bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ezekiel 31
Ezekiel 31
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 30
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 32 →
1
ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት፡ ኣብታ ሳልሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡
2
ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጽን ነቲ ብዙሕ ህዝቡን፡ ብዕቤትካ ንመን ትመስል ብሎ።
3
እንሆ፡ ኣሶር ጨናፍሩ ዝጽቡቕ፡ ጽላሉ ዝዕሙር፡ ቊመቱ ዝነዊሕ ኦም ሊባኖስ ነበረ። ጫፉ ኸኣ ኣብ ማእከል ዕሙር ጨናፍር ነበረ።
4
ማያት መገቦ፡ መዓሙቚ ኣዕበዮ፡ ውሒዝ ኣብ ዙርያ እቲ ተተኺልዎ ዘሎ ቦታ ወሐዘ፡ መሳኑኡ ድማ ናብ ኲሉ ኣእዋም መሮር ሰደደ።
5
ስለዚ ቝመቱ ኻብ ኲለን ኣእዋም መሮር ተመልመለ፡ ሳላ እቲ ዜዐምሮ ዝነበረ ብዙሕ ማያት፡ ጨናፍሩ በዝሔ፡ ዘፋፍሩ ነውሔ።
6
ኣብቲ ጨንፍሩ ዂለን ኣዕዋፍ ሰማይ ኣባይተን ሰርሓሉ፡ ኣብ ትሕቲ ዘፋፍሩ ድማ ኲሎም እንስሳ መሮር ተዋለዱሉ፡ ኣብ ጽላሉ ኸኣ ኲሎም ዓበይቲ ህዝብታት ይቕመጡሉ ነበሩ።
7
ሱሩ ኣብ ብዙሕ ማያት ነበረ እሞ፡ ብዕቤቱን ብምናሕ ጨናፍሩን ጽቡቕ ነበረ።
8
ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘሎ ኣእዋም ሊባኖስ ኪኽውሎ ኣይከኣለን፡ ጽሕድታት ነቲ ጨናፍሩ ኣይተተኻኸሎን፡ ጸሊሞ እኳ ኸም ጨናፍሩ ኣይነበረን፡ ኣብ ገነት ኣምላኽ ካብ ዘሎ ኦምሲ ሓንቲ እኳ ብጽባቐ ኣይተመዐራረዮን።
9
ኣነ ብብዝሒ ጨናፍሩ ጽቡቕ ገበርክዎ፡ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘለዋ ኣእዋም ኤድን ከኣ ኲላተን ቀንኣሉ።
10
ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብቚመት ክብ ስለ ዝበልካ። ጫፉ ኣብ ማእከል ዕሙር ጨናፍር ስለ ዝገበረ፡ ብምኽንያት ቊመቱ ልቡ ስለ እተዐበየ፡
11
ኣነ ኣብ ኢድ እቲ ሓያል ናይ ህዝብታት፡ ከም ድሌቱ ኺገብሮስ፡ መጦኽዎ። ብሰሪ ረሲእነቱ ደርቤኽዎ።
12
እቶም ጓኖት፡ ናይ ህዝብታት ጨካናት፡ ቈረጽዎን ደርበይዎን። ጨናፍሩ ኣብ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ ርባርባን ወደቐ፡ ጨንገፉ ኣብ ኲሉ ኣጻድፍ እታ ሃገር ተደርቀመ። ኲሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ ካብ ጽላሉ ተዛሕጡ፡ ሐደግዎውን።
13
ኣብ ልዕሊ እቲ ውዱቕ ጒንዲ ዂለን ኣዕዋፍ ሰማይ ተቐመጣ፡ ኲሎም እንስሳ መሮር ድማ ኣብ ጨንገፉ ሰፈሩ።
14
እተን ኣብ ማይ እተተኽላ ዘበላ ኣእዋም ብቚመተን ከይዕበያን፡ ጫፈን ኣብ ማእከል ዕሙር ጨናፍር ከየልዕላን፡ ኲላቶምሲ ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዚወርዱ ዘለዉ ውሉድ ሰብ ንመዓመቚ ምድሪ፡ ንሞት ተወፍዮም እዮም እሞ፡ እተን ማያት ዚሰተያ ዘበላ ዂለን ሓያላት ብትዕቢት ከይቈማስ፡ እዚ ዀነ።
15
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በታ ንሱ ናብ ሲኦል ዝወረደላ መዓልቲ ሰብ ከም ዚቚዝሙ ገበርኩ። ብሰሩ ንመዓሙቚ ኣጐልበብኩ፡ ንወሓይዙ ኸልከልክዎ፡ ዓበይቲ ማያት ተዐግተ፡ ብሰሩ ንሊባኖስ ኣጻለምክዎ፡ ብሰሩ ዂለን ኣእዋም መሮር ሓዘን ኰና።
16
ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዚወርዱ ናብ ሲኦል ምስ ኣውረድክዎ፡ ካብ ደሃይ ምውዳቑ እተላዕለ ንህዝብታት ራዕራዕ ኣበልክዎም። ኲላተን እተን ናይ ሊባኖስ ሔሕሩያትን ጸጽቡቓትን ኣእዋም ኤድን፡ ማይ ዚሰትያ ዝነበራ ዘበላ ዂለን፡ ኣብቲ መዓሙቚ ምድሪ ተጸናንዓ።
17
ንሳቶም ድማ፡ ናብቶም ቅልጽሙ ዀይኖም ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣብ ጽላሉ ተቐሚጦም ዝነበሩ ብሰይፊ እተቐትሉ፡ ምስኡ ናብ ሲኦል ወረዱ።
18
እምብኣረይ፡ ብኽብረትን ዕቤትን ኣብ ማእከል ኣእዋም ኤድንሲ ንመን ኢኻ እትመስል ከምኡ ኸኣ ንስኻ ምስተን ኣእዋም ኤድን ናብ መዓሙቚ ምድሪ ኽትድርበ ኢኻ፡ ኣብ ማእከል እቶም ዘይተገዝሩ ኣብ ማእከል እቶም ሰይፊ ዝቐተሎምውን ክትድቅስ ኢኻ። እዚ ፈርኦንን ኲሎም ህዝብን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
← Chapter 30
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 32 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48