bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Job 9
Job 9
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 8
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 10 →
1
ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2
ከምኡ ምዃኑስ ብርግፅ እፈልጥ እየ፤ ግና ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ከመይ ኢሉ ፃድቕ ክኸውን ይኽእል?
3
ሰብ ምስ እግዚኣብሄር ክማጐት እንተ ደለየ፥ ካብ ሽሕ ነገር ንሓደ እኳ ኽመልስ ኣይምኸኣለን ነይሩ።
4
ንሱ ልቡ ጥበበኛ፥ ሓይሉውን ዓብዪ እዩ፤ ተቓዊምዎስ ዝሰለጦ መን እዩ?
5
ንሱ ንእምባታት እንተይፈለጡ ይነቕሎም፤ ብብርቱዕ ቝጥዓኡውን ይገለባብጦም።
6
ንሱ ንምድሪ ኻብ ቦታኣ የናውፃ፤ ኣዕምዳውን የንቀጥቅጡ።
7
ንሱ ንፀሓይ ይእዝዛሞ ኣይትበርቕን፤ ንኸዋኽብቲውን ይሓትሞም።
8
ንሱ በይኑ ንሰማያት ዘርግሖ፤ ኣብ ልዕሊ ማዕበል ባሕሪ ኸዓ ይኸይድ።
9
ድቢ ንዝበሃል ኮኸብን ኣርዮ ንዝበሃል ኮኸብን፥ ንሸውዓተ ከዋኽብትን ብወገን ደቡብ ንዘለዉ መሕደሪታት ከዋኽብቲ ዝፈጠረ ንሱ እዩ።
10
ንሱ ዘይምርመሩን ዓበይቲ ነገራትን ይገብር፤ ቍፅሪ ዘይብሉ ተኣምራትውን ይገብር።
11
እንሆ፥ ንሱ እንተ መፀኒ፥ ኣነ ኣይሪኦን፤ መሊሱ እንትሓልፈኒውን ኣየስተብህሎን?
12
እንሆ፥ ንሱ ቐልጢፉ እንተ መንጠለ መን ክኽልክሎ ይኽእል? “ንእኡኸ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ኽብሎ ዝኽእል መን እዩ?
13
እግዚኣብሄር ንቝጥዓኡ ኣይመልሶን እዩ፤ ኣብ ትሕቲኡ እቶም ንረዓብ ዝሕግዙ ኽዋረዱ እዮም።
14
እምበኣርከስ ክምልሰሉ፥ ቃለይውን ኣብ ቅድሚኡ ኽመርፅ ዝኽእል ኣነ መን እየ?
15
ፃድቕ እንተ ዝኸውን፥ ንፈራድየይ ምሕረት ደኣ ምለመንክዎ እምበር፥ ኣይምመለስኩሉን።
16
ፀዊዐዮ እንተ ዝምልሰለይ እኳ፥ ንድምፀይ ፅን ከም ዝበሎ ኣይምኣመንኩን።
17
ንሱ ብንፋስ ኣውሎ ወቕዐኒ፤ ብዘይ ምኽንያት ድማ ንቝስለይ የብዝሖ።
18
ንሱ ምረት ደኣ የፅግበኒ ኣሎ እምበር፥ ክትንፍስ ኣይሓደገንን።
19
ብሓይሊ እንተ ኾይኑ፥ ንሱ ሓያል እዩ፤ ብፍርዲ እንተ ኾይኑ ኸዓ ጊዜ ዝውስን መን እዩ?
20
ፃድቕ እንተ ዝኸውን እኳ ኣፈይ ይወቕሰኒ፤ ፍፁም እንተ ዝኸውንውን ዓማፂ ምገበረኒ ነይሩ።
21
ኣነ ፍፁም እየ፤ ግና ብዛዕባ ነፍሰይ ግዲ የብለይን፤ ንህይወተይውን እንዕቓ ኣለኹ።
22
እዝ ዅሉ ሓደ እዩ፤ ስለዙይ፦ “ንፍፁማንን ንሓጥኣንን ብሓደ የጥፍኦም እብል ኣለኹ።”
23
መቕሰፍቱ ቐልጢፉ እንተ ቐተለ፥ ንሱ ብፈተና እቶም ንፁሃት የላግፅ።
24
ምድሪ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ተውሂባ ኣላ፤ ገፅ እቶም ፈራዶ እውን ሸፈነ፤ ንሱ እንተ ዘይኮይኑ ደኣ መን እዩ?
25
መዋእለይ፥ ካብ ጐያዪ ሰብ ይቕልጥፋ፤ ፅቡቕ ነገር እንተይረአያ ድማ ይሃድማ ኣለዋ።
26
ንሳተን ከም ቅልጥፍቲ ጃልባ ሸምበቆ፥ ዝበልዖ ኽምንጥል ከም ዝውንጨፍ ንስሪ ይሓልፋ።
27
ኣነ “ሓዘነይ ረሲዐ፥ ገፀይ ኣብሪሀ፥ ክሕጐስ ደኣ” እንተ በልኩ፥
28
ንፁህ ከም ዘይትገብረኒ ኣነ እፈልጥ ኣለኹሞ፥ ካብ ኵሉ መከራይ እፈርሕ ኣለኹ።
29
እምበኣር ከም በደለኛ ዝቝፀር እንተ ደኣ ኾይነ፥ ስለ ምንታይ ደኣ ንኸንቱ ዝደክም?
30
ብማይ በረድ እንተ ዝሕፀብ፥ ኣእዳወይውን ኣፀቢቐ እንተ ዘፅሪ እኳ፥
31
ንስኻ ኣብ ውሽጢ ዓዘቕቲ ተስጥመኒ፤ ክዳውንተይ እኳ ይፅየፈኒ።
32
ንሱ ኸማይ ሰብ ስለ ዘይኮነ ኣይምልሰሉን፤ ክማጐቶውን ኣይክእልን እየ።
33
ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኽልቴና ዘንብር ዳኛ፥ ኣበይሞ ኣብ መንጎና ኸም ተረኽበ።
34
በትሩ ኻባይ የርሕቕ፤ ግርማኡውን ኣየፍርሐኒ፤
35
ክናገርውን ኣይምፈራሕኽዎን ነይረ፤ ኣነ ግና ብባዕለይ ኸምኡ ኣይኮንኩን።
← Chapter 8
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 10 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42