bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Genesis 30
Genesis 30
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 29
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 31 →
1
ራሄል ድማ ንያእቆብ ከም ዘይወለደትሉ ምስ ረአየት፥ ብሓፍታ ቐንአት፤ ንያእቆብ ከዓ፥ “ውሉድ ሃበኒ፤ እንተ ዘይኮነ ኽመውት እየ” በለቶ።
2
ሽዑ ያእቆብ ተቘጢዑ ንራሄል “ኣነ ውሉድ ክህበክን ክኸልአክን ዝኽእል እግዚኣብሄር ድየ?” በላ።
3
ንሳ ኸዓ፥ “እኒሃ፥ ኣገልጋሊተይ ባላ፥ ኣብ ብርከይ ትውለድ፤ ደቃ ኸዓ ንኣይ ምእንቲ ክኾኑለይ፥ ናብኣ እቶ” በለቶ።
4
ንኣገልጋሊታ ባላ ኸዓ ሰበይቱ ኽትከውን ንእኡ ሃበቶ፤ ያእቆብ ድማ ናብኣ ኣተወ።
5
ባላ ጠነሰት፤ ንያእቆብ ድማ ወዲ ወለደትሉ።
6
ሽዑ ራሄል፥ “ኣምላኽ ፍትሒ ኣውፂኡለይ፤ ቃለይ ሰሚዑውን ወዲ ሂቡኒ” በለት፤ “ዳን” ኢላ ድማ ሰመየቶ።
7
ባላ ኣገልጋሊት ራሄል መሊሳ ጠነሰት፤ ንያእቆብውን ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ።
8
ሽዑ ራሄል “ብርቱዕ ቓልሲ ምስ ሓፍተይ ተቓለስኩ እሞ ሰዓርኩ” በለት፤ “ንፍታሌም” ኢላ ድማ ሰመየቶ።
9
ልያ ኸዓ ምውላድ ከም ዘቋረፀት ምስ ረአየት፥ ንኣገልጋሊታ ዘለፋ ወሲዳ፥ ሰበይቱ ኽትኮኖ ንያእቆብ ሃበቶ።
10
ናይ ልያ ኣገልጋሊት ዘለፋ ድማ ንያእቆብ ወዲ ወለደትሉ።
11
ሽዑ ልያ፥ “ዕድለኛ እየ” በለት፤ “ጋድ” ኢላ ድማ ሰመየቶ።
12
ናይ ልያ ኣገልጋሊት ዘለፋ ድማ፥ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ።
13
ልያ ኸዓ፥ “ተሓጕሰ እየ እሞ፥ ‘ኣንስቲ ሕጕስቲ’ ኽብላኒ እየን” በለት። “ኣሴር” ኢላ ድማ ሰመየቶ።
14
ሮቤል ድማ በቲ ስርናይ ዝዕፀደሉ ወርሓት ንበረኻ ወፈረ እሞ፥ ምልዖ ረኸበ፤ ንኖኡ ልያ ድማ ኣምፅአላ። ሽዑ ራሄል ንልያ “ካብዝ ምልዖ ወድኺ ሃብኒ?” በለታ።
15
ንሳ ኸዓ “ሰብኣየይ ዝወሰድክለይ ንኢሱክስ፥ ምልዖ ወደይ ድማ ኽትወስዲ?” በለታ። ራሄል ድማ፥ “እምበኣር ክንዲ ምልዖ ወድኺ ነዛ ለይቲ እዚኣ ያእቆብ ምሳኺ ይሕደር” በለታ።
16
ምሸት ያእቆብ ካብ በረኻ ኽኣቱ እንተሎ ልያ ኽትቅበሎ ወፀት። “ብምልዖ ወደይ ዓዲገካ እየ እሞ፥ ምሳይ ኢኻ እትሓድር” በለቶ። በታ ለይቲ እቲኣ ያእቆብ ምስኣ ሓደረ።
17
እግዚኣብሄር ድማ ንልያ ሰምዓ እሞ፥ ጠነሰት፤ ንያእቆብ ከዓ ሓምሻይ ወዲ ወለደትሉ።
18
ልያ ድማ “መገልገሊተይ ንሰብኣየይ ክንዲ ዝሃብኩ፥ ኣምላኽ ዓስበይ ሂቡኒ” በለት፤ “ይሳኮር” ኢላ ድማ ሰመየቶ።
19
ልያ ድማ መሊሳ ጠነሰት፤ ንያእቆብ ከዓ ሻድሻይ ወዲ ወለደትሉ።
20
ልያ ድማ “ኣምላኽ ሰናይ ውህብቶ ሂቡኒ፥ ሕዚ ሽዱሽተ ኣወዳት ወሊደሉ እየ እሞ፥ ደጊም ሰብኣየይ ምሳይ ክነብር እዩ” በለት፤ “ዛብሎን” ኢላ ድማ ሰመየቶ።
21
ድሕሪዙይ ጓል ወለደት፤ “ዲና” ኢላውን ሰመየታ።
22
እግዚኣብሄር ድማ ንራሄል ዘከራ፤ ፀሎታ ስለ ዝሰምዐ ድማ ማህፀና ኸፈተላ።
23
ንሳ ኸዓ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት፤ “ኣምላኽ ውርደተይ ኣርሒቑለይ” ድማ በለት።
24
“እግዚኣብሄር ካልእ ወዲ ይወስኸኒ” እንትትብል “ዮሴፍ” ኢላ ሰመየቶ።
25
ራሄል ንዮሴፍ ምስ ወለደት፥ ያእቆብ ንላባ፦ “ናብ ዓደይን ናብ ምድረይን ክኸይድ ኣሰናብተኒ።
