bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ezekiel 8
Ezekiel 8
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 7
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 9 →
1
ኰነ ድማ፡ ኣብ ሳድሰይቲ ዓመት፡ ኣብታ ሳድሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብ ሓምሰይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ቤተይ ተቐሚጠ ኸሎኹ፡ እቶም ዓበይቲ ይሁዳውን ኣብ ቅድመይ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ኣብኡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ ወረደት።
2
ሽዑ ርኤኹ፡ እንሆ፡ ትርኢት ሓዊ ዚመስል ምስሊ፡ ካብቲ ምስሊ ሕቚኡ ንታሕቲ ሓዊ፡ ካብ ሕቚኡ ንላዕሊ ድማ ድሙቕ ብርሃንን ዜንጸባርቕ ኣስራዝን ዚመስል እዩ።
3
ንሱ ኸኣ ኢድ እትመስል ዘርግሔ፡ ብጸጒሪ ርእሰይ ድማ ሐዘኒ፡ መንፈስውን ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኣልዐለኒ፡ ብራእይ ኣምላኽ ድማ ናብ የሩሳሌም ወሰደኒ፡ ናብቲ ውሽጣዊ ኣጸድ፡ በቲ ንሰሜን ኣቢሉ ዜርኢ ኣፍደገ፡ ናብቲ እቲ ንቕንኣት ዜለዓዕል ምስሊ ቕንኣት ዝነበሮ ኣምጽኣኒ።
4
እንሆ ኸኣ፡ ከምቲ ኣብ ጐልጐል ዝርኤኽዎ ትርኢት፡ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ኣብኡ ነበረ።
5
ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ወገን ሰሜን ኣቢልካ ኣዒንትኻ ኣልዕል፡ በለኒ። ኣነ ኸኣ ናብ ሰሜን ኣቢለ ኣዒንተይ ኣልዐልኩ። እንሆ ድማ፡ ኣብ ሰሜን እቲ ደገ መሰውኢ ኣብቲ መእተዊ፡ እቲ ምስሊ ቕንኣት ነበረ።
6
ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቲ ዚገብርዎ ዘለዉ ትርኢዶ ኣሎኻ ኣነ ኻብ ቤት መቕደሰይ ምእንቲ ኽርሕቕ ኢሎም እቲ ቤት እስራኤል ኣብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ዓብዪ ጽያፍዶ ትርኢ ኣሎኻ ኤረ ገና ኻብዚ ዚዐቢ ጽያፍውን ክትርኢ ኢኻ፡ በለኒ።
7
ንሱ ኸኣ ናብ ደገ እቲ ኣጸድ ወሰደኒ፡ እንሆውን ኣብቲ መንደቕ ሓደ ነዃል ርኤኹ።
8
ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቲ መንደቕ ኲዐቶ፡ በለኒ። ነቲ መንደቕ ምስ ኰዐትክዎ ድማ፡ እንሆ፡ ኣፍ ደገ ረኸብኩ።
9
ንሱውን፡ እቶ እሞ ነቲ ኣብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ሕሱም ጽያፍ ርኣዮ፡ በለኒ።
10
ኣቶኹን፡ እንሆ ኸኣ፡ ብዙሕ ምስሊ እቶም ዜጸይፉ ለመም ዚብሉን ርኹሳት እንስሳን ኲሎም ጣኦታት ቤት እስራኤልን ኣብ ወሰነወሰን እቲ መንደቕ ተስኢሉ ነበረ።
11
ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ሰብዓ ሰብኣይ ካብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል፡ ኣብ ማእከሎም ድማ የኣዛንያ ወዲ ሻፋን ቈይሙ፡ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፎም ድማ ጽንሃህ ሒዞም፡ ኣብኡ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ መኣዛ ዕጣንውን ዑብ ኢሉ ወጸ።
12
ሽዑ ንሱ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ዓበይቲ ቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣይርእየናን፡ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሐዲግዋ እዩ፡ ኢሎምሲ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ጸልማት ኣብ ሸሽር ጓና ምስልታቶም ኰይኖም ዚገብርዎ ዘለዉዶ ርኢኻዮም ኣሎኻ፡ በለኒ።
13
ንሱ ኸኣ፡ ኤረ ኻብዚ ዚገድድ ዚገብርዎ ዘለዉ ጽያፍውን ክትርኢ ኢኻ፡ በለኒ።
14
ናብቲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዘሎ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ወሰደኒ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ ኣንስቲ ተቐሚጦን ንተሙዝ ይበኽያሉይ ነበራ።
15
ሽዑ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ርኢኻዮዶ ገና ኻብዚ ዚገድድ ርኽሰትውን ክትርኢ ኢኻ፡ በለኒ።
16
ናብቲ ውሽጣዊ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ወሰደኒ። እንሆ ኸኣ፡ ኣብቲ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ገበላን መሰውእን ኣስታት ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኣይ ዝባኖም ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር፡ ገጾም ድማ ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ነበሩ። ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ንጸሓይ ይሰግዱ ነበሩ።
17
ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ርኢኻዶ ነታ ሃገር ብዓመጽ መሊኦምዋ፡ መመሊሶም ድማ ኲራይ ዘለዓዕሉስ፡ ቤት ይሁዳ እዚ ኣብዚ ዚገብርዎ ዘለዉ ጽያፍዶ ውሒድዎም እዩ እንሆ፡ ንሳቶም ጨንፈር ኣብ ኣፍንጫኦም የቕርቡ ኣለዉ፡ በለኒ።
18
ስለዚ ኣነ ድማ ብነድሪ ኽገብር እየ፡ ዓይነይ ኣይክትንሕፍን እያ፡ ኣይክርሕርሕን ከኣ እየ፡ ኣብ እዝነይ ዓው ኢሎም እንተ ጨርሑ እኳ ኣይክሰምዖምን እየ።
← Chapter 7
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 9 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48