bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Genesis 20
Genesis 20
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 19
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 21 →
1
ኣብርሃም ካብኡ ተልዒሉ ንምድሪ ኔጌብ ኣቢሉ ተጕዓዘ። ኣብ መንጎ ቃዴስን ሱርን ተቐመጠ። ኣብ ጌራራውን ጋሻ ኾይኑ ቑሩብ ፀንሐ።
2
ኣብርሃም ንሰበይቱ ሳራ “ሓፍተይ እያ” ኢሉ ተዛረበ። ንጉስ ጌራራ ኣቢሜሌክ ከዓ ልኢኹ ንሳራ ወሰዳ።
3
እግዚኣብሄር ግና ንኣቢሜሌክ ለይቲ ብሕልሚ መፂኡ፤ “እዛ ወሲድካያ ዘለኻ፥ ሰበይቲ ሰብኣይ እያ እሞ፥ እንሆ ብሰንካ ኽትመውት ኢኻ” በሎ።
4
ኣቢሜሌክ ከዓ ኣይቀረባን ነበረ እሞ፥ “ጐይታይ! ንፃድቕ ህዝቢ እውንዶ ትቐትል ኢኻ?
5
ባዕሉዶ ኣይኮነን፥ ‘ንሳ ሓፍተይ እያ’ ዝበለኒ? ንሳኸ ባዕላዶ ኣይኮነትን ‘ንሱ ሓወይ እዩ’ ዝበለትኒ? ብንፁህ ልበይን ብፅሩይ ኢደይን እየ እዙይ ዝገበርኩ” በሎ።
6
እግዚኣብሄር ከዓ ብሕልሚ፥ “ኣነውን ነዙይ ብንፁህ ልብኻ ኸም ዝገበርካዮ ፈሊጠ፥ ኣብ ቅድመይ ሓጢኣት ከይትገብር ከልከልኩኻ። ስለዙይውን ክትቀርባ ኣይፈቐድኩልካን።
7
ሕዚ ኸዓ ነታ ሰበይቲ ናብ ሰብኣያ ምለሳ። ንሱ ነቢይ እዩ እሞ፥ ምእንቲ ኽትድሕን ክፅልየልካ እዩ። እንተ ዘይመሊስካያ ግና፥ ንስኻን ናትካ ዝኾነ ዅሉን ብርግፅ ከም እትሞቱ ፍለጥ” በሎ።
8
ኣቢሜሌክ ንፅባሒቱ ኣንጊሁ ተስአ፤ ንዅሎም መኳንንቱ ፀዊዑ ድማ ነዝ ዅሉ ነገር ነገሮም። እቶም ሰባት ከዓ የመና ፈርሑ።
9
ኣቢሜሌክ ድማ ንኣብርሃም ፀዊዑ “እዝ ዝገበርካና እንታይ እዩ? ኣባይን ኣብ መንግስተይን ዓብዪ ሓጢኣት ኣምፂእኻልና ኔርካ። እንታይ በዲለካ ነይረ እየ? ዘይግበር ግብሪ ኢኻ ዝገበርካኒ” በሎ።
10
መሊሱ ኣቢሜሌክ ንኣብርሃም “እንታይ ርኢኻ ኢኻ እዝ ነገርዙይ ዝገበርካ?” በሎ።
11
ኣብርሃም ከዓ “ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንእግዚኣብሄር ዝፈርሕ ሰብ ብርግፅ የለን እሞ፥ ብምኽንያት ሰበይተይ ከይቐትሉኒ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ እየ።
12
ብዘይ እዙይውን ብሓቂ ብወገን እንዳቦይ ሓፍተይ እያ፤ ብእንዳኖይ ግና ኣይኮነትን፤ ንኣይውን ሰበይተይ ኮነት።
13
እግዚኣብሄር ካብ እንዳ ኣቦይ ምስ ኣውፅአኒ፤ ንኣይ እትገብሪዮ ሰናይ፥ ኣብ ኵሉ ዝኣተናዮ ቦታ ‘ሓወይ እዩ’ በሊ፥ በልክዋ” ኢሉ መለሰ።
14
ኣቢሜሌክ ከዓ ኣባጊዕ፥ ከፍቲ፥ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት፥ ወሲዱ ንኣብርሃም ሃቦ። ንሳራ ሰበይቱ ድማ መለሰሉ።
15
ኣቢሜሌክ ድማ “ምድረይ ኣብ ቅድሜኻ እያ፤ ኣብ ዝመረፅካዮ ተቐመጥ” በሎ።
16
ንሳራ ድማ “ንሓውኪ ሽሕ ብሩር ሂበዮ ኣለኹ። እንሆ፥ እዙይ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኺ ዘለዉ ዅሎም ንኽብርኺ ይኹንኪ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉውን ነውሪ ዘይፈፀምኪ ምዃንኪ ምልክት ይኹንኪ” በላ።
17
እግዚኣብሄር ብምኽንያት ሳራ፥ ሰበይቲ ኣብርሃም፥ ንዅለን እተን ኣብ ቤት ኣቢሜሌክ ዝነበራ ኣንስቲ ማህፀነን ዓፅዩ ነበረ። ኣብርሃም ድማ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄርውን ንኣቢሜሌክን ንሰበይቱን ኣግራዱን ኣሕወዮም፤ ክወልዱ ኸም ዝኽእሉ ኸዓ ኾኑ።
← Chapter 19
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 21 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50