bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Genesis 49
Genesis 49
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 48
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 50 →
1
ያእቆብ ንደቁ ፀዊዑ፥ “በተን ዳሕረዎት ዘመናት ዘጋጥመኩም ክነግረኩምስ፥ ተኣከቡ” በሎም።
2
“ኣቱም ደቂ ያእቆብ፥ ተኣከቡ እሞ ስምዑ። ናብ ኣቦኻትኩም እስራኤል ከዓ ኣድምፁ።”
3
“ሮቤል፥ ንስኻ በዅረይ ኢኻ፤ ሓይለይን ቀዳማይ ፅንዓተይን፥ ብኽብረት ብሉፅ፥ ብስልጣን ከዓ ብሉፅ ኢኻ።
4
ከም ማይ ዘይርጉእ ኢኻ፤ ናብ ምድቃስ ኣቦኻ ደየብካ፤ ዓራት ኣቦኻ ኣርከስካ፤ ስለዙይ ሕልቅና ነኣኻ ኣይኹን።”
5
“ስምኦንን ሌዊን ኣሕዋት እዮም፤ ኣስይፍቶም ኣፅዋር ዓመፃ እየን፤
6
ብቝጥዓኦም ሰብ ቀተሉ፤ ብዅራኦምውን ቋንጃ ኣብዑር ቈረፁ፤ ኣብ ምኽሮም ኣይሕወሰኒ፤ ኣብ ኣኼባኦም ከዓ ኣይፀምረኒ።
7
ኵራኣቶም ብርቱዕ፥ ናህሮም ከዓ ጨካን እዩ እሞ ርጉም ይኹን። ኣብ ያእቆብ ክብትኖም እየ፤ ኣብ እስራኤል ድማ ፋሕ ከብሎም እየ።”
8
“ይሁዳ፥ ኣሕዋትካ ኸመስግኑኻ እዮም፤ ኢድካ ኣብ ክሳድ ፀላእትኻ ኽትከውን እያ፤ ደቂ ኣቦኻ ኽሰግዱልካ እዮም።
9
ኦ ይሁዳ፥ ሽደን ኣንበሳ ኢኻ፤ ወደይ፥ ካብ ግዳይካ ተመለስካ፤ ከም ኣንበሳ ኣድበኻ፤ ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳውን ለጥ በልካ፤ ከተስአካ ዝደፍር መን እዩ?
10
እቲ ኽገዝእ ዝግብኦ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ኣህዛብውን ክሳዕ ዝግዝእዎ፥ በትሪ መንግስቲ ኻብ ይሁዳ፥ ዘንጊ ገዛኢ ኸዓ ኻብ ማእኸል ኣእጋሩ፥ ኣይሰኣንን እዩ።
11
ንኣድጉ ኣብ ጕንዲ ወይኒ፥ ንዒሉኡ ድማ ኣብ ብሉፅ ጨንፈር ወይኒ ኽኣስር እዩ፤ ክዳኑ ብወይኒ፥ ነፀላኡ ኸዓ ብደም ወይኒ ኽሓፅብ እዩ።
12
ኣዒንቱ ኻብ ወይኒ ኽቐይሓ፥ ኣስናኑ ድማ ኻብ ፀባ ኽፅዕድዋ እየን።”
13
“ዛብሎን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኽነብር እዩ፤ መዕረፍ መራኽብውን ክኸውን እዩ፤ ወሰኑ ኸዓ ኽሳዕ ሲዶና ክኸውን እዩ።”
14
“ይሳኮር፥ ብርቱዕ ዝዓፅሙ ኣድጊ እዩ፤ ኣብ ማእኸል ሰፈር ኣባጊዕ ድማ ይድቅስ።
15
እታ ዘዕርፈላ ቦታ ፅብቕቲ፥ እታ መሬቱ ድማ ልምዕቲ ከም ዝኾነት ምስ ረአየ፥ ንምስካም፥ ማእገሩ ኣትሓተ፤ ፀዓራይ ሓረስታይውን ኮነ።
16
ዳን ከም ሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ኮይኑ ንህዝቡ ኽዳኒ እዩ።
17
ዳን ኣብ መንገዲ፥ ከም ተመን፥ ኣብ መተሓላለፊ ድማ ኸም መንደላይ ተመን ክኸውን እዩ፤ ንፈረስ ሸዀናኡ ይነኽሶ፤ ንፈረሰኛ ኸዓ ንድሕሪት ከም ዝወድቕ ይገብሮ።”
