bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
/
Genesis 3
Genesis 3
Amharic Tigrinya (መፅሓፍ ቅዱስ)
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 4 →
1
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ኵሉ ዝፈጠሮ ኣራዊት ምድሪ፥ ተመን የመና ጐራሕ ነበረ። ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ብሓቂዶ እግዚኣብሄር ‘ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ’ ኢሉ ኣዚዙኩም እዩ?” ኢሉ ጠየቓ።
2
እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ተመን “ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኦም ንበልዕ ኢና።
3
ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእኸል ገነት ዘላ ኦም ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ‘ከይትሞቱስ፥ ካብኣ ኣይትብልዑ፤ ኣይትንክእዋውን’ ኢሉና እዩ” በለቶ።
4
እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ “እግዚኣብሄርስ በታ ኻብኣ ብትበልዑላ መዓልቲ፥ ኣዒንትኹም ከም ዝኽፈታ፥ ከም እግዚኣብሄርውን ከም እትኾኑ፥ ፅቡቕን ክፉእን ከዓ ኸም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ ‘ኣይትብልዑ’ ዝበለኩም እምበር ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በላ።
6
እታ ሰበይቲ ድማ፥ እታ ኦም ንዐይኒ ፅብቕቲ፥ እቲ ፍረኣ ንምብላዑ ዘብህግ፥ ጥበብ ብምሃብውን ሰናይ ምዃና ሪኣ፥ ካብታ ፍረ ኦም ወሲዳ በልዐት፤ ንሰብኣያውን ሃበቶ፤ ንሱውን ምስኣ በልዐ።
7
ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፈታ፤ ጥራሖም ምዃኖም ድማ ፈለጡ። ቈፅሊ በለስ ሰፍዮም ከዓ ኣገልደሙ።
8
ኣጋ ምሸት ምስ ኮነ ድማ፥ ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ገነት እንትመላለስ ሰምዑ። ኣዳምን ሰበይቱን ከዓ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ገነት ተሓብኡ።
9
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳም ፀዊዑ “ኣበይ ኣለኻ?” በሎ።
10
ንሱ ኸዓ “ድምፅኻ ኣብ ገነት ሰማዕኹ፤ ጥራሐይ ስለ ዝኾንኩ ድማ ፈሪሐ ተሓባእኹ” ኢሉ መለሰሉ።
11
ንሱ ድማ “ጥራሕኻ ምዃንካ መን ነገረካ? ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕኻ ኢኻ?” በሎ።
12
ኣዳም ከዓ “እዛ ምሳይ ክትከውን ዝሃብካኒ ሰበይቲ፥ ካብታ ፍረ ኦም ሂባትንስ በሊዐ” በለ።
13
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲ “እዝ ዝገበርክዮ እንታይ እዩ?” በላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ “እቲ ተመን ኣስሒቱኒ እየ ዝበላዕኹ” በለት።
14
ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ተመን፦ “እዙይ ስለ ዝገበርካ፥ ካብ ኵሉ እንስሳን ኣራዊት ምድርን ርጉም ኩን። ብኸብድኻ ኺድ፤ ኵሉ ዘመን ህይወትካ ድማ ሓመድ ክትበልዕ ኢኻ።
15
ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፥ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ፅልኢ እተክል ኣለኹ። ንሱ ርእስኻ ኽቕጥቅጥ እዩ፤ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ።
16
ነታ ሰበይቲ ኸዓ “ኣብ ወርሓት ጥንስኺ ንመከራኺ ኸብዝሖ እየ፤ ብፃዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፤ ምስ እዙይውን ድሌትኪ ናብ ሰብኣይኪ ክኸውን እዩ፤ ንሱውን ክመልከኪ እዩ” በላ።
17
ንኣዳም ከዓ “ቃል ሰበይትኻ ሰሚዕኻ፥ ካብታ ‘ካብኣ ኣይትብላዕ’ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕኻ፥ ምድሪ ብሰንክኻ ርግምቲ ትኹን። ብዅሉ ዘመን ህይወትካ እንጀራኻ ኻብኣ ብፃዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ።
18
ምድሪ እሾዅን ኣሜከላን ተብቍለልካ፤ በቝሊ በረኻ ድማ ኽትበልዕ ኢኻ።
19
ናብታ ዝተፈጠርካላ መሬት ክሳዕ እትምለስ፥ እንጀራኻ ብረሃፅካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻሞ፥ ናብ መሬት ከዓ ኽትምለስ ኢኻ” በሎ።
20
ኣዳም ድማ ንሰበይቱ፥ እኖ ዅሎም ህያዋን ስለ ዝኾነት “ሄዋን” ኢሉ ሰመያ።
21
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ካብ ቈርበት ክዳን ገበረሎም፤ ከደኖምውን።
22
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ “እንሆ፥ ኣዳም ፅቡቕን ክፉእን ብምፍላጥ ካባና ኸም ሓደ ኾነ። ሕዚ እውን ኢዱ ኸይዝርግሕ፥ ካብ ኦም ህይወት ድማ ወሲዱ ኸይበልዕሞ ንዘለኣለም ህያው ኮይኑ ኸይነብር” ኢሉ ኻብ ገነት ኣውፅኦ።
23
ስለዙይ ነታ ዝተፈጠረላ ምድሪ ምእንቲ ኸልምዓ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኣዳም ካብ ገነት ኤደን ኣውፅኦ።
24
ምስ ኣውፅኦ ድማ፥ ነታ ናብ ኦም ህይወት እትወስድ መንገዲ ዝሕልዉ ኪሩቤልን፥ እትጋላበጥን እተንበልብል ሰይፍን፥ ብወገን ምብራቕ ገነት ኤደን ኣቐመጠ።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50