም ድማ ግቱር እዩ፡ ሸዀና ኣፍራሶም ከም ኣዝሒት እዩ፡ መንኰርኰር ሰረገላታቶም ከኣ ከም ህቦብላ እዩ።
29
ምጒዛሞም ነቲ ናይ ዋዕሮ ይመስል፡ ከም ሽደን ኣንበሳ ይጓዝሙ፡ የጒራዕርዑ፡ ግዳዮም ዐትዒቶም ኣብ ጽኑዕ ይወስድዎ፡ ዜናግፍውን የልቦን።
30
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ህማም ባሕሪ ኣብኦም ኪሀሙ እዮም፡ ኣብታ ሃገር እንተ ጠመትካ ኸኣ፡ እንሆ፡ ጸልማት ጸበባን፡ እቲ ብርሃንውን ኣብ ደበናታታ ይጽልምት።
← Chapter 4
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 51
Chapter 52
Chapter 53
Chapter 54
Chapter 55
Chapter 56
Chapter 57
Chapter 58
Chapter 59
Chapter 60
Chapter 61
Chapter 62
Chapter 63
Chapter 64
Chapter 65
Chapter 66
Chapter 6 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50
51
52
53
54
55
56
57
58
59
60
61
62
63
64
65
66