bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Job 1
Job 1
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 2 →
1
ኣብ ምድሪ ዑፅ ኢዮብ ዝበሃል ሰብ ነበረ። ንሱ ፍፁምን ቅኑዕን ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕን፥ ክፉእ ካብ ምግባር ዝረሓቐን ሰብ ነበረ።
2
ንሱ ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣጓላትን ተወሊዶሙሉ ነበሩ።
3
ጥሪቱ ድማ ሸውዓተ ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሰለስተ ሽሕ ኣግማል፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ፅምዲ ኣብዑር፥ ሓሙሽተ ሚእቲ ወላዳት ኣእዱግ ነበረ፤ ብዙሓት ግዙኣትውን ነበርዎ። እዝ ሰብ እዙይ ካብ ኵሎም ሰብ ምብራቕ ዝበለፀ ዓብዪ ነበረ።
4
እቶም ኣወዳት ደቁ ድማ፥ በብተራኣቶም እናተዓዳደሙ፥ ኣብ ገገዛኦም ይመስሑ ነበሩ። ነተን ሰለስተ ኣሓቶም ከዓ፥ ምእንቲ ምስኣቶም ክበልዓን ክሰትያን፥ ይፅውዕወን ነበሩ።
5
እተን ንምሳሕ ዝእከቡለን መዓልቲታት ምስ ሓለፋ ኸዓ፥ ኢዮብ ምናልባት ደቀይ በዲሎም ንእግዚኣብሄርውን ብልቦም ፀሪፎም ይኾኑ እናበለ ፀዊዑ ይቕድሶም ነበረ፤ ኣንጊሁ ተሲኡ ብቝፅሪ ነፍሲ ወከፎም ዝቃፀል መስዋእቲ የቕርብ ነበረ፤ ኵሉ ጊዜውን ከምዙይ ይገብር ነበረ።
6
ሓደ መዓልቲ ደቂ እግዚኣብሄር መፂኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቆሙ። ሰይጣን ድማ ኣብ ማእኸሎም መፀ።
7
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን “ካበይ መፂእኻ?” በሎ። ሰይጣን ድማ “ንምድሪ ኽዞራን ክመላለሰላን ፀኒሐ መፃእኹ” ኢሉ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ።
8
እግዚኣብሄር ከዓ ንሰይጣን “ንባርያይ ኢዮብስ ኣስተብሂልካዮዶ? ኸም ኢዮብ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዘምልኽን ክፉእ ካብ ምግባር ዝረሓቐን ፍፁምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የለን” በሎ።
9
ሰይጣን ከዓ ንእግዚኣብሄር “ኢዮብ፥ ንእግዚኣብሄር ዘምልኸካ ብኸምኡ ኣይኮነን።
10
ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ንዘሎ ዅሉን ሓለኻዮ፤ ንተግባር ኢዱውን ባረኽካዮ፤ ምድሪ ዝመልኣ ጥሪት ድማ ሃብካዮ።
11
እስኪ ኢድካ ዘርጊሕኻ ጥሪቱ ንኽኣዮ፤ ብሓቂ ኣብ ቅድሜኻ ኽፀርፈካ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
12
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን “ኣብ ልዕሊኡ ደኣ ኢድካ ኣይትዘርግሕ እምበር፥ ዘለዎ ዅሉ ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ” በሎ። ሰይጣን ከዓ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወፀ።
13
ሓደ መዓልቲ እቶም ኣወዳቱን ኣጓላቱን ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ወይኒ ይሰትዩን ነበሩ።
14
መልእኽተኛ ናብ ኢዮብ መፂኡ፥ “እቶም ኣብዑር ይሕረሱ፤ እተን ኣእዱግ ድማ ኣብ ጥቓኦም ይበልዓ ነበራ፤
15
ሽዑ ሰብ ሳባ መፂኦም ሓደጋ ኣውዲቖም ወሰድዎም፤ ነቶም ኣገልገልቲ ኸዓ ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም። ኣነ በይነይ ጥራሕ እየ ነዙይ ክነግረካ ዘምለጥኩ” በሎ።
16
ንሱ ገና ኽናገር እንተሎ፥ ካልእ መፂኡ “ናይ እግዚኣብሄር ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ፥ ነተን ጤለ በጊዕን ነቶም ኣገልገልትን ኣቃፀለቶምን በልዐቶምን። ኣነ በይነይ ጥራሕ እየ ነዙይ ክነግረካ ዘምለጥኩ” በሎ።
17
ንሱውን ገና ኽናገር እንተሎ፥ ካልእ መፂኡ፥ “ከለዳውያን ብሰለስተ ሰልፊ ኾይኖም፥ ኣብተን ኣግማል ሓደጋ ኣብፂሖም ዘመትወን፤ ነቶም ኣገልገልቲውን ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም። ኣነ በይነይ ጥራሕ እየ ነዙይ ክነግረካ ዘምለጥኩ” በሎ።
18
ንሱውን ክናገር እንተሎ፥ ካልእ መፂኡ “ኣወዳትካን ኣጓላትካን ኣብ እንዳ እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ይሰትዩን ነበሩ።
19
ሽዑ ብርቱዕ ኣውሎ ንፋስ ካብ በረኻ መፂኡ፥ ነታ ቤት በርባዕተ መኣዝና ወቕዓ፤ ናብ ርእሲ እቶም ደቂ ድማ ወደቐት፤ ንሳቶም ከዓ ሞቱ። ኣነ በይነይ ጥራሕ እየ ነዙይ ክነግረካ ዘምለጥኩ” በሎ።
20
ሽዑ ኢዮብ ተሲኡ ብሓዘን ክዳኑ ቐደደ፤ ርእሱውን ተላፀየ፤ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
21
ከምዙይ ድማ በለ፦ “ጥራሐይ እየ ኻብ ማህፀን ወላዲተይ ዝወፃእኹ፤ ጥራሐይ ከዓ ናብ መቓብር ክኣቱ እየ። እግዚኣብሄር ሃበ፤ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ፤ ስም እግዚኣብሄር ዝተባረኸ ይኹን” ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
22
ኢዮብ በዝ ዅሉ ዝበፅሖ ኣይበደለን፤ ንእግዚኣብሄርውን ኣይነቐፈን።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42