bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Job 3
Job 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 4 →
1
ድሕሪዙይ ኢዮብ ኣፉ ኸፊቱ፥ ነታ ዝተወለደላ መዓልቲ ረገማ።
2
ከምዙይ ድማ በለ፦
3
“እታ ኣነ ዝተወለድኩላ መዓልትን፥ እታ ወዲ ተጠኒሱላ እተብሃለትላ ለይትን ትጥፋእ።
4
እታ መዓልቲ እቲኣ ፀልማት ትኹን፤ እግዚኣብሄርውን ካብ ላዕሊ ኣይመልከታ፤ ብርሃን ድማ ኣብኣ ኣይብራህ።
5
ፀልማትን ድነ ሞትን ገንዘቦም ይግበርዋ፤ ደመናውን የጐልብባ፤ እቲ ንመዓልቲ ዘፀልምት ድማ የደንግፃ።
6
ነታ ለይቲ እቲኣ ፀልማት ይዓፍና፤ ምስተን ናይ ዓመት መዓልቲታት ኣይትተሓሰብ፤ ኣብ ቍፅሪ ኣዋርሕውን ኣይትእቶ።
7
እታ ለይቲ እቲኣ መኻን ትኹን፤ ዕልልታውን ኣይእተዋ።
8
እቶም ንመዓልቲ ዝረግሙ፥ ንሌዋታን ድማ ኸንቀሳቕሱ ዝኽእሉ ይርገምዋ።
9
ንሳ ነቲ ማዕፆ ማህፀን ወላዲተይ ስለ ዘይዓፀወቶ፥ ነቲ መከራ ድማ ኻብ ዓይነይ ስለ ዘይከወለቶ፥ ናይ ወጋሕታ ኸዋኽብታ ይፀልምቱ፤ ናይ ወጋሕታ ጩራ ኣይሃልዋ፤ ናይ ወጋሕታ ቕርንብ ዓይኒ ኸቶ ኣይትርአ።”
11
“ኣብ ማህፀን እኖይ እንተለኹ ስለ ምንታይ ዘይሞትኩ? ወይ ካብኡ ወፂአስ ስለ ምንታይ ሽዑ ንሽዑ ዘይጠፋእኹ?
12
ስለ ምንታይከ ኣብራኽ ተቐበሉኒ? ስለ ምንታይከ ጡብ ጠበኹ?
13
ሕዚ ደቂሰ ስቕ ምበልኩ ነይረ፤ ተታኺሰውን ምዓረፍኩ ነይረ።
14
ምስቶም ነገስታትን ገዛእቲ ምድርን፥ ምስቶም ዓንዩ ዘሎ ኣዳራሻት ዘህነፁን፥
15
ምስቶም ገዛውቶም ብብዙሕ ወርቂ ዝደለቡን፥ ኣባይቶምውን ብብሩር ዝመልኡ መሳፍንትን፥ መዕረፍኩ ነይረ።
16
ወይ ከም ዝተቐበረ ቝላዕ፥ ከምቲ ብርሃን ዘይረአየ ህፃን ምኾንኩ ነይረ!
17
ኣብኡስ እቶም ክፉኣት እኳ ቝጥዓኦም ሓዲጎም፤ እቶም ዝደኸሙውን ኣዕሪፎም ኣለዉ።
18
ኣብኡ እሱራት ብሓባር ኣዕሪፎም ኣለዉ፤ ድምፂ እቶም ዘጨንቕዎምውን ኣይሰምዑን።
19
ኣብኡስ ንእሽተይን ዓቢይን ሓደ እዮም፤ ባርያውን ካብ ጐይታኡ ሓራ ወፂኡ እዩ።”
20
“ብመከራ ንዘለዉ ብርሃን፥ ነፍሶም መራር ንዝኾነቶም፥
21
ዝተሓብአ ሃብቲ ኻብ ዝዅዕቱ ንላዕሊ፥ ንሞት ዝሕልዉዎሞ ንዘይረኽብዎ፥
22
ንመቓብር ምስ ረኸቡ ብዕልልታ ደስ ዝብሎም፥ ሓሴትውን ንዝገብሩ፥ ህይወት ንምንታይ ተውሃበ?
23
ነቲ መንገዱ ዝተሰወሮ፥ ነቲ እግዚኣብሄርውን ብሓፁር ዝሓፀሮ ሰብ ስለ ምንታይ እዩ ብርሃን ዝተውሃቦ?
24
ቅድሚ እንጀራይ ብኽያተይ መፂኡ እዩሞ፥ ገዓረይውን ከም ማይ ይፈስስ ኣሎ።
25
እቲ ዝፈራሕኽዎ ነገር መፂኡኒ፤ እቲ ዝደንገፅኵሉውን በፂሑኒ እዩ።
26
ሃዲአ ኣይተቐመጥኩን፤ ኣይተኣማመንኩን፤ ኣይዓረፍኩን ግና መከራ መፀኒ።”
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42