bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Genesis 27
Genesis 27
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 26
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 28 →
1
ይስሓቅ ኣሪጉ ኣዒንቱ ደኺመን ምርኣይ ምስ ሰኣና፥ ንኤሳው ነቲ ዓብዪ ወዱ ፀዊዑ “ኣታ ወደይ!” በሎ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ” በሎ።
2
ሽዑ ንሱ “እንሆ፥ ሕዚ ኣሪገ እየ፤ መኣዝ ከም ዝመውትውን ኣይፈልጥን።
3
በይዛኻ ኣፅዋር ሃደንካን መንቲግካን ቀስትኻን፥ ውሰድ እሞ ሕዚ ንበረኻ ወፊርካ፥ ሃዲንካ ስጋ ኣምፅአለይ።
4
እንተይሞትኩ ምእንቲ ኽምርቐካስ፥ ከምቲ ኣነ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ኣሰናዲኻ ኣምፅአለይ” በሎ።
5
ርብቃ ኸዓ ይስሓቅ ንኤሳው ወዱ ኽዛረቦ እንተሎ ትሰምዕ ነበረት። ኤሳው ሃዲኑ ኸምፅእ ናብ በረኻ ምስ ወፈረ ድማ፥
6
ርብቃ ንወዳ ያእቆብ፦ “እንሆ፥ ኣቦኻ ንሓውካ ኤሳው ‘ቅድሚ ሞተይ በሊዐ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክምርቐካስ ሃዲንካ ጥዑም ብልዒ ኣሰናዲኻ ኣምፅአለይ’ ኢሉ እንትዛረቦ ሰሚዐዮ ኣለኹ።
8
ሕዚ ድማ ወደይ! ከምቲ ኣነ ዝእዝዘካ ግበር።
9
ናብተን መጓሰ ኼድካ፥ ክልተ ፅቡቓት መሓስእ ኣምፅአለይ። ኣነ ኸዓ ንኣኣተን ከምቲ ኣቦኻ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ገይረ ኸሰናድወሉ እየ።
10
ንሱ ድማ በሊዑ፥ ቅድሚ ሞቱ ምእንቲ ኽምርቐካስ፥ ነቦኻ ኽተቕርበሉ ኢኻ” በለቶ።
11
ያእቆብ ከዓ ንኖኡ ርብቃ “እንሆ፥ ሓወይ ኤሳው ፀጓር ሰብ እዩ፤ ኣነ ግና ቘርበተይ ልሙፅ ሰብ እየ።
12
ምናልባሽ ኣቦይ እንተ ዳህሰሰኒሞ፥ ከም ዘላገፅኩሉ ኾይነ ኸይርከብ፤ ኣብ ልዕለይ ከዓ ኽንዲ ምርቓ፥ መርገም ከየምፅአለይ” በላ።
13
እኖኡ ድማ “ኣነ ዝብለካ ጥራሕ ግበር፤ ኬድካ ነተን መሓስእ ኣምፅአለይ እምበር መርገምካስ ኣባይ ይብፃሕ” በለቶ።
14
ከይዱ ድማ ኣምፅአ፤ ንኖኡውን ሃባ፤ እኖኡ ኸዓ ኸምቲ ኣቦኡ ዝፈትዎ ገይራ ጥዑም ብልዒ ኣሰናደወት።
15
ርብቃ እቲ ምስኣ ኣብ ገዛ ዝነበረ ፅቡቕ ክዳውንቲ ዓብዪ ወዳ ኤሳው ወሲዳ፥ ነቲ ንእሽተይ ወዳ ንያእቆብ ከደነቶ።
16
ኣብ ኣእዳዉን ኣብቲ ልሙፅ ክሳዱን ድማ ቘርበት እተን መሓስእ ገበረትሉ።
17
