bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Isaiah 19
Isaiah 19
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 18
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 51
Chapter 52
Chapter 53
Chapter 54
Chapter 55
Chapter 56
Chapter 57
Chapter 58
Chapter 59
Chapter 60
Chapter 61
Chapter 62
Chapter 63
Chapter 64
Chapter 65
Chapter 66
Chapter 20 →
1
ጾር ብዛዕባ ግብጺ። እንሆ፡ እግዚኣብሄር ብቕልጡፍ ደበና ይወጽእ፡ ናብ ግብጺውን ይመጽእ፡ ጣኦታት ግብጺ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም፡ ልቢ ግብጺ ኸኣ ኣብ ውሽጣ ኺመክኽ እዩ።
2
ንግብጻውያን ኣብ ግብጻውያን ከተንስኦም እየ፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ሓው፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ፡ ከተማ ምስ ከተማ፡ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ኺዋጋእ እዩ።
3
መንፈስ ግብጺ ኣብ ውሽጡ ጥራዩ ኪኸውን እዩ፡ ንምኽሩ ድማ ከንቱ ኽገብሮ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ንጣኦታትን ነስማተኛታትን ንጠንቈልትን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ኪሐቱ እዮም።
4
ንግብጻውያን ናብ ኢድ ደረቕ ጐይታ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፡ ጨካን ንጉስ ድማ ኪገዝኦም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
5
ማያት ካብ ባሕሪ ኺጠፍእ፡ ርባውን ነጺፉ ኺነቕጽ እዩ።
6
ርባታት ኪጽይእ፡ መሳኑ ግብጺ ኺውሕድን ኪደርቕን እዩ፡ ሰልሰላን ጋሳን ኪጽምልው እዮም።
7
ሸኻታት ኒል፡ ገምገመ ገምገም ኒል ዘሎን፡ ኣብ ጥቓ ኒል ዚዝራእ ዘበለን ኪሀጒጒ፡ ኪጠፍእ ኣይኪርከብን ድማ እዩ።
8
ገፈፍቲ ዓሳ ኼስቈርቊሩ፡ እቶም ኣብ ኒል መቚለብ ዚድርብዩ ዂሎም ኪሐዝኑ፡ እቶም መርበብ ኣብ ልዕሊ ማያት ዚዝርግሑ ድማ ሕሊናኦም ኪዐርብ እዩ።
9
እቶም ዓየይቲ እተባዘተ ቓንጫ እንጣጢዕን እቶም ኣለምቲ ጻዕዳ ኽዳውንትን ኪሐፍሩ እዮም።
10
ኣዕኑዳ ኺስበሩ፡ እቶም ብዓስቢ ዚዐዩ ዂሎምውን ኪጒህዩ እዮም።
11
መሳፍንቲ ጾኣን ኣዝዮም ዐሸው፡ ምኽሪ እቶም ጥበበኛታት መኸርቲ ፈርኦንሲ ዕሽነት ኰነ። ከመይ ኢልኩም ደኣ ንፈርኦን፡ ኣነ ወዲ ጥበበኛታት፡ ወዲ እቶም ናይ ቀደም ነገስታት እየ፡ እትብልዎ
12
እቶም ጥበበኛታትካ ደኣ ኣበይ ኣለው እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብናይ ግብጺ ዝመደቦ እንታይ ከም ዝዀነ ይፍለጡ እሞ እስከ ይንገሩኻ።
13
መሳፍንቲ ጾኣን ዐሽዮም፡ መሳፍንቲ ኖፍ ተጠቢሮም፡ ንግብጺ እቶም እምኒ መኣዝን ዓሌታታ ኣጋገይዋ።
14
እግዚኣብሄር መንፈስ ዝርግርግ ኲዕዩላ፡ ስኹር ኣብ ትፋኡ ሰንከልከል ከም ዚብል፡ ንግብጺ ኣብ ኲሉ ተግባራ ኣጋገይዋ።
15
ዝዀነ ዕዮ፡ ርእሲ ወይስ ጭራ፡ ስየ ወይስ ሰቲ ዚገብሮ፡ ንግብጺ ኣይኪጠቕማን እዩ።
16
በታ መዓልቲ እቲኣ ግብጺ ኸም ኣንስቲ ኽትከውን እያ፡ ብምውጥዋጥ እታ እተወጣውጠላ ኢድ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ራዕራዕ ክትብልን ክትስምብድን እየ።
17
ሃገር ይሁዳ ኸኣ ንግብጺ መሰክሒ ኽትኰና እያ። ነፍሲ ወከፍ ንእኣ ዘዘክርዎ ኸኣ ብምኽንያት እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ልዕሊኣ መዲብዎ ዘሎ ምኽሪ ኺሽበር እዩ።
18
በታ መዓልቲ እቲኣ ቛንቋ ኸንኣን ዚዛረባ፡ ብእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ዚምሕላ ሓሙሽተ ኸተማ ኣብ ሃገር ግብጺ ኺርከባ እየን፡ ሓንቲኤን ኢርሄሬስ ክትበሃል እያ።
19
በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማእከል ሃገር ግብጺ መሰውኢ ንእግዚኣብሄር፡ ኣብ ወሰና ኸኣ ዓንዲ ንእግዚኣብሄር ኪትከል እዩ።
20
እዚ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ግብጺ ምልክትን ምስክርን ኪኸውን እዩ። ብምኽንያት እቶም ጨቈንቶም ናብ እግዚኣብሄር ኪጠርዑ እዮም እሞ፡ ንሱውን መድሓንን ተኻላኻልን ኪሰደሎምን ኬናግፎምን እዩ።
21
እግዚኣብሄር ርእሱ ንግብጺ ኺገልጸላ እዩ፡ ግብጻውያን ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ኪፈልጥዎ እዮም፡ ብመስዋእቲ ሕሩድን ብመስዋእቲ ብልዕን ኬገልግልዎ፡ ንእግዚኣብሄር ብመብጽዓ ኺማባጽዑሉ ኺፍጽምዎ ኸኣ እዮም።
22
እግዚኣብሄር ንግብጺ ኺወቕዓ፡ ኪወቕዓ እምኦ ኪፍውሳ እዩ። ንሳቶም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ኪምለሱ እዮም፡ ንሱ ኺልመነሎምን ኪፍውሶምን እዩ።
23
በታ መዓልቲ እቲኣ ጽርግያ ካብ ግብጺ ናብ ኣሶር ክትከውን እያ፡ ኣሶራውያን ናብ ግብጺ፡ ግብጻውያን ከኣ ናብ ኣሶር ኪመጹ እዮም። ግብጻውያን ድማ ምስ ኣሶራውያን ኬምልኹ እዮም።
24
በታ መዓልቲ እቲኣ እስራኤል ንግብጺን ንኣሶርን ሳልሳዮም፡ ኣብ ማእከል ምድሪ ድማ በረኸት ኪኸውን እዩ።
25
እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ፡ ግብጺ ህዝበይን ኣሶር ግብሪ ኢደይን እስራኤል ርስተይን ብሩኻት ኩኑ፡ ኢሉ ኺባርኾም እዩ።
← Chapter 18
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 51
Chapter 52
Chapter 53
Chapter 54
Chapter 55
Chapter 56
Chapter 57
Chapter 58
Chapter 59
Chapter 60
Chapter 61
Chapter 62
Chapter 63
Chapter 64
Chapter 65
Chapter 66
Chapter 20 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50
51
52
53
54
55
56
57
58
59
60
61
62
63
64
65
66