bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ezekiel 38
Ezekiel 38
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 37
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 39 →
1
ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
2
ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ጎግ ኣብ ሃገር ማጎግ፡ እቲ መስፍን ሮሽን ሜሴክን ቱባልን፡ መልስ እሞ ኣንጻሩ ተነበየሉ፡
3
በልውን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣታ ጎግ መስፍን ሮሽን ሜሴክን ቱባልን ኣብ ክሳድካ ኣሎኹ።
4
ክመልሰካ፡ ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦ ኽገብር እየ፡ ንኣኻ ምስ ኲሉ ሰራዊትካ፡ ኣፍራስን ፈረሰኛታትን፡ ኲላቶም ድርዒ ዝለበሱ፡ ብዙሓት ሰብ ከኣ ዋልታን ገለብን ዘለዎም፡ ኲላቶም ሰይፊ ዝሐዙ፡ ምስኦም ከኣ ሰብ ፋርስን ኢትዮጵያን ፋጥን፡ ኲላቶም ዋልታን ቊራዕ ርእስን ዘለዎም ገይረ ኸውጽኣካ እየ።
5
ክመልሰካ፡ ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦ ኽገብር እየ፡ ንኣኻ ምስ ኲሉ ሰራዊትካ፡ ኣፍራስን ፈረሰኛታትን፡ ኲላቶም ድርዒ ዝለበሱ፡ ብዙሓት ሰብ ከኣ ዋልታን ገለብን ዘለዎም፡ ኲላቶም ሰይፊ ዝሐዙ፡ ምስኦም ከኣ ሰብ ፋርስን ኢትዮጵያን ፋጥን፡ ኲላቶም ዋልታን ቊራዕ ርእስን ዘለዎም ገይረ ኸውጽኣካ እየ።
6
ጎሜርን ኲሉ ጭፍራኡን ቤት ቶጋርማ ኻብ ወሰናይ ስሜንን ኲሉ ጭፍራኡን፡ ብዙሓት ህዝቢ ምሳኻ እዮም።
7
ተዳሎ፡ ንስኻን ኲሉ እቲ ኣባኻ ተኣኪቡ ዘሎ ህዝብኻን ተሰለፍ፡ ንስኻውን ሓለቓኦም ኩን።
8
ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ክትከትት ኢኻ። ኣብተን ዳሕሮት ዓመታት ናብታ ኻብ ሰይፊ እተናገፈት፡ ካብ ብዙሓት ህዝብታት እተኣከበት፡ ናብቲ ነዊሕ ጊዜ ዝባደመ ኣኽራን እስራኤል ክትኣቱ ኢኻ። ካብ ህዝብታት ወጺኣስ፡ ኲላቶም ሀዲኦም ይነብሩላ አለዉ።
9
ንስኻ ኽትድይብ፡ ከም ህቦብላ ንፋስ ከኣ ክትመጽእ ኢኻ፡ ንስኻ ምስ ኲሉ ጭፍራታትካን ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን ከምቲ ንምድሪ ዜጐልብብ ደበና ኽትከውን ኢኻ።
10
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነገር ኣብ ልብኻ ኺትንስእ እዩ፡ እኩይ እማመ ኽትእምም ኢኻ
11
እሞ፡ ናብታ ዘይተዐርደት ሃገር ክድይብ፡ ናብቶም ሀዲኦም ብደሓን ዚነብሩ፡ ኲላቶም ብዘይ ቀጽሪ ዘለዉ፡ መሃርሃርን መዓጹን ዜብሎም ህዝቢ ሓደጋ ኽወድቆም እየ፡ ክትብል ኢኻ።
12
ክትማርኽን ክትብዝብዝን፡ ናብቲ ዓንዩ ነይሩስ ሕጂ ሰብ ዚነብረሉ ዘሎ፡ ናብቲ ኸብትን ሃብትን ዘጥረየ፡ ካብ ህዝብታት እተኣከበ፡ ኣብ ሕምብርቲ ምድሪ ዚነብር ህዝቢ ኢድካ ኽትዝርግሕ ክትድይብ ኢኻ።
13
ሳባን ዴዳን ነጋዶ ተርሲስን እቶም ኰረኲር ኣናብሱን፡ ምርኮ ኽትማርኽዶ መጺእካ ዘመተ ኽትዘምት፡ ብሩርን ወርቅን ክትወስድ፡ ከብትን ሃብትን ክትሕዝ፡ ብዙሕ ምርኮ ኸተእቱዶ ንጭፍራታትካ ኣኽቲትካዮም፡ ኪብሉኻ እዮም።
14
ስለዚ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንጎግ ንገሮ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ህዝበይ እስራኤል ሀዲኡ ምስ ተቐመጠ፡ ኣይክትፈልጦን ዲኻ፡
15
ንስኻ ምሳኻውን ብዙሓት ህዝብታት፡ ኲላ ቶም ኣብ ኣፍራስ እተቐመጡ ዓብዪ ጭፍራን ብርቱዕ ሰራዊትን ሒዝካ ኻብ ወሰን ሰሜን ክትመጽእ ኢኻ።
16
ነታ ሃገር ከም ደበና ምእንቲ ኽትከድና፡ ናብ ህዝበይ እስራኤል ክትድይብ ኢኻ። ኣታ ጎግ፡ ኣብተን ዳሕሮት በዓልትታት ኪኸውን እዩ፡ እቶም ህዝብታት፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣባኻ ኣስ ተቐደስኩ፡ ኪፈልጡንስ፡ ናብ ሃገረይ ከደይበካ እየ።
17
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ ኣነ ብጥንቲ ኣብኦም ከም ዘምጽኣካ በቶም በታ ዘመን እቲኣ ዓመት ንዓመት እተነበዩ ኣገልገልተይ ነብያት እስራኤል ገይረ ብዛዕባኻ እተዛረብኩስ ንስኻዶ ኣይኰንካን፡
18
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኽውን እዩ፡ በታ ጎግ ንሃገር እስራኤል ኪጻረረላ ዚመጸላ መዓልቲ፡ ነድረይ ኪስርንቐኒ እዩ፡ ይብል ኣሎ።
19
ብቕንኣተይን ብሓዊ ቚጥዓይን እብል ኣሎኹ፡ ርግጽ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገር እስራኤል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ኪኽውን እዩ።
20
እዑ ዓሳታት ባሕርን ኣዕዋፍ ሰማይን እንስሳ መሮርን ኲሉ ኣብ ምድሪ ለመምታን ኣብ ዝባን ምድሪ ዘሎ ዂሉ ሰብን ኣብ ቅድመይ ራዕራዕ ኪብሉ እዮም። ኣኽራን ኪግልበጥ፡ኣኻውሕ ኪፈርስ፡ ኲሉ መናድቕ ከኣ ኣብ ምድሪ ኺወድቕ እዩ።
21
ኣነ ድማ ኣብ ኲሉ ኣኽራነይ ኣብ ልዕሊኡ ሰይፊ ኽጽውዓሉ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ርእሲ ሓዉ ኪኽውን እዩ።
22
ብፌራን ብደምን ክፈርደሉ እየ። ኣብኡን ኣብ ጭፍራኡን ኣብቶም ምስኡ ዘለው ብዙሓት ህዝብታትን ዝናም ሃጽፍን በረድን ሓውን ዲንን ከዝንም እየ።
23
በዚ ኸምዚ ኣነ ግርማውን ቅዱስን ምዃነይ ክግሀድ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ከኣ ባዕለይ ክፍለጥ እየ። ንሳቶምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም።
← Chapter 37
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 39 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48