bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Job 6
Job 6
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 5
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 7 →
1
ሽዑ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2
“ወዮ፥ ትካዘይ እንተ ዝምዘን፥ ኵሉ መከራይውን ኣብ ሚዛን እንተ ዝምዘን!
3
ካብ ሑፃ ባሕሪ ምኸበደ ነይሩ፤ ስለዙይ ቃለይ ምግታእ እስእን ኣለኹ።
4
ናይ እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ፍላፃ፥ ኣብ ውሽጢ ስጋይ እዩ፤ ነፍሰይ ድማ መርዚ ትሰቲ ኣላ፤ ናይ እግዚኣብሄር ድንጋፀ ኣብ ልዕለይ ተሰሊፉ ኣሎ።”
5
“ንምዃኑ ኣድጊ በረኻዶ፥ ሳዕሪ እንተለዎ ይሃልል እዩ? ብዕራይከ፥ ሓሰር እንተለዎዶ እምባሕ ይብል እዩ?
6
መቐረት ዘይብሉ ብልዒ ብዘይ ጨውዶ ይብላዕ እዩ? ማይ እንቍላሊሕኸ ጣዕሚዶ ኣለዎ እዩ?
7
ሰብነተይ ክትነኽኦ እምቢ በለቶ፤ ከም ዘፀይፍ ብልዒ ኾነኒ።”
8
“ኣየ፥ ኣበይሞ ፀሎተይ እንተ ዝስማዕ! እግዚኣብሄር ዝምነዮ እንተ ዝህበኒ!
9
ኣበይሞ እግዚኣብሄር ፍቓዱ ኾይኑ እንተ ዝሰባብረኒ! ኢዱ ዘርጊሑ ኸዓ እንተ ዘጥፍአኒ!
10
ንቓል እቲ ቕዱስ ኣይከሓድኩዎን እሞ፥ ምተፀናናዕኹ ነይረ፤ ስቓይ እኳ እንተ በርትዐኒ ታሕጓስ ምገበርኩ ነይረ።
11
ክፅመምስ ሓይለይ እንታይ እዩ? ንኽዕገስከ መወዳእታይ እንታይ እዩ?
12
ሓይለይዶ ሓይሊ እምኒ እዩ? ስጋይከ ከም ነሃስ ድዩ?
13
ብሓቂ ረድኤት ኣባይ ከም ዘየለ፥ ኵሉ ጥበብውን ካባይ ከም ዝተባረረዶ ኣይኮነን?
14
እቲ ንብፃዩ ምሕረት ዘይገብረሉ፥ ንፍርሓት እቲ ዅሉ ዝኽእል ይሓድጎ።
15
ኣሕዋተይ ግና ኸምቲ ዝነፅፍ ሩባታትን፥ ከም ዝሓልፍ ውሕጅን ጠለምቲ ኾኑኒ።
16
እቶም ሩባታት ብዝሓቅቕ በረድ ይፅልሙ፤ ብዝሓቅቕ ኣስሓይታውን ይመልኡ።
17
ፀሓይ ምስ በርትዐት ይነቕፁ፤ ሃሩር ምስ በርትዐ፥ ካብ ስፍራኦም ይጠፍኡ።
18
ብወሰኖም ዝኸዱ ነጋዶ ድሕር ይብሉ፤ ናብ ምድረ በዳ ወፂኦም ከዓ ይጠፍኡ።
19
ናይ ቴማን ነጋዶ ናብኡ የማዕድዉ፤ ናይ ሳባ ሓለፍቲ መንገዲውን ንኡኡ ተስፋ ይገብሩ።
20
ብኣኣቶም ተስፋ ገይሮም ነይሮም እዮም እሞ፥ ሓፈሩ፤ ናብኡ ምስ በፅሑ ሕፍረት ሓዞም።
21
ሕዚ እውን ንስኻትኩም ከምኡ ፍረ ዘይብልኩም ኢኹም፤ መከራይ ርኢኹም ፈራሕኹም።
22
ብሓቂ ኣነዶ ‘ዝኾነ ነገር ኣምፅኡለይ፥ ወይ ካብ ሃብትኹም ውህብቶ’ ኣቕርቡለይ?
23
ወይ ‘ካብ ኢድ ፀላእየይ ኣናግፉኒ፤ ወይ ካብ ኢድ መጨነቒ ኣድሕኑኒዶ’ ኢለኩም እየ?”
24
“መሃሩኒ እሞ ኣነውን ስቕ ክብል እየ፤ እቲ ዝተጋጌኽዎ ድማ ኣፍልጡኒ።
25
ቃል ቅንዕና ኸመይ ሓያል እዩ፤ ምጕትኩም ግና እንታይ ይግስፅ?
26
ተስፋ ናይ ዝቘረፀ ሰብ ዘረባ ኸም ንፋስ እዩሞ፥ ንቓለይ ክትግስፁዶ ትሓስቡ ኣለኹም?
27
ኣብ ልዕሊ ደኽታም ዕፃ ትዋደቑ፤ ንፈተውትኹምውን ጕድጓድ ትዅዕቱ ኣለኹም።
28
በይዛኻትኩም ሕዚ እውን ናባይ ተመልከቱ፤ ኣብ ቅድሜኹም ሓሰት ኣይዛረብን እየ።
29
በይዛኻትኩም ተመለሱ ደኣ፥ በደል ኣይኹን፤ ፅድቀይ በዝ ነገር እዙይ እዩሞ ሓደ ጊዜ ተመለሱ።
30
ብሓቂ ኣብ ኣንደበተይዶ በደል ይርከብ? ኣፈይከ ተንዀል ክፈሊዶ ኣይኽእልን እዩ?”
← Chapter 5
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 7 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42