bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Genesis 4
Genesis 4
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 5 →
1
ኣዳም ድማ ንሰበይቱ ሄዋን ፈለጣሞ፥ ጠነሰት፤ ንቃየልውን ወለደት። “ብረድኤት እግዚኣብሄር ወዲ ረኺበ” ድማ በለት።
2
ደጊማውን ንሓዉ ኣቤል ወለደት። ኣቤል ጓሳ ኣባጊዕ ኾነ፤ ቃየል ከዓ ሓረስታይ ኮነ።
3
ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ድማ ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረበ።
4
ኣቤልውን ካብ በዅራት ኣባጊዑ ሰስቡሖም ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ተመልከተ።
5
ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ኣይተመልከተን። ቃየል ከዓ የመና ጐሃየ፤ ገፁውን ፀለመ።
6
እግዚኣብሄር ድማ ንቃየል “ስለ ምንታይ ኰሪኻ? ስለ ምንታይከ ገፅካ ፀለመ?
7
ፅቡቕ ጌርካ እንተትኸውንስ ገፅካ ምበርሀ ነይሩ። ፅቡቕ ስለ ዘይገበርካ ግና፥ ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ኾይና ትፀናተወካ ኣላ፤ ድሌታውን ናባኻ እዩ፤ ንስኻ ግና ኣብ ልዕሌኣ ንገሰላ” በሎ።
8
ቃየል ድማ ንሓዉ ኣቤል “ንበረኻ ንኺድ” በሎ። ኣብ በረኻ ምስ ከዱ ኸዓ፥ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ወቒዑ ቐተሎ።
9
እግዚኣብሄር ከዓ ንቃየል “ሓውካ ኣቤል ኣበይ ኣሎ?” ኢሉ ጠየቖ። ቃየል ድማ “ኣይፈልጥን፤ ኣነዶ ሓላዊ ሓወይ እየ?” ኢሉ መለሰ።
10
እግዚኣብሄር ከዓ “እንታይ ጌርካ ኢኻ? ድምፂ ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ።
11
ስለዙይ ኣብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ኽትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ዝተረገምካ ኢኻ።
12
ንምድሪ ምስ ሓረስካያ ፍረኣ ኣይትህበካን እያ፤ ኣብ ምድሪ ድማ ድንጉፅን ኰብላልን ኩን” በሎ።
13
ቃየል ከዓ ንእግዚኣብሄር “ቅፅዓተይ ክፆሮ ዘይከኣለኒ ዓብዪ እዩ።
14
እንሆ፥ ሎሚ ኻብ ገፅ ምድሪ ትሰጐኒ ኣለኻ፤ ኣነ ድማ ኻብ ገፅካ ኽሕባእ እየ። ኣብ ምድሪ ድንጉፅን ኰብላልን ክኸውን እየ፤ ኵሉ ዝረኸበኒ ድማ ኽቐትለኒ እዩ” በሎ።
15
እግዚኣብሄር ድማ “እምበኣር ንቃየል ዝቐተለ ዅሉ፥ ሸውዓተ ዕፅፊ ሕነ ኽፍደ እዩ” በለ። ዝረኸቦ ዅሉ ምእንቲ ኸይቐትሎ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር ንቃየል ምልክት ገበረሉ።
16
ቃየል ድማ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ወፀ፤ ኣብ ኤደን ብወገን ምብራቕ ኣብ እትርከብ ኖድ ኣብ እትብሃል ምድሪ ድማ ተቐመጠ።
17
ቃየል ድማ ንሰበይቱ ፈለጣሞ ጠነሰት፤ ንሄኖህ ድማ ወለደት። ቃየል ከተማ ኣጣየሸ፤ ነታ ኸተማ ድማ ብስም ወዱ ሄኖህ ኢሉ ስም ኣውፅአላ።
18
ሄኖህ ከዓ ንጋይዳድ ወለደ። ጋይዳድ ድማ ንሜኤል ወለደ። ሜኤል ከዓ ንማቱሳላ ወለደ። ማቱሳላ ድማ ንላሜህ ወለደ።
19
ላሜህ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ፤ ስም እታ ሓንቲ ዓዳ፥ ስም እታ ኻልአይቲ ድማ ሴላ ነበረ።
20
ዓዳ ንያባል ወለደት። ንሱ ኣቦ እቶም ኣብ ድንኳናት ዝነብሩን ከፍቲ ዘርብሑን ነበረ።
21
ዩባል ዝበሃል ሓው ድማ ነበሮ፤ ንሱ ኸዓ ኣቦ ዅሎም እቶም ወቓዕቲ መሰንቆን በገናን እዩ።
22
ሴላ ድማ ነሃስን ሓፂንን ቀጥቂጡ ኣቑሑ ንዝሰርሕ ቱባልቃይን ወለደት። ሓፍቲ ቱባልቃይን ድማ ናዕማ ትበሃል ነበረት።
23
ላሜህ ድማ ነንስቱ ተዛረበን፤ “ዓዳን ሴላን፥ ቃለይ ስምዓ፤ ኣትን ኣንስቲ ላሜህ፥ ዘረባይ ኣዳምፃ፤ ስለ ቝስለይ፥ ሰብኣይ፥ ስለ ስምብራተይ ድማ፥ ጐበዝ ቐተልኩ።
24
ቃየል ሸውዓተ ዕፅፊ ሕነ ዝፍደ ኻብ ኮነ፤ ላሜህ ከዓ ሰብዓን ሸውዓተን ዕፅፊ ኽፍደ እዩ” ድማ በለን።
25
ኣዳም መሊሱ ንሄዋን ፈለጣሞ ወዲ ወለደት። “ኣምላኽ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል፥ ካልእ ውሉድ ተኪኡለይ” እንትትብል ስሙ “ሴት” በለቶ።
26
ሴት ድማ ወዲ ተወለደሉ፤ ሄኖስ ኢሉ ኸዓ ሰመዮ። ሽዑ ሰባት ብስም እግዚኣብሄር ክፅውዑ ጀመሩ።
← Chapter 3
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 5 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50