bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Genesis 34
Genesis 34
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 33
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 35 →
1
እታ ኻብ ያእቆብ ዝተወለደት ጓል ልያ ዲና ነጓላት እቲ ሃገር ክትርኢ ወፀት።
2
ሴኬም ወዲ ኤሞር፥ እቲ ኤውያዊ ገዛኢ እቲ ሃገር ድማ ረአያ። ወሰዳ እሞ ምስኣ ደቀሰ፤ ኣነወራውን።
3
ልቡ ድማ ብፍቕሪ ዲና ጓል ያእቆብ ተማረኸ እሞ ፈተዋ፤ ንልባ ብዘሐጕስ ነገርውን ተዛረባ።
4
ሴኬም ድማ ነቦኡ ኤሞር “ነዛ ጓል እዚኣ ኣመርዕወኒ” በሎ።
5
ያእቆብ ድማ ሴኬም ንጓሉ ዲና ኸም ዘነወራ ሰምዐ፤ ደቁ ኸዓ ምስ ጥሪቱ ኣብ በረኻ ነበሩ እሞ፥ ደቁ ኽሳዕ ዝኣትዉ ስቕ በለ።
6
ኤሞር ኣቦ ሴኬም ከዓ ምስኡ ኽዛረብ ናብ ያእቆብ ከደ።
7
ደቂ ያእቆብ እዙይ ምስ ሰምዑ፥ ካብ በረኻ ኣተዉ። ሴኬም ንጓል ያእቆብ ብምድፋሩ ኣብ እስራኤል ኽግበር ዘይግባእ ነውሪ ስለ ዝገበረ፥ የመና ብሕርቃን ነደዱ።
8
ኤሞር ድማ “ወደይ ሴኬም ብፍቕሪ ጓልኩም ልቡ ተማሪኹ እዩ እሞ፥ በይዛኻትኩም ሰበይቱ ኽትከውን ሃብዎ።
9
ምሳና ተዋሰቡ፤ ኣዋልድኩም ሃቡና፤ ንኣኻትኩምውን ኣዋልድና ውሰዱ።
10
ምሳና ንበሩ፤ እኒሃ እዛ ምድሪ እዚኣ ኣብ ቅድሜኹም ኣላ፤ ኣብኣ ተቐመጡ፤ ንገዱ፤ ርስትውን ትኹንኩም” በሎም።
11
ሴኬምውን ነቦኣን ነሕዋታን “ኣብ ቅድሜኹም ደኣ ሞገስ እርከብ እምበር፥ ዝበልኩምኒ ኽህብ እየ፤
12
ገዝምን ውህብቶን ከም ድልየትኩም ኣብዚሕኹም ኣዝዙኒ። ጥራሕ ነታ ጓል ደኣ ሰበይተይ ክትከውን ሃቡኒ እምበር፥ ዝኣዘዝኩምኒ ኽህብ እየ” በሎም።
13
ደቂ ያእቆብ ከዓ ሴኬም ንሓፍቶም ዲና ስለ ዘነወራ፥ ንእኡን ነቦኡ ኤሞርን ብተንኰል መለሱሎም።
14
ከምዙይ ድማ በልዎም፦ “ሓፍትና ንዘይተገረዘ ሰብኣይ ክንህብ የነውረና እዩ እሞ፥ ነዝ ነገር እዙይ ክንገብሮ ኣይንኽእልን ኢና።
15
ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ብምግራዝ ከማና እንተ ኾይንኩም ጥራሕ ኢና ሕራይ እንብለኩም፤
16
ሽዑ ኣጓላትና ንህበኩም፤ ኣጓላትኩም ከዓ ንወስድ፤ ምሳኻትኩም ንነብር፤ ሓደ ህዝቢ እውን ንኸውን።
17
ሕራይ ኢልኩም እንተ ዘይተገሪዝኩም ግና፥ ጓልና ሒዝና ንኸይድ።”
18
እዝ ዘረባዙይ ንኤሞርን ንሴኬም ወዱን ደስ ኣበሎም።
