bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ezekiel 26
Ezekiel 26
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 25
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 27 →
1
ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት በታ ቐዳመይቲ እታ ወርሒ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡
2
ኣታ ወዲ ሰብ፡ ጢሮስ ብዛዕባ የሩሳሌም፡ ኣሰይ፡ ኣሰይ፡ እታ ደገ ህዝብታት ፈሪሳ፡ ናባይ ተመሊሳ፡ ንሳ ባዲማ እያ፡ ኣነ ኽመልእ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡
3
ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣቲ ጢሮስ፡ ተሀንዲደኪ እኔኹ፡ ከምቲ ባሕሪ ንማዕበሉ ዜልዕሎ፡ ከምኡ ገይረ ብዙሓት ህዝብታት ከተንስኣልኪ እየ።
4
ንቐጽርታት ጢሮስ ኬጥፍእዎ፡ ንግምብታታ ኸኣ ኬፍርስዎ። ሓመዳ ኽጽርገላ፡ ልምጽምጽ ዚብል ከውሒ ኽገብራ እየ።
5
ንሳ ኣብ ማእከላ ባሕሪ መስጥሒ መርበብ ክትከውን እያ። ኣነ ተዛሪበ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ንህዝብታት ባዝባዝ ክትከውን እያ።
6
እተን ኣብ መሮር ዘለዋ ኣዋልዳ ኸኣ ብሰይፊ ኪቕተላ እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ኪፈልጡ እዮም።
7
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ንነቡካድነጻር፡ ንጉስ ባቢሎን ንጉስ ነገስታት፡ ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ምስ ፈረሰኛታትን ጭፍራን ብዙሕ ህዝብነ ካብ ሰሜን ናብ ጢሮስ ከምጽኦ እየ።
8
ነተን ኣብ መሮር ዘለዋ ኣዋልድኪ ብሰይፊ ኪቐትለን፡ ዕርዲ ኺዐርደልኪ፡ ሓመድ ኪዂምረልኪ፡ ዋልታታት ኬልዕለልኪ እዩ።
9
ነቲ መፍረስኡ ናብ ቀጽርኺ ኣቢሉ ኺተኽሎ እዩ፡ ብመሳርያኡ ኸኣ ንግምብታትኪ ኼፍርሶ እዩ።
10
ካብ ብዝሒ ኣፍራሱ እተላዕለ፡ ደሮናኦም ኬጐልብበኪ እዩ። ብፍሩስ ቀጽሪ ኣብ ከተማ ኸም ዚኣትዉ፡