bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Genesis 39
Genesis 39
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 38
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 40 →
1
እቶም እስማኤላውያን ንዮሴፍ ናብ ግብፂ ኣውረድዎ። ኣዛዚ ቤት ፈርዖን፥ ጲጥፋራ፥ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝነበረ ግብፃዊ ሰብኣይ ድማ፥ ካብ ኢድ እቶም ናብ ግብፂ ዘውረድዎ እስማኤላውያን ዓደጎ።
2
እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ስራሑ ዝቐንዐሉ ሰብ ኮነ። ኣብ ቤት እቲ ግብፃዊ ጐይታኡ ድማ ይነብር ነበረ።
3
ጐይታኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስኡ ኸም ዘሎን ንሱ ዝገብሮ ዅሉ ድማ እግዚኣብሄር ከም ዘቕንዐሉን ረአየ።
4
ዮሴፍ ከዓ ኣብ ቅድሚ ጲጥፋራ ሞገስ ረኸበ፤ ኣገልጋሊኡውን ኮነ። ስለዙይ ኣዛዚ ገዛኡ ገበሮ፤ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢዱ ኣረከቦ።
5
ኣብ ገዛኡን ኣብ ኵሉ ጥሪቱን ካብ ዝሸሞ ጀሚሩ፥ እግዚኣብሄር ምእንቲ ዮሴፍ ኢሉ ንገዛ እቲ ግብፃዊ ባረኾ። ኣብ ገዛን ኣብ በረኻን ኣብ ዝነበረ ዅሉ ጥሪቱ በረኸት እግዚኣብሄር ነበረ።
6
ኵሉ ሃብቱ ኸዓ ናብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሃቦ። ብዘይ እታ ዝበልዓ እንጀራ ብኻልእ ኣይግደስን ነበረ። ዮሴፍ ድማ ቑመናኡን መልክዑን ፅቡቕ ነበረ።
7
ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ኸዓ፥ ሰበይቲ ጐይታኡ ንዮሴፍ ዓይና ኣውደቐትሉ እሞ፥ “ምሳይ ደቅስ” በለቶ።
8
ንሱ ድማ፥ ንሰበይቲ ጐይታኡ “እንሆ፥ ጐይታይ ኣብ ገዛኡ ምሳይ እንታይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን፥ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ እዩ።
9
ኣብዛ ገዛ እዚኣ ኻባይ ዝስልጥን የለን፤ ሰበይቱ ኢኺ እሞ፥ ብዘይ ንኣኺ ኻልእ ዝኸልከለኒ ነገር የለን። ከመይ ኢለ ድኣ እዝ ዓብዪ ኽፍኣት ክገብር? ከመይ ኢለኸ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ክገብር?” ኢሉ ኣበያ።
10
ኵልሻዕ ከዓ ንዮሴፍ ከምዙይ እናበለት ተትክሮ ነበረት። ዮሴፍ ግና ምስኣ ኽድቅስ ኮነ ኣብ ጥቓኣ ኽቐርብ ኣይደልን ነበረ።
11
ኮነ ድማ፥ ሓደ መዓልቲ ስራሑ ኽሰርሕ ናብ ገዛ ኣተወ፤ ሽዑ ኣብታ ገዛ ካብ ቤተ ሰብ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
12
ሽዑ ብኽዳኑ ኣጥቢቓ ሒዛ “ምሳይ ደቅስ” በለቶ። ንሱ ግና ኽዳኑ ኣብ ኢዳ ሓዲጉላ፥ ሃዲሙ ናብ ደገ ወፀ።
13
ንሳ ድማ ኽዳኑ ኣብ ኢዳ ሓዲጉ፥ ንደገ ከም ዝሃደመ ምስ ረአየት፥
14
ነገልገልታ ናብኣ ፀዊዓ “ረአዩ፥ እቲ ዘምፅኦ ዕብራዊ ሰብኣይ ኣዋሪዱና፤ ንሱ ምሳይ ክድቅስ ናባይ ኣተወ፤ ኣነ ግና ዓው ኢለ ኣእዌኹ።
15
ቃለይ ዓው ኣቢለ ኸም ዘእወኹ ምስ ሰምዐ ድማ፥ ክዳኑ ሓዲጉ ሃዲሙ ንደገ ወፀ” ኢላ ነገረቶም።
16
ነቲ ኽዳኑ ድማ ጐይታኡ ናብ ገዛኡ ኽሳዕ ዝመፅእ ምስኣ ሒዛቶ ፀንሐት።
17
ንሳ ድማ፦ “እቲ ዘምፃእኻልና ዕብራዊ ባርያ፥ ከዋርደኒ ኢሉ ናብቲ ዘለኽዎ ኣተወ።
18
ቃለይ ዓው ኣቢለ ምስ ኣእዌኹ ግና፥ ክዳኑ ኣብ ኢደይ ሓዲጉለይ ንደገ ሃደመ” በለቶ።
19
ጐይታ ዮሴፍ ከዓ፥ ሰበይቱ “ባርያኻ ኸምዙይ ገይሩኒ” ኢላ ዝነገረቶ ዘረባ ምስ ሰምዐ፥ ብቝጥዓ ነደደ።
20
ጐይታ ዮሴፍ ድማ ናብታ እሱራት ንጉስ ዝእሰሩላ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። ኣብታ ቤት ማእሰርቲ እንተሎ ግና፥
21
እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ነበረ፤ ምሕረቱውን ኣብዝሐሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸዓ ሞገስ ሃቦ።
22
እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ድማ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ እሱራት ኵሎም ኣብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣብ ልዕሊ እቲ ዅሉ ኣብኡ ዝግበርውን ስልጣን ሃቦ።
23
እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ ድማ፥ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ፥ በቲ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዮሴፍ ዝነበረ ሓደ ነገር እኳ ኣይሓልን ነበረ፤ ነቲ ዝገብሮ ዅሉ እግዚኣብሄር የቃንዐሉ ነበረ።
← Chapter 38
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 40 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50