bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ezekiel 1
Ezekiel 1
Amharic Tigrinya 2011
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 2 →
1
ኰነ ድማ፡ ኣብ መበል ሰላሳ ዓመት፡ ኣብታ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ሓምሰይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ርባ ኬባር ኣብ ማእከል እቶም ምንሩኻት ከሎኹ፡ ሰማያት ተኸፍቱ፡ ራእይ እግዚኣብሄርውን ርኤኹ።
2
ኣብ ሓምሳይ መዓልቲ ናይቲ ወርሒ ኻብቲ ንጉስ ዮኣቂን እተማረኸሉ ኣብ ሓምሳይ ዓመቱ፡
3
ቃል እግዚኣብሄር ናብቲ ኻህን ህዝቅኤል ወዲ ቡዚ፡ ኣብ ሃገር ከለዳውያን፡ ኣብ ርባ ኬባር መጸ። ኣብኡ ኸኣ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረት።
4
እንሆ ኸኣ፡ ካብ ሰሜን ህቦብላ ንፋስ፡ ብርቱዕ ደበና ምስናይ ሃልሃልታ ሓዊ፡ ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ጸዳል ብርሃን ኪመጽእ ከሎ ርኤኹ። ከም ፊሕፊሕ ዚብል ኣስራዚ ድማ ካብ ማእከሉ፡ ካብ ማእከል እቲ ሓዊ ወጸ።
5
ካብቲ ማእከሉ ኸም መልክዕ ኣርባዕተ እንስሳ ወጸ። ትርኢቶም ድማ እዚ እዩ፡ ሰብ የምሰልስሉ።
6
ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽ፡ ነፍሲ ወከፎም ድማ ኣርባዕተ ኽንፊ ነበሮ።
7
ኣእጋሮም ትኽ ዝበለ ኣእጋር ነበረ፡ ከብዲ እግሮም ከኣ ከም እግሪ ሸኾና ምራኽ ነበረ፡ ከም ርሱን ኣስራዚ ኸኣ ፊሕፊሕ ይብል ነበረ።
8
በርባዕተ ወገኖም ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ኢድ ሰብ ነበሮም፡ ኣርባዕቲኦም ገጽን ክንፍን ነበሮም።
9
ኣኽናፎም ነንሓድሕደን ግጡማት እየን። ኪኸዱ ኸለዉ ኣይምለሱን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ ነበረ።
10
ምስሊ ገጾም ገጽ ሰብ ይመስል። ኣርባዕቲኦም ከኣ በቲ የማናይ ወገኖም ገጽ ኣንበሳ፡ ኣርባዕቲኦም ድማ በቲ ጸጋማይ ወገኖም ገጽ ብዕራይ፡ ኣርባዕቲኦምውን ገጽ ንስሪ ነበሮም።
11
ብላዕሊ ኸኣ ገጾምን ኣኽናፎምን ፍሉይ ነበረ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ክንፊ፡ እታ ሓንቲ ምስታ ናይቲ ሓደ እትላገብ፡ እተን ክልተ ድማ ንስጋኦም ዚኸድና እየን።
12
ነፍሲ ወከፎም ኣቕኑዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ፡ እቲ መንፈስ ናብ ዝኸዶ ይኸዱ፡ ኪኸዱ ኸለዉ ድማ ኣይምለሱን ነበሩ።
13
ትርኢት እቶም እንስሳ ኸም ጒሁር ሓውን ከም ዚነድድ ሽግን ነበረ፡ እቲ ሓዊ ኸኣ ኣብ ማእከል እቶም እንስሳ ይዘውርን የንጸባርቕን ነበረ፡ ካብቲ ሓዊውን በርቂ ይወጽእ ነበረ።
14
እቶም እንስሳ ኸኣ ከም በርቂ ይጐዩን ይምለሱን ነበሩ።
15
እምበኣርሲ ነቶም እንስሳ ኽጥምት ከሎኹ፡ እንሆ፡ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ምድሪ ኣብ ጥቓ እቶም እንስሳ ንነፍሲ ወከፍ በርባዕተ ገጾም ርኤኽዎም።
16
ትርኢት እቲ መንኰራዂርን ኣስራርሓኡን ከም ሕብሪ በሪሎስ ነበረ። ኣርባዕቲኡ ይማሳሰል ነበረ። ትርኢቱን ኣስራርሓኡን ድማ እቲ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰርኰር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ።