18
“ኦ እግዚኣብሄር፥ ንምድሓንካ እፅበ ኣለኹ።”
19
“ንጋድ ዘመትቲ ክዘምቱሉ እዮም፤ ንሱ ግና እግሪ እግሮም ስዒቡ ኸሳጕጎም እዩ።
20
እንጀራ ኣሴር ረጒድ እዩ፤ ኣሴር ድማ ንነገስታት ዝበቅዕ ምግቢ ኸቕርብ እዩ።”
21
“ንፍታሌም፥ ዝተፈትሐት መይዳቝ እዩ፤ ጥዑም ቃልውን ይህብ።”
22
“ዮሴፍ፥ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ዝተተኽለት፥ ጨናፍራ ኣብ መንደቕ ዝድይብ፥ ፈራይት ወይኒ እዩ።
23
ቀስተኛታት ኣናወፅዎ፤ ፍላፃ ወርዊሮም ድማ ሰጐጕዎ።
24
ቀስቱ ግና ፀኒዑ ይነብር፤ ቀላፅም ኣእዳዉ ድማ በእዳው እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል፥ በቲ ሓላዊን ኰዅሒ እስራኤልን ፀንዐ።
25
ንኣኻ ብዝረድአካ ኣምላኽ ኣቦኻ፥ ብዝባርኸካ ዅሉ ምግባር ብዝኽእል ኣምላኽ፥ ኣብ ላዕሊ ኻብ ሰማይ ብዝርከብ ረድኤት፥ ካብ መዓሙቕ ምድሪ ብዝርከብ በረከት፥ ካብ ማህፀንን ካብ ጡብን ብዝርከብ ምርቓ ኽባርኸካ እዩ።
26
ካብቲ ኻብ ናይ ጥንቲ እምባታት በረከት፥ ካብ ናይ ዘለኣለም ኰረብታታት ምርቓ፥ ናይ ኣቦኻ በረከት ይበልፅ፤ እዝ ዅሉ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ዮሴፍ ይውረድ፤ ኣብ ማእኸል ኣሕዋቱ ሓለቓ ኣብ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ ግንባር ዮሴፍ ይዕረፍ።”
27
“ብንያም መንጣሊ ተዅላ እዩ፤ ንግሆ ዝመንጠሎ ይበልዕ፤ ምሸት ከዓ ዝማረኾ የካፍል።”
28
እዚኣቶም ኵላቶም እቶም ዓሰርተ ኽልተ ነገድ እስራኤል እዮም። እዙይ ከዓ እቲ ኣቦኣቶም ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዝግብኦም ክምርቖም እንተሎ ዝተዛረቦ እዩ።
29
ሽዑ ያእቆብ ንደቁ፦ “እንሆ፥ ኣነ ናብ ወገናተይ ክእከብ እየ። ኣብታ ግራት ኤፍሮን ኬጢያዊ ዘላ በዓቲ ምስ ኣቦታተይ ቅበሩኒ።
30
ንሳ ኣብ ግራት ማክጴላ፥ ኣብ መንፅር መምሬ ኣብ ምድሪ ከነዓን ዘላ፥ ኣብርሃም ንመቓብር ርስቲ ኽትከውን ኢሉ፥ ካብ ኤፍሮን ኬጢያዊ ምስታ ግራት ዝዓደጋ ድርብ በዓቲ እያ።
31
ንኣብርሃምን ንሰበይቱ ሳራን ኣብኣ ቐበርዎም፤ ንይስሓቅን ንርብቃ ሰበይቱንውን ኣብኣ ቐበርዎም፤ ኣነ ድማ ንልያ ኣብኣ ቐበርክዋ።
32
እቲ ግራትን እቲ ኣብኡ ዘሎ በዓትን፥ ካብ ደቂ ኬጢ ዝተዓደገ እዩ” በሎም።
33
ያእቆብ ንደቁ እዙይ ኣዚዙ ምስ ወድአ፥ ኣእጋሩ ኣከበ፤ ነፍሱ ድማ ወፀት እሞ፥ ናብ ወገናቱ ተፀመረ።
← Chapter 48
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 50 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50