bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 11
Isaiah 11
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 10
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 51
Chapter 52
Chapter 53
Chapter 54
Chapter 55
Chapter 56
Chapter 57
Chapter 58
Chapter 59
Chapter 60
Chapter 61
Chapter 62
Chapter 63
Chapter 64
Chapter 65
Chapter 66
Chapter 12 →
1
ካብቲ ኽሩት ጒንዲ እሰይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ኺጭብጭብ እዩ፡ ሓደ ጨንፈርውን ካብ ሱሩ ፍረ ኺፈሪ እዩ።
2
ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር፡ መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡ መንፈስ ፍልጠት እግዚኣብሄርን ፍርሃቱን ኪዐርፍ እዩ።
3
ታሕጓሱ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር እዩ፡ ዓይኑ ኸም እትርእዮ ኣይኪፈርድን፡ እዝኑ ኸም እትሰምዖ ኸኣ ኣይኪብይንን እዩ።
4
ግናኸ ንድኻታት ብጽድቂ ኺዳኑ፡ ነቶም ዓቃላት ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኺብይን፡ ብበትሪ ኣፉ ንምድሪ ኺወቕዓ፡ ብመንፈስ ከናፍሩ ድማ ንረሲኣን ኪቐትሎም እዩ።
5
ጽድቂ ኸኣ ቅናት ሕቚኡ፡ እምንነትውን ማዕጥቖ ምሕኲልቱ ኪኸውን እዩ።
6
ተዂላ ምስ ዕየት ኪሰፍር፡ ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ኪድቅስ፡ ምራኽን ኲርኲር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሐቢሮም ኪውዕሉ፡ ንእሽቶ ወዲውን ኪጓስዮም እዩ።
7
ላምን ድብን ብሓደ ወፊረን ኪበልዓ፡ ወለልደን ከኣ ብሓደ በጥ ኪብሉ እዮም፡ ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ኪበልዕ እዩ።
8
ዚጠቡ ሕጻን ኣብ ጥቓ እንዳ ተመን ኪጻወት፡ እቲ ጡብ ሕዳግ ድማ ኢዱ ናብ ጒድጓድ ከይሲ ኺዝርግሕ እዩ።
9
ከምቲ ማያት ንመዓሙቚ ባሕሪ ዜጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ ኣብ ኲሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጒድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።
10
በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፡ ኣህዛብ ነቲ ንህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኪኸውን እተተኽለ ጠጥዒ ሱር እሰይ ኪደልዩ እዮም፡ ማሕደሪኡ ኸኣ ክቡር ኪኸውን እዩ።
11
በታ መዓልቲ እቲ ኪኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ኻብ ኣሶርን ካብ ግብጽን ካብ ጳጥሮስን ካብ ኢትዮጵያን ካብ ኤላምን ካብ ሲንኣርን ካብ ሃማትን ካብ ደሴታት ባሕርን ተሪፉ ዘሎ ትራፍ ህዝቡ ምእንቲ ኼጥርዮስ፡ ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ኢዱ ኺዝርግሕ እዩ።
12
ነህዛብ ከኣ ሰንደቕ ዕላማ ኺተኽለሎም፡ ነቶም ካብ እስራኤል እተሰጉ ድማ ኪእክቦም፡ ነቶም ካብ ይሁዳ ፋሕ ዝበሉውን ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኺኣኻኽቦም እዩ።
13
ቅንኢ ኤፍሬም ኪርሕቕ እዩ፡ ጸላእቲ ይሁዳ ኸኣ ኪጸንቱ እዮም። ኤፍሬም ንይሁዳ ኣይኪቐንኣሉን፡ ይሁዳ ድማ ንኤፍሬም ኣይከጨንቖን እዩ።
14
ኣብ መንኲብ ፍልስጥኤማውያን ንምዕራብ ኣቢሎም ኪነፍሩ፡ ብሓደ ዀይኖም ድማ ንደቂ ምብራቕ ኪዘምቱ፡ ኣብ ልዕሊ ኤዶምን ሞኣብን ኢዶም ኬውድቑ እዮም፡ ደቂ ዓሞን ከኣ ኪእዘዝዎም እዮም።
15
እግዚኣብሄር ድማ ንልሳን ባሕሪ ግብጺ ኼንቅጾ እዩ፡ ብብርቱዕ ንፋሱ ኸኣ ንኢዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ርባ ኼዋጣውጦ፡ ሾብዓተ ኽሳዕ ዚኸውን ድማ ነቲ ርባ ኺወቕዖ እዩ፡ ሳእኒ ኣእቲኻ ኸም ዚስገርውን ኪገብሮ እዩ።
16
ከምቲ ንእስራኤል በታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ዝዀነሎም፡ ከምኡውን ነቲ ኻብ ኣሶር ተሪፉ ዘሎ ትራፍ ህዝቢ ጽርግያ ኪኸውን እዩ።
← Chapter 10
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 51
Chapter 52
Chapter 53
Chapter 54
Chapter 55
Chapter 56
Chapter 57
Chapter 58
Chapter 59
Chapter 60
Chapter 61
Chapter 62
Chapter 63
Chapter 64
Chapter 65
Chapter 66
Chapter 12 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50
51
52
53
54
55
56
57
58
59
60
61
62
63
64
65
66