bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Genesis 8
Genesis 8
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 7
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 9 →
1
እግዚኣብሄር ንኖህን ነቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ዅሎም ኣራዊትን ኵሎም እንስሳን ዘከረ። እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ንፋስ ኣንፈሰ፤ እቲ ማይ ከዓ ጐደለ።
2
እቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ዓይኒ ማያትን፥ መሳዅቲ ሰማይን ተዓፅወ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝዘንም ዝነበረ ዝናምውን ፀሓየ።
3
እቲ ማይ ድማ ኻብ ምድሪ እናጐደለ ኸደ። ኣብ መወዳእታ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኸዓ ጐደለ።
4
ኣብ መበል ዓሰርተ ሸውዓተ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ፥ እታ መርከብ ኣብ እምባ ኣራራት ዓረፈት።
5
እቲ ማይ ከዓ ኽሳዕ ዓስረይቲ ወርሒ እናጐደለ ኸደ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ዓስረይቲ ወርሒ ኸዓ ጫፋት እቶም እምባታት ተርኣዩ።
6
ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ድማ፥ ኖህ ነቲ ኣብ መርከብ ዝሰርሖ መስኰት ከፈተ፤
7
ንኳዅ ድማ ሰደዶ። ንሱ ኸዓ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ኽሳዕ ዝነፅፍ ንየን ነዘን ይብል ነበረ።
8
ድሕሪዙይ ድማ ማይ ካብ ምድሪ ጐዲሉ እንተ ኾይኑ ኽትርኢ ኢሉ ንርግቢ ሰደዳ።
9
ኣብ ኵላ ምድሪ፥ ማይ ስለ ዝነበረ ግና፥ እታ ርግቢ እግራ እተዕርፈሉ ኣይረኸበትን። ስለዙይውን ናብኡ ናብ መርከብ ተመለሰት። ኢዱ ዘርጊሑ ድማ ተቐበላ፤ ናብኡ ናብ መርከብ ከዓ ኣእተዋ።
10
ሸውዓተ መዓልቲ ፀኒሑ ድማ፥ ኖህ ነታ ርግቢ መሊሱ ኻብ መርከብ ሰደዳ።
11
ኣጋ ምሸት ምስ ኮነ እታ ርግቢ ናብ ኖህ ተመለሰት። እንሆ ኸዓ ልሙዕ ቘፅሊ ኣውሊዕ ኣብ ኣፋ ሒዛ ነበረት። ሽዑ ኖህ ማይ ካብ ምድሪ ኸም ዝነፀፈ ፈለጠ።
12
ከምኡውን ካልእ ሸውዓተ መዓልቲ ፀኒሑ ነታ ርግቢ ሰደዳ። ብድሕሪኡ ግና ናብ ኖህ ኣይተመለሰትን።
13
ኣብ መበል ሽዱሽተ ሚእትን ሓደን ዕድመ ኖህ፥ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ፥ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፥ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ነፀፈ። ሽዑ ኖህ ክዳን መርከብ ቀሊዑ ረአየ፤ እንሆ ኸዓ እታ ምድሪ ነፂፋ ነበረት።
14
ኣብ መበል ዕስራን ሸውዓተን መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ እታ ምድሪ ፈፂማ ነቐፀት።
15
እግዚኣብሄር ድማ ንኖህ፦
16
“ንስኻን ሰበይትኻን ደቅኻን ኣንስቲ ደቅኻን ካብታ መርከብ ውፁ።
17
ኵሉ ምሳኻ ዘሎ ህይወት ዘለዎ ፍጡር፥ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስ ኵሉ ለመምታን፥ ኣብ ምድሪ ኽባዝሑ ምሳኻ ኣውፅኣዮም፤ ኣብ ምድሪ ድማ ይፋረዩን ይባዝሑን” በሎ።
18
ሽዑ ኖህን ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ወፁ።
19
ኵሉ ኣራዊትን፥ ኵሉ ዝንቀሳቐስን፥ ኵሎም ኣዕዋፍን፥ ኵሉ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብልን ድማ በብዓሌታቶም ካብታ መርከብ ወፁ።
20
ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ ካብ ንፁህ እንስሳን ካብ ኵሎም ንፁሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸዓ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብቲ መሰውኢ ኣቕረበ።
21
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ጥዑም መዓዛ ኣጫነወ፤ እግዚኣብሄርውን ብልቡ፦ “ሓሳብ ልቢ ወዲ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ እኳ ኽፉእ እንተ ኾነ፥ ድሕሪ ደጊም ብሰንኪ በደል ሰብ ንምድሪ ኣይረግማን እየ። ድሕሪ ደጊምውን ከምቲ ዝገበርክዎ፥ ህይወት ንዘለዎ ዅሉ፥ መሊሰ ኣየጥፍኦን እየ።
22
ምድሪ ኽሳዕ ዘላ፥ ዘርእን ዓፂድን፥ ዛሕልን ሙቐትን፥ ሓጋይን ክረምትን፥ መዓልትን ለይትን፥ ከቶ ኣየቋርፅን እዩ” በለ።
← Chapter 7
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 9 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50