17
ኪኸዱ ኸለዉ፡ በርባዕተ ወገኖም ይኸዱ፡ ምስ ዚኸዱ ድማ ኣይምለሱን ነበሩ።
18
እቲ ኽቦም ከኣ ነዊሕን መፍርህን ነበረ። ኣርባዕቲኦም ድማ ኣብቲ ኣዝዋራ ኽቦም ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ።
19
እቶም እንስሳ ኪኸዱ ኸለዉ፡ እቲ መንኰራዂር በብጥቓኦም ይኸይድ ነበረ። እቶም እንስሳ ኻብ ምድሪ ሓፍ ኪብሉ ኸለዉ፡ እቲ መንኰራዂር ከኣ ሓፍ ይብል ነበረ።
20
ናብቲ እቲ መንፈስ ዝኸዶ ንሳቶምውን ይኸዱ ነበሩ፡ መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንኰራዂር ነበረ እሞ፡ እቲ መንኰራዂር በብጥቓኦም ሓፍ ይብል ነበረ።
21
መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንኰራዂር ስለ ዝነበረ፡ ንሳቶም ኪኸዱ ኸለዉ፡ ይኸይድ፡ ንሳቶም ደው ኪብሉ ኸለዉ፡ ደው ይብል፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ሓፍ ኪብሉ ኸለዉ፡ እቲ መንኰራዂር ከኣ በብጥቓኦም ሓፍ ይብል ነበረ።
22
ኣብ ልዕሊ ኣርእስ እቶም እንስሳ ኸኣ ከም ግሩም ዝዀነ ክሪስታል፡ ጠፈር ሰማይ ዚመስል፡ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ልዕሊ ኣርእስቶም ተዘርጊሒ ነበረ።
23
ኣብ ትሕቲ እቲ ጠፈር ድማ ኣኽናፎም ኣብ መንጽር ነንሓድሕደን ትኽ ኢለን ነበራ። ነፍሲ ወከፎም ድማ ስጋኦም ዚኸድኑሉ ኸኽልተ ኽንፊ ነበሮም።
24
ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ደሃይ ኣኽናፎም ከም ህማም ብዙሕ ማያት፡ ከም ድምጺ እቲ ዂሉ ዚኽእማ፡ ደሃይ ታዕታዕ ከም ደሃይ ሰራዊት ሰማዕኩ። ደው ኪብሉ ኸለዉ ኣኽናፎም ይዕዂልሉ ነበሩ።
25
ካብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበር ጠፈር ድማ ድምጺ ተሰምዔ። ደው ኪብሉ ኸለዉውን ኣኽናፎም ይዕዂልሉ ነበሩ።
26
ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ከኣ እምኒ ሰፊሮስ ዚመስል ምስሊ ዝፋን ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፋን ዚመስል ድማ ኣርኣያ ሰብ ዚመስል ተቐመጠ።
27
ካብቲ ሕቚኡ ዚመስል ሒዙ ንላዕሊ፡ ርሱን ኣስራዚ ዝሕብሩ፡ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ውሽጥን ዙርያኡን ርኤኹ። ካብቲ ሕቚኡ ዚመስል ንታሕቲ ኸኣ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ርኤኹ፡ ኣብ ዙርያኡውን ባና ብርሃን ከቢብዎ ነበረ።
28
ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም ኣብ ደበና ዚኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፡ ከምኡ ትርኢት ባና እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ። ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ። ምስ ርኤኽዎ ኸኣ ብገጸይ ወደቕኩ፡ ድምጺ ሓደ ዚዛረብውን ሰማዕኩ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48