ሽዑ ነቲ ጥዑም ብልዕን ነቲ ዝሰንከተቶ እንጀራን፥ ንወዳ ያእቆብ ኣብ ኢዱ ሃበቶ።
18
ያእቆብ ናብ ኣቦኡ ኣትዩ “ኣቦይ!” በሎ። ይስሓቅ ድማ “እኒሀኹ ወደይ፤ ንስኻ መን ኢኻ?” በሎ።
19
ያእቆብ ድማ ነቦኡ “ኣነ ኤሳው በዅሪ ወድኻ እየ። ከምቲ ዝበልካኒ ገይረ እኒሀኹ፤ ተስእ ቅንዕ ኢልካውን ተቐመጥ፤ ነፍስኻ ምእንቲ ኽትምርቐኒ ኸዓ ኻብዝ ዝሃደንክዎ ብላዕ” በሎ።
20
ይስሓቅ ከዓ ንወዱ “ወደይ፥ ከመይ ኢልካ ኽንድዙይ ብቕልጡፍ ረኺብካ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናባይ ስለዘቕረቦ እዩ” ኢሉ መለሰሉ።
21
ይስሓቅ ከዓ ንያእቆብ “ወደይ! ብሓቂ ንስኻ ወደይ ኤሳው እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ኽድህስሰካ ናባይ ቅረብ” በሎ።
22
ያእቆብ ድማ ናብ ኣቦኡ ይስሓቅ ቀረበ። ዳህሲሱ ኸዓ፥ “ድምፅኻ ድምፂ ያእቆብ ይመስል፤ ኣእዳውካ ግና ኣእዳው ኤሳው እየን” በለ።
23
ንሱ ድማ፥ ኣእዳዉ ኸም ኣእዳው ሓዉ ኤሳው ፀጓራት ነበራ እሞ ኣየለለዮን፤ መረቖውን።
24
“ብሓቂዶ ንስኻ ወደይ ኤሳው ኢኻ?” ድማ ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “ኣነ እየ” ኢሉ መለሰሉ።
25
“ነፍሰይ ምእንቲ ኽትምርቐካስ፥ ካብቲ ዝሃደንካዮ ኽበልዕ ኣቕርበለይ” በሎ። ንሱ ኸዓ ኣቕረበሉ፤ በልዐ ድማ፤ ወይኒ እውን ሃቦ እሞ ሰተየ።
26
ኣቦኡ ይስሓቅ ድማ “ወደይ፥ ቀሪብካ ሰዓመኒ” በሎ።
27
ንሱ ኸዓ ቐሪቡ ሰዓሞ። ይስሓቅ ድማ ጨና ኽዳኑ ኣጫንዩ፥ ከምዙይ እናበለ መረቖ፦ “እንሆ፥ መዓዛ ወደይ ከም መዓዛ እታ እግዚኣብሄር ዝባረኻ ግራት እዩ፤
28
እግዚኣብሄር ከዓ ጠሊ ሰማይን ስብሒ ምድርን፥ ብዝሒ እኽልን ወይንን ይሃብካ።
29
ኣህዛብ ይገዝኡኻ፤ ህዝብታት ድማ ይስገዱልካ፤ ጐይታ ኣሕዋትካ ኹን፤ ደቂ እኖኻ ድማ ይስገዱልካ። ዝረግመካ ርጉም፥ ዝምርቐካ ምሩቕ ይኹን” በሎ።
30
ይስሓቅ ንያእቆብ መሪቑ ምስ ወድአ፥ ያእቆብውን ካብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሓቅ ውፅእ ምስ በለ፥ ሓዉ ኤሳው ካብ ሃደን ኣተወ።
31
ንሱውን ጥዑም ብልዒ ኣሰናድዩ፥ ናብ ኣቦኡ ኣምፅአ፤ ነቦኡ ድማ “ኣቦይ! ምእንቲ ነፍስኻ ኽትምርቐንስ፥ ተስእ እሞ ኻብቲ ኣነ ወድኻ ዝሃደንክዎ ብላዕ” በሎ።
32
ኣቦኡ ይስሓቅ ከዓ “ንስኻኸ መን ኢኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ድማ “ኣነ ኤሳው በዅሪ ወድኻ እየ” ኢሉ መለሰ።