26
እተን ምእንትኣተን ዘገልገልኩኻ ኣንስተይን ደቀይንውን ሃበኒ። እቲ ዘገልገልኩኻ ኣገልግሎት ባዕልኻ ትፈልጦ ኢኻ እሞ፥ ክኸይድ ኣሰናብተኒ” በሎ።
27
ላባ ድማ “ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፥ እግዚኣብሄር ምእንታኻ ኢሉ ኸም ዝባረኸኒ ኣስተውዒለ ኣለኹ እሞ፥
28
ዓስብኻ ንገረኒ ኽህበካ” በሎ።
29
ያእቆብ ከዓ፥ “ከመይ ከም ዘገልገልኩኻን ከፍትኻውን ኣነ ኽጓስየን እንተለኹ ኸመይ ከም ዝበዝሓን ባዕልኻ ትፈልጥ ኢኻ።
30
ኣነ እንተይመፃእኹ ውሑዳት ነበራኻ፤ ሕዚ ግና ኣነ ኣብ ዝኸድክዎ ዅሉ እግዚኣብሄር ባሪኹካ እዩ እሞ፥ ኬርና በዝሓ፤ ሕዚ ኸዓ ንናይ ባዕለይ ቤተ ሰብ ዝኸውን ዝሓስበሉ ድኣ መኣዝ እዩ?” በሎ።
31
ላባ ድማ “እንታይ እሞ ኽህበካ?” በሎ። ያእቆብ ከዓ፥ “ሓደ እኳ ኣይትሃበኒ። ከምዙይ እንተ ገበርካለይ ግና ነባጊዕኻ መሊሰ ኽጓስየንን ክከናኸነንን እየ።
32
ሎሚ ንዅለን መጓሰኻ ኽዀለን እየ፤ ካብኣተን ከዓ ነተን ትኳዕ ትኳዕ ዘለወን ውርውራይ ኣባጊዕን፥ ውፁኣት ፀለምቲ ለያሙን፥ ውርውራይ ዝኾና ኣጣልን ኽፈሊ እየ እሞ፥ ንሳተን ዓስበይ ይኹና።
33
ካብ ሎሚ ድማ ብዛዕባ ዓስበይ ክትፀባፀብ ምስ መፃእኻ፥ ሽዑ ቕኑዕ ምዃነይ ክትርኢ ኢኻ። ውርውራይ ዘይኮና ኣጣል፥ ውፁኣት ፀለምቲ ዘይኮና ኣባጊዕ ኣባይ እንተ ተረኽባ፥ ከም ዝተሰርቃ ይቈፀረኒ” በሎ።
34
ላባ ኸዓ “ሕራይ፤ ከም ዝበልካዮ ይኹን” በሎ።
35
በታ መዓልቲ እቲኣ ላባ ነቶም ውርውራይ ዘለዎም ብርሆታት ወጣጡን፥ ንዅለን ነተን ብርሆታትን ዝንጕርጕር ኣጣልን፥ ፃዕዳ ዘለወን ኵለን፥ ካብ ኣባጊዕ ድማ ዅለን ፀለምቲ ፈልዩ ንደቁ ሃቦም።
36
ካብቲ ያእቆብ ዝነበሮ ኸዓ መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኣርሓቐን። ያእቆብ ድማ ነተን ዝተረፋ መጓሰ ላባ ይጓሲ ነበረ።
37
ያእቆብ ከዓ ኸራውሕን ሉዝን ሑዳን ካብ ዝበሃሉ ኣእዋም ርሑስ ኣብትርቲ ቘረፀ፤ ወሲዱውን ነቲ ኣብትርቲ ውርውራይ ገይሩ ቐለጦ።
38
ነቲ ውርውራይ ዝገበሮ ኣባትር ድማ፥ ኣብቲ እተን መጓሰታት መፂአን ዝሰትያሉ ጋብላታት፥ ኣብ ቅድሚ እተን መጓሰ ገበሮ እሞ ኽሰትያ ምስ መፃ ይሃርፋ ነበራ።
39
እተን መጓሰ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣባትር ምስተሰረራ፥ ውርውራይን ትኳዕ ትኳዕን ብርሆታትን ወለዳ።
40
ሽዑ ያእቆብ ነተን መሓስእ ፈለየን። ነተን መጓሰ ኸዓ ኣብ መንፅር እተን ውርውራይን ውፁኣት ፀለምትን መጓሰ ላባ ገበረን። ንመጓሰኡ ግና ንበይነን ገበረን እምበር ምስ መጓሰ ላባ ኣይሓወሰንን።
41
በቲ እተን ደዐኛታት ኣባጊዕ ዝስረራሉ ጊዜ ኣብ ጥቓ እቲ ኣባትር ምእንቲ ኽስረራ፥ ያእቆብ ነቲ ኣባትር ኣብ ጋብላታት ኣብ ቅድሚ እተን መጓሰ የንብሮ ነበረ።
42
እተን ድኹማት ኣባጊዕ ኣብ ዝስረራሉ ጊዜ ግና ኣየንብሮን ነበረ። በዝ ኸምዙይ ከዓ እተን ድኹማት ንላባ፥ እተን ደዐኛታት ድማ ንያእቆብ ኮና።
43
ያእቆብ ከዓ የመና ሃብተመ። ብዙሓት መጓሰታትን ሓሻኽርን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግንውን ኣጥረየ።
← Chapter 29
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 31 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50