19
እቲ ጐበዝ ድማ ንጓል ያእቆብ ፈትይዋ ስለ ዝነበረ፥ እዝ ነገር እዙይ ንምግባር ኣይደንጐየን። ኣብ እንዳ ኣቦኡ ኸዓ ኻብ ኵሎም ዝኸበረ ነበረ።
20
ኤሞርን ወዱ ሴኬምን ናብ ባይቶ ኸይዶም፥ ንሰብ እታ ኸተማኣቶም ከምዙይ ኢሎም ተዛረብዎም፦
21
“እዞም ሰባት እዚኣቶም ምሳና ብሰላም እዮም ዝነብሩ፤ እዛ ምድሪ ድማ እኒሃ፥ ንኣኣቶም እትኣክል ገፋሕ እያ እሞ፥ ኣብዛ ምድሪ ይቀመጡን ይንገዱን።
22
እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና ምሳና ዝቕመጡ፥ ምሳና ድማ ሓደ ህዝቢ ክኾኑ ሕራይ ዝብሉና፥ ከምቲ ንሳቶም ግሩዛት ዝኾኑ፥ ንሕናውን ኵሉ ተባዕታይና እንተ ተገረዘ እዩ።
23
ኵሉ ጥሪቶምን ገንዘቦምን እንስሳኦምንከ ናትናዶ ኣይኮነን? ጥራሕ ሕራይ ደኣ ንበሎም እምበር፥ ምሳና ኽነብሩ እዮም” ድማ በልዎም።
24
እቶም ኣብ ባይቶ ተኣኪቦም ዝነበሩ ዅላቶም ከዓ፥ ነቲ ኤሞርን ወዱ ሴኬምን ዝበልዎ ሓሳብ ተቐበልዎ፤ ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ድማ ተገረዘ።
25
ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽቕንዘዉ እንተለዉ፥ ክልተ ደቂ ያእቆብ፥ ኣሕዋት ዲና ስምኦንን ሌዊን፥ ሰሰይፎም ሒዞም እንተይተሓስበ፥ ነታ ኸተማ ሓደጋ ኣውደቑላ፤ ተባዕታይ ዝኾነ ዅሉ ኸዓ ቐተሉ።
26
ንኤሞርን ንወዱ ሴኬምን ከዓ ብስሕለት ሰይፊ ቐቲሎም፥ ንሓፍቶም ዲና ኻብ ቤት ሴኬም ሒዞምዋ ወፁ።
27
ሴኬም ንሓፍቶም ስለ ዘነወራ፥ ደቂ ያእቆብ ናብቲ እቶም ቅቱላት ዘለውዎ መፂኦም፥ ነታ ኸተማ ዘመትዋ።
28
ኣባጊዖምን ኣእዱጎምን፥ ኣላሕሞምን፥ ኵሉ ኣብ ከተማ ዝነበረን ኣብ በረኻ ዝነበረን ድማ ወሰዱ።
29
ኵሉ ጥሪታቶምን ኵሎም ህፃውንቶምን ኣንስቶምን ማረኹ፤ ኣብ ቤት ንዝተረኽበ ዅሉ ድማ ዘመቱ።
30
ያእቆብ ከዓ ንስምኦንን ንሌዊን “በዞም ኣብዛ ሃገር ዝነብሩ ከነዓናውያንን ፈሪዛውያንን ከም ዝፅላእ ብምግባርኩም ኣጨነቕኩምለይ። ኣነ ብቝፅሪ ውሑድ እየ፤ ንሳቶም ተኣኪቦም እንተ ወግኡኒ ኸዓ ኣነን ቤተይን ክንጠፍእ ኢና” በሎም።
31
ንሳቶም ከዓ፥ “ስለ ምንታይ ደኣ ንሓፍትና ኸም ኣመንዝራ ዝቘፅራ?” በሉ።
← Chapter 33
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 35 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50