bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ezekiel 10
Ezekiel 10
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 9
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 11 →
1
ሽዑ ጠመትኩ፡ እንሆ ድማ፡ ኣበ ልዕሊ እቲ ርእሲ ኪሩቤል ዘለዉዎ ጠፈር፡ ከም እምኒ ሰፊሮም ኰይኑ፡ ትርኢት ዝፋን ዚመስል ኣብ ልዕሊኦም ተገልጸ።
2
ንሱ ኸኣ ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ሰብኣይ፡ ኣብ መንጎ እቲ መንኰርዂር ኣብ ትሕቲ ኪሩቤል እቶ፡ ካብቲ ኣብ ማእከል ኪሩቤል ዘሎ ነዳዲ ፈሓም ድማ በእዳውካ ሐፊንካ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ንዝሓዮ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱውን እናርኤኽዎ ኣተወ።
3
እቲ ሰብኣይ ኪኣቱ ኸሎ፡ እቶም ኪሩቤል ብወገን የማን እታ ቤት ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ ደበና ኸኣ ነቲ ውሽጣዊ ኣጸድ መልኦ።
4
ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ተላዕለ ናብ ልዳት እታ ቤት ከኣ ኸደ። እታ ቤት ድማ ብደበና መልኤት፡ እቲ ኣጸድውን ብባና ኽብሪ እግዚኣብሄር መሊኡ ነበረ።
5
ህማም ኣኽናፍ ኪሩቤል ከኣ፡ ከም ድምጺ እቲ ዂሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ ዀይኑ፡ ክሳዕ እቲ ግዳማዊ ኣጸድ ተሰምዔ።
6
ኰነ ኸኣ፡ ነቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ሰብኣይ፡ ካብ መንጎ እቲ መንኰራዂር፡ ካብ መንጎ እቲ ኪሩቤል ሓዊ ውሰድ፡ ኢሉ ምስ ኣዘዞ፡ ንሱ ኣተወ ኣብ ጥቓ መንኰራዂር ድማ ቘመ።
7
እቲ ኪሩብ ድማ ካብ መንጎ እቶም ኪሩቤል ናብቲ ኣብ መንጎ ኪሩቤል ዘሎ ሓዊ ኢዱ ዘርጊሑ ኻብኡ ወሰደ፡ ኣብ ኣእዳው እቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ድማ ኣንበሮ። ንሱውን ተቐቢልዎ ወጸ።
8
ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ከኣ ኢድ ሰብ ዚመስል ተራእየ።
9
ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ጥቓ እቶም ኪሩቤል ኣርባዕተ መንኰራዂር፡ ሐሓንቲ መንኰርኰር ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ነበረ። ትርኢት እቲ መንኰራዂር ድማ ከም ሕብሪ እምኒ ኽሪሶሊት ነበረ።
10
ትርኢት ኣርባዕቲኦም ከኣ ይመሳሰል ነበረ፡ እቲ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰርኰር ከም ዝኣተወ ይመስል ነበረ።
11
ኪኸዱ ኸለዉ ድማ በርባዕተ ወገኖም ይኸዱ፡ ምስ ዚኸዱ ኸኣ ኣይምለሱን ነበሩ። እቲ ርእሲ ናብ ዘበሎ ስፍራ ይስዕብዎ ነበሩ እምበር፡ ኪኸዱ ኸለዉስ ኣይምለሱን ነበሩ።
12
ኲሉ ስጋኦምን ዝባኖምን ኣእዳዎምን ኣኽናፎምን እቲ መንኰራዂርን ኣርባዕቲኡ መንኰራዂሮምን ብዂሉ ዙርያኦም ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ፡
13
ነቲ መንኰራዂር ከኣ፡ ኣነ እናሰማዕኩ፡ ኣንኰርኰርቲ ኢሎም ይሰምይዎ ነበሩ።
14
ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ገጽ ነበሮ፡ እቲ ቐዳማይ ገጽ ናይ ኪሩብ ገጽ፡ እቲ ኻልኣይ ገጽ ናይ ሰብ ገጽ፡ እቲ ሳልሳይ ከኣ ገጽ ኣንበሳ፡ እቲ ራብዓይ ድማ ገጽ ንስሪ እዩ።
15
እቶም ኪሩቤል ከኣ ተላዕሉ፡ ንሳቶምውን እቶም ቀደም ኣብ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎም እንስሳ እዮም።
16
እቶም ኪሩቤል ኪኸዱ ኸለዉ፡ እቲ መንኰራዂር ድማ ጐጐብኦም ይኸይድ ነበረ። እቶም ኪሩቤል ካብ ምድሪ ኺለዐሉስ ኣኽናፎም እንተ ዘርግሑ፡ እቲ መንኰራዂርውን ካብ ጥቓኦም ኣየግልስን ነበረ።
17
መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብኦም ስለ ዝነበረ፡ እቲኣቶም ደው ኪብሉ ኸለዉ፡ እዚ ድማ ደው ይብል ነበረ፡ እቲኣቶም ኪለዐሉ ኸለዉ፡ እዚውን ይለዐል ነበረ።
18
ክብሪ እግዚኣብሄር ካብ ልዕሊ ልዳት እታ ቤት ወጸ፡ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ከኣ ቘመ።
19
እቶም ኪሩቤል ድማ ኣኽናፎም ዘርግሑ። ኪነቕሉ ኸለዉ ኸኣ፡ እቲ መንኰራዂር ብጥቓኦም ኰይኑ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ካብ ምድሪ ተላዕሉ፡ ኣብቲ ናይ ምብራቕ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ቘሙ። ክብሪ ኣምላኽ እስራኤልውን ኣብ ልዕሊኦም ነበረ።
20
እዚኦም ከኣ እቶም ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ጥቓ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎም እንስሳ እዮም። ኣነውን ኪሩቤል ምዃኖም ኣለሌኽዎም።
21
ንነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽ፡ ንነፍሲ ወከፎም ድማ ኣርባዕተ ኽንፊ ነበሮም። ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ከኣ ኣእዳው ሰብ ዚመስል ነበሮም።
22
መልክዕ ገጾም ከምቲ ኣብ ጥቓ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎ ገጽ ነበረ፡ ትርኢቶም ከምኡ ነበረ። ነፍሲ ወከፎም ንቕድሚኡ ትኽ ኢሉ ይኸይድ ነበረ።
← Chapter 9
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 11 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48