bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ezekiel 6
Ezekiel 6
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 5
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 7 →
1
ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
2
ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ኣኽራን እስራኤል ኣቕንዓዮ እሞ ተነበየለን፡
3
በልውን፡ ኣትን ኣኽራን እስራኤል፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዓ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነኽራንን ንዂርባታትን ንሽንጭሮታትን ንለሴታትን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እኔኹ ኣነ፡ እወ ኣነ ሰይፊ ኸም ጽኣልኩም፡ ነቲ በረኽቲ ስፍራታትኩም ከጥፍኦ እየ።
4
መሰውኢታትኩም ኪፈርስ፡ እቲ ናይ ጸሓይ ኣዕኑድኩም ድማ ኪሰባበር፡ ነቶም ውጉኣትኩም ከኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ጣኦታትኩም ከውድቖም እየ።
5
ንሬሳታት ደቂ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ጣኦታቶም ከንብሮ፡ ኣዕጽምትኹም ድማ ኣብ ዙርያ መሰውኢታትኩም ክዘርዎ እየ።
6
መሰውኢታትኩም ምእንቲ ኺባድምን ኪዖኑን፡ ጣኦታትኩም ከኣ ኪስበርን ኪጠፍእን፡ ናይ ጸሓይ ኣዕኑድኩም ድማ ኪፍለጽ፡ ስራሕኩም ምእንቲ ኺድምሰስ፡ ንስኻትኩም ኣብ እትነብሩሉ ዘበለስ እተን ከተማታት ኪዖንዋ እየን፡ እቲ በረኽቲ ቦታታት ከኣ ኪፈርስ እዩ።
7
ተወጊኦም ዚሞቱ ኣብ ማእከልኩም ኪወድቁ እዮም፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
8
ኣብ ሀሃገሩ ፋሕ ምስ በልኩም ግና፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ሓያሎ ኺህልዉኹም እዮም፡ በዚ ኸምዚ ትርፊ ኽሐድገልኩም እየ።
9
እቶም ዘምለጡ ሰብኩም ከኣ ነቲ ኻባይ ዝዘምበለ ዘማዊ ልቦምን፡ ነተን ኪዝምዋ ደድሕሪ ጣኦታቶም ዚኸዳ ኣዒንቶምን ምስ ሰባበርኩ፡ ኣብቲ ዘማረኽክዎም ኣብ ማእከል ህዝብታት ኰይኖም ኪዝክሩኒ እዮም። በቲ ብዂሉ ጽያፎም ዝገበርዎ እኩይ ከኣ ንርእሶም ኪፍንፍኑ እዮም።
10
ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኸኣ ኪፈልጡ እዮም። እዚ መዓት እዚ ኸምጽኣሎም እየ ኢለ እተዛረብክዎ ብኸንቱ ኣይኰነን።
11
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ኪወድቁ እዮም እሞ፡ ብኢድካ ኣጣቕዕ፡ ብእግርኻ ኸኣ ኰርደብ ደብ በል፡ ብዛዕባ ናይ ቤት እስራኤል ኲሉ እኩይ ጽያፍ ድማ፡ እየ፡ ወዮ፡ በል።
12
እቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ብፌራ ኺመውት፡ እቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ኸኣ ብሰይፊ ኺወድቕ፡ እቲ ዝተረፈን ተኸቢቡ ዘሎን ድማ ብጥሜት ኪመውት እዩ። በዚ ኸምዚ ቊጥዓይ ኣባታቶም ክፍጽም እየ።
13
እቶም ውግኣቶም ኣብ ማእከል ጣኦታቶም ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶም፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ በረኽቲ ዂድዂዶታት፡ ኣብ ኲሉ ርእሲ ኣኽራን፡ ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልሙዕ ገረብ፡ ኣብ ትሕቲ ዂሉ ብርቱዕ ቈጽሊ ዘለዎ ኣውሒ፡ ኣብ ማእከል እቲ ንዂሎም ጣኦታቶም ጥዑም መኣዛ ዝዐጠኑሉ ስፍራ ምስ ኰኑ፡ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
14
ኣነ ኸኣ ኢደይ ክዝርግሓሎም እየ፡ ነታ ሃገር ድማ፡ ኣብ እተቐመጡ እኳ እንተ ተቐመጡ፡ ካብ በረኻ ዲብላታ እትገድድ ባዶን ጽምዋን ክገብራ እየ። ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
← Chapter 5
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 7 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48