bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Job 36
Job 36
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 35
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 37 →
1
ኤሊሁ መሊሱ ኸምዙይ በለ፦
2
ኢዮብ፥ ገና ስለ እግዚኣብሄር ዝንገር ኣለኒ እሞ፥ ቁሩብ ተፀበየኒ፤ ኣነውን ከፍልጠካ እየ።
3
ንፍልጠተይ ካብ ርሑቕ ከምፅኦ እየ፤ ፈጣሪየይውን ፃድቕ እዩ እብል ኣለኹ።
4
ብሓቂ፥ ዘረባይ ሓሰት ኣይኮነን፤ ብፍልጠትውን ፍፁም ዝኾነ ምሳኻ ኣሎ።
5
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ሓያል እዩ፤ ንሓደ እኳ ኣይንዕቕን እዩ፤ ንሱ ብብርቱዕ ምስትውዓሉ ሓያል እዩ።
6
ንሱ ንህይወት ሓጥኣን ኣየድሕንን እዩ፤ ንዝተገፍዑ ግና ፍትሒ ይህብ።
7
ኣዒንቱ ኻብ ፃድቃን ኣየርሕቕን፤ ንዘለኣለምውን ምስ ነገስታት ኣብ ዙፋን የቐምጦም፤ ንሳቶምውን ልዕል ልዕል ይብሉ።
8
ግና ሰባት ብሰንሰለት እንተ ተኣስሩ፥ ብገመድ ሽግርውን እንተ ተትሓዙ፥
9
ንሱ ንተግባሮምን፥ ምትሕልላፎምን፥ ነቲ ብትዕቢት ዝገበርዎን የፍልጦም።
10
ተግሳፁ ንኽሰምዑ ኣእዛኖም ይኸፍተሎም፤ ካብ ሓጢኣቶም ክምለሱውን ይእዝዞም።
11
እንተ ሰሚዖምዎ እሞ እንተ ተገዝእዎ፥ መዓልትታቶም ብሰናይ፥ ዓመታቶም ድማ ብደስታ ይፍፅሙ።
12
እንተ ዘይሰምዑ ግና፥ ብሰይፊ ኽጠፍኡ፥ ብዘይ ፍልጠትውን ክሞቱ እዮም።
13
እቶም ግብዛት ግና ቝጥዓ የብዝሑ፤ እንተ ኣሰሮም እኳ ኣየእውዩን።
14
ነፍሶም ብሸዊታ ትቕሰፍ፤ ህይወቶም ከዓ ኣብ ማእኸል ርኹሳት ትጠፍእ።
15
ንሽጉራት ብሽግሮም ገይሩ የድሕኖም፤ በቲ ጭንቀቶምውን ንእዝኖም ይኸፍቶ።
16
ከምኡ ድማ ንኣኻ ኻብ ኣፍ መከራ ኸናግፈካ፥ ናብቲ ጭንቂ ዘይብሉ ገፊሕ ቦታ ኸውፅአካ፥ ስቡሕ ማእዲውን ከቕርበልካ እዩ።
17
ንስኻ ግና ብፍርዲ በደልቲ ዝተመላእኻ ኢኻ፤ ፍርድን ፍትሕን ሒዘናኻ እኔዋ።
18
ኵራ ናብ ፀርፊ ኸይደፋፍአካ ተጠንቀቕ፤ ብዝሒ ጉቦ ኸዓ ኣየጋጊኻ።
19
ሃብትኻን ኵሉ ምብርታዕ ሓይልኻን፥ ካብ ጭንቂ ኸውፅአካዶ ይኽእል እዩ?
20
ነታ ኣህዛብ ካብ ቦታኦም ዝውሰዱላ ለይቲ ኣይትመነያ።
21
ካብ መከራ ነዙይ መሪፅካ ኢኻሞ፥ ናብ ሓጢኣት ከይትምለስ ተጠንቀቕ።
22
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ብሓይሉ ልዕል ዝበለ ነገር ይገብር፤ ከምኡ ገይሩ ዝምህርከ መን ኣሎ?
23
ንኣምላኽ መንገዲ ዝሓበረሉ መን እዩ? “ሓጢኣት ጌርካ” ዝብሎኸ መን እዩ?
24
ነቲ ሰባት ዝወደስዎ ስራሑ፥ ንኽተኽብርውን ሕሰብ።
25
ኵሎም ሰባት እዮም ዝጥምትዎ፤ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣማዕድዩ ይሪኦ።
26
እንሆ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፤ ንሕናውን ኣይንፈልጦን፤ ቍፅሪ ዘመኑውን ኣይምርመርን።
27
ንነጠብጣብ ማይ ናብ ላዕሊ ይስሕቦ፤ ካብ ግመውን ዝናም የዝንም።
28
ደመናት የዝንሙ፤ ኣብ ልዕሊ ሰባትውን ብብዝሒ የንጠብጥቡ።
29
ንምዝርጋሕ ደመናን፥ ንነጐድጓድ መሕደሪኡን ዘስተውዕሎ መን እዩ?
30
ኣብ ዙርያኡ ብርሃኑ ይዝርግሕ፤ ንመዓሙቝ ባሕሪ እውን ይሽፍኖ።
31
በዝ ኸምዙይ ኣብ ኣህዛብ ይፈርድ፤ ምግቢ ድማ ኣበርኪቱ ይህቦም።
32
ነእዳዉ ብብርሃን ይስውረን፤ ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ኽድይብ ድማ ይእዝዞ።
33
ድምፂ ነጐድጓድ ምእንታኡ ይናገር፤ በዙይ ድማ እንስሳት መሸምቦባ ኸም ዝቐረበ ይፈልጡ።
← Chapter 35
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 37 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42