bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ezekiel 12
Ezekiel 12
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 11
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 13 →
1
ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
2
ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንስኻስ ኣብ ማእከል ዓላዊት ቤት ትነብር ኣሎኻ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ኣዒንቲ ንምርኣይ ዘለዎም፡ ዘይርእዩ፡ ኣእዛን ከኣ ንምስማዕ ዘለዎም፡ ዘይሰምዑ እዮም።
3
ስለዚ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ከም ስደተኛ ዄንካ ተበትብ ኣዳሉ እሞ ኣብ ቅድሚኦም ብመዓልቲ ተበገስ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ምናልባሽ እንተ ኣስተንተኑ፡ ኣብ ቅድሚኦም ካብ ስፍራኻ ናብ ካልእ ስፍራ ጒዐዝ።
4
ከምቲ ተበትብ ስደት፡ ንተበትብካ ኣብ ቅድሚኦም ብመዓልቲ ኣውጽኣዮ። ከምቲ ንስደት ዚወጽእ ሰብ ኴንካ፡ ኣብ ቅድሚኦም ምሸት ውጻእ።
5
ኣብ ቅድሚኦም ነቲ መንደቕ ኣንኲሎ፡ ብእኡ ድማ ኣውጽኣዮ።
6
ኣብ ቅድሚኦም ኣብ መንኲብካ ጹሮ፡ ምስ ጸልመተ ድማ ኣውጽኣዮ። ንቤት እስራኤል መመሰሊ ገይረካ እየ እሞ፡ ነዛ ምድሪ ምእንቲ ኸይትርእያ። ገጽካ ተዐመት።
7
ከምቲ ዝኣዘዘኒ ገበርኩ፡ ንተበትበይ፡ ከም ተበትብ ስደት ገይረ፡ ብመዓልቲ ኣውጻእክዎ፡ ምሸት ከኣ ነቲ መንደቕ ብኢደይ ኣንኰልክዎ። ምስ ጸልመተ ድማ፡ ኣብ መንኲበይ ጾይረ ኣብ ቅድሚኦም ኣውጻእክዎ።
8
ንጽብሒቱ ኸኣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡
9
ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቤት እስራኤል፡ እዛ ዓላዊትሲ ቤትሲ፡ እንታይ ደኣ እዩ እትገብሮ ዘሎኻ ኢላዶ ኣይተዛረበትካን
10
እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ፡ እዚ ጾር እዚ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ መስፍንን ነቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ዂሎም ቤት እስራኤልን እዩ፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፡
11
በልውን፡ ኣነ ምሳሌኹም እየ። ከምቲ ኣነ ዝገበርክዎ፡ ከምእች ኺገብርዎም እዮም፡ ንሳቶም ብስደት ናብ ምርኮ ኪኸዱ እዮም።
12
እቲ ኣብ ማእከሎም ዘሎ መስፍን፡ ኣብ መንኲቡ ጾይሩ፡ ምስ ጸልመተ ኺወጽእ እዩ። ምእንቲ ኼውጽእዎስ፡ ነቲ መንደቕ ኬንኲልዎ እዮም። ነታ ምድሪ በዒንቱ ኸይርእያ ድማ ገጹ ኺዕመት እዩ።
13
መርበበይ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ እዝርግሓሉ፡ ብመፈንጠራይ ድማ ይተሐዝ። ናብ ባቢሎን፡ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ከምጽኦ እየ፡ ግናኸ ኣብኣ ኺመውት ክነሱስ ኣይኪርእያን እዩ።
14
ንዂላቶም ኪሕግዝዎ ኢሎም ዚኸብዎን ንዂሎም ሰራዊቱን ናብ ኲሉንፋሳት ፋሕ ከብሎም፡ ሰይፈይ ድማ ደድሕሪኦም ክመዝዝ እየ።
15
ኣብ ምእከል ህዝብታት ምስ ዘሮኽዎምን ኣብ ማእከል ሃገራት ፋሕ ምስ ኣበልክዎምን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
16
ካባታቶም ግና ኣብቶም ዚመጽዎም ህዝብታት ኲሉ ፍንፋን ነገሮም ምእንቲ ኼዘንትዉስ፡ ካብ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ሒዶት ከትርፍ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።
17
ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
18
ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንጌራኻ ራዕራዕ እናበልካ ብላዕ፡ ማይካ ኸኣ ብፍርሃትን ብሰንፈላልን ስተ።
19
ንህዝቢ እዛ ሃገር እዚኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ሃገር እስራኤልን ዚነብሩስ፡ ሃገሮም ብሰሪ ዓመጽ ኲሎም እቶም ዚነብርዋ፡ ምስቲ ኣብኣ ዘሎ ኽትባድም እያ እሞ፡ እንጌራኦም ብሰንፈላል ኪበልዑ፡ ማዮም ድማ እናስካሕክሑ ኺሰትዩ እዮም። እዘን ሰብ ዚነብረለን ዘሎ ኸተማታት ኪዐንዋ እየን፡ እታ ሃገር ድማ ክትባድም እያ፡ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።
20
ንህዝቢ እዛ ሃገር እዚኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ሃገር እስራኤልን ዚነብሩስ፡ ሃገሮም ብሰሪ ዓመጽ ኲሎም እቶም ዚነብርዋ፡ ምስቲ ኣብኣ ዘሎ ኽትባድም እያ እሞ፡ እንጌራኦም ብሰንፈላል ኪበልዑ፡ ማዮም ድማ እናስካሕክሑ ኺሰትዩ እዮም። እዘን ሰብ ዚነብረለን ዘሎ ኸተማታት ኪዐንዋ እየን፡ እታ ሃገር ድማ ክትባድም እያ፡ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።
21
ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡
22
ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ሃገር እስራኤል፡ ዘመን ይነውሕ፡ ራእይ ዘበለ ዂሉውን ይጠፍእ ኣሎ፡ ኢልኩም እትምስሉስ እንታይ ምስላኡ እዩ እዚ
23
ስለዚ በሎም፡ ከምዚ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነዚ ምስላ እዚ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፡ ኣብ እስራኤል ከኣ መሊሶም ኣይኪምስልዎን እዮም። ንስኻ ግና፡ ዘመንን መፈጸምታ ዂሉ ራእይን ይቐርብ ኣሎ፡ ኢልካ ደኣ ንገሮም።
24
ስለዚ ኣብ ማእከል ቤት እስራኤል ድሕርዚ ኸንቱ ራእይን ሓሳዊ ትንቢትን ኣይኪኸውንን እዩ።
25
ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ኣነ እየ ዝዛረብ። እቲ ዝዛረቦ ቓል ከኣ ኪፍጸም ኣይኪድንጒን ድማ እዩ። ኣቱም ዓላዊት ቤት፡ ብዘመንኩም ቃል እዛረብ፡ እገብሮውን ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
26
ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡
27
ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንሆ፡ ቤት እስራኤልሲ፡ እቲ ዚርእዮ ራእይ ንዚመጽእ ነዊሕ ዘመን እዩ፡ ንርሑቕ ዘሎ ግዝያት ድማ እዩ ዚንበ ዘሎ፡ ይብሉ ኣለዉ።
28
ስለዚ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ድሕርዚ ኻብተን ቃላተይሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትድንጒን እያ። እታ እተናገርክዋ ቓል ከኣ ክትፍጸም እያ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኢልካ ንገሮም።
← Chapter 11
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 13 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48