bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ezekiel 25
Ezekiel 25
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 24
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 26 →
1
ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡
2
ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ደቂ ዓሞን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየሎም።
3
ንደቂ ዓሞን ከኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑ፡ ከምዚ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኢልካ ንገሮም፡ መቕደሰይ ስለ ዝረኸሰት፡ ሃገር እስራኤል ስለ ዝባደመት፡ ቤት ይሁዳ ስለ እተማረኹ ኣሰይ፡ ኣሰይ ኢልካ ኢኻ እሞ፡
4
ስለዚ እንሆ፡ ንደቂ ምብራቕ ርስቶም ክትከውን፡ ድንኳናቶም ኪተኽሉልካ። ኣብ ማእከልካውን ሰፈሮም ኪሰርሑ ኽውፍየካ እየ። ንሳቶም ፍሬኻ ኺበልዑ፡ ጸባኻውን ኪሰትዩ እዮም።
5
ንራባት መጓሰዪ ኣግማል፡ ንደቂ ዓሞን ከኣ ደምበ ኣባጊዕ ክገብሮም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም።
6
እግዚኣብሄር ኣምላክ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በእዳውካ ስለ ዘጣቓዕካ፡ በእጋርካ ኰርደብደብ ስለ ዝበልካ፡ ብኵሉ ነፍስኻ ንዒቕካያ ብሃገር እስራኤል ስለ እተሐጐስካ፡
7
ስለዚ እንሆ፡ ኢደይ ኣባኻ እዝርግሕ ኣሎኹ እሞ፡ ዘመተ ኣህዛብ ክትከውን ክውፍየካ፡ ካብ ህዝብታት ከጽንተካ፡ ካብ ሃገራት ከጥርሰካ፡ ከጥፍኣካውን እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጥ ኢኻ።
8
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሞኣብን ሰዒርን፡ እንሆ፡ ቤት ይሁዳስ ከም ኲላቶም ህዝብታት እዮም፡ ይብሉ ኣለዉ እሞ፡
9
ስለዚ እንሆ፡ ኣነ ንግድሚ ሞኣብ ብወገን ከተማታት ካብተን ብዂሉ ኸባቢኣ ዘለዋ ኸተማታታ፡ ክቡራት እታ ሃገር፡ እኒ ቤትየሺሞት፡ በዓልመዖን፡ ቂርያታይም ክኸፍት እየ።
10
እቶም ደቂ ዓሞን ድሕርዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከይዝከሩስ፡ ነቶም ኣብ ርእሲ ደቂ ዓሞን ዚመጹ ደቂ ምብራቕ ርስቲ ገይረ ኽውፍየን እየ።
11
ኣብ ሞኣብ ፍርዲ ኽገብር እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ኪፈልጡ እዮም።
12
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኤዶም ጨኪኑ ንቤት ይሁዳ ሕነ ብምፍዳዩ፡ በዚ ዝፈደዮ ሕነ እዚ ብርቱዕ በደል በዲሉ ኣሎ እሞ፡
13
ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኢደይ ናብ ኤዶም ክዝርግሕ፡ ሰብን እንስሳን ድማ ካብኣ ኸጽንት እየ። ካብ ቴማን ጀሚረ ጸምጸም በረኻ ኽገብሮ እየ፡ ክሳዕ ዴዳን ከኣ ብሰይፊ ኺወድቁ እዮም፡ ይብል ኣሎ።
14
ኣነ ኸኣ፡ ብኢድ ህዝበይ እስራኤል ገይረ፡ ሕነይ ናብ ኤዶም ከውርዶ እየ። ንሳቶም ንኤዶም ከም ኲራይን ነድረይን ኪገብርዋ እዮም። ምፍዳይ ሕነይውን ኪፈልጡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን ጨኪኖም ሕነ ስለ ዝፈድዩ፡ በቲ ናይ ጥንቲ ጽልኦም ኬጥፍኡ ኢሎምሲ፡ ብነፍሶም ንዒቖም ሕነ ስለ ዝፈደዩ፡
16
ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኢደይ ናብ ፍልስጥኤማውያን ክዝርግሕ፡ ንክረታውያን ከኣ ከጽንቶም፡ ነቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተርፊ ዘሎውን ከጥፍኦ እየ።
17
ብመዓት ነድሪ ኸኣ ብርቱዕ ምፍዳይ ሕነ ኽፈድዮም እየ። ሕነይ ምስ ፈዴኽዎም፡ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
← Chapter 24
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 26 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48