33
ሽዑ ይስሓቅ የመና ደንገፀ እሞ፥ “እቲ ሃዲኑ ዝብላዕ ዘምፅአለይ፥ ኣነ ኸዓ ገና ንስኻ እንተይመፃእኻ፥ በሊዐ ዝመረቕክዎ ደኣ መን እዩ? ምሩቕ ድማ ክኸውን እዩ” በለ።
34
ኤሳው ቃል ኣቦኡ ምስ ሰምዐ፥ የመና ዓው ኢሉ መሪር ብኽያት በኸየ፤ ነቦኡ ኸዓ “ኣቦይ! ንኣይውን መርቐኒ” በሎ።
35
ይስሓቅ ድማ “ንምርቓኻስ ሓውካ መፂኡ ብተንኰል ወሲድዎ” በሎ።
36
ኤሳው ከዓ “ያእቆብ ክልተ ሻዕ ኣሰናኺሉኒ፤ ቅድም ብዅርናይ፥ ሕዚ ኸዓ እንሆ ምርቓይ ወሰደ። ብቐደሙስ እንተ ኾነ ስሙ ያእቆብዶ ኣይኮነን! ንኣይከ ምርቓዶ ኣየትረፍካለይን ኢኻ?” በሎ።
37
ይስሓቅ ከዓ መሊሱ ንኤሳው “እንሆ፥ ንሓውካ ጐይታኻ ገበርክዎ፤ ኵሎም ኣሕዋቱውን ኣገልገልቱ ክኾኑ ሃብክዎ፤ ብስርናይን ወይንን ድማ ኣሀብተምክዎ። ሕዚ እሞ ወደይ፥ ንኣኻ እንታይ ክገብረልካ እየ?” በሎ።
38
ኤሳው ድማ “ኣታ ኣቦይ! ሓንቲ ምርቓ ጥራሕ ድያ ዘላትካ? ንኣይውን እባ መርቐኒ” በሎ። ኤሳውውን ዓው ኢሉ ኽበኪ ጀመረ።
39
ኣቦኡ ይስሓቅ ድማ መሊሱ፦ “እንሆ፥ መነባብሮኻ ኻብ ስብሒ ምድሪ፥ ካብ ላዕሊ ኻብ ዝርከብ ጠሊ ሰማይ ክኸውን እዩ።
40
ብሰይፍኻ ኽትነብር፥ ንሓውካ ድማ ኽትግዛእ ኢኻ፤ ምስ ተቓወምካዮ፥ ኣርዑቱ ኻብ ክሳድካ ኽትድርቢ ኢኻ” በሎ።
41
ኤሳው ድማ ብዛዕባ እቲ ኣቦኡ ንያእቆብ ዝሃቦ ምርቓ፥ ንያእቆብ ተቐየሞ። ኤሳው ከዓ “ብሞት ኣቦይ እንሓዝነሉ ቕንያት ቀሪቡ እዩ እሞ፥ ብድሕሪኡ ንያእቆብ ሓወይ ክቐትሎ እየ” ኢሉ ሓሰበ።
42
ንርብቃ ድማ ሓሳብ ዓብዪ ወዳ ኤሳው በፅሓ። ነቲ ንእሽተይ ወዳ ያእቆብ ከዓ ኣፀዊዓ ኣምፅኣቶሞ “እንሆ ኤሳው ሓውካ ኽቐትለካ ይደሊ ኣሎ።
43
ሕዚ ኸዓ፥ ወደይ! ኣነ ዝብለካ ግበር፤ ተስእ እሞ ናብ ሓወይ ላባ፥ ናብ ምድሪ ካራን ህደም።
44
ቍጥዓ ሓውካ ኽሳዕ ዝዝሕል፥ ነቲ ዝገበርካዮ ድማ ኽሳዕ ዝርስዖ፥ ንቑሩብ ጊዜ ምስ ላባ ተቐመጥ፤ ሽዑ ልኢኸ ኻብኡ ኸምፅአካ እየ። ስለ ምንታይ ንኽልቴኹም ብሓንቲ መዓልቲ ዝስእነኩም?” በለቶ።
46
ርብቃ ኸዓ ንይስሓቅ “ብሰንኪ ኣጓላት ኬጢ ምንባረይ ፀላእኹ። ያእቆብ ካብ ኣጓላት ኬጢ፥ ካብ ኣጓላት እዛ ሃገር እዚኣ፥ ከምዚኣተን ዝበለት ሰበይቲ ዘእቱ እንተ ኾይኑ ብህይወት ምንባር ንኣይ እንታየይ እዩ?” በለቶ።
← Chapter 26
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 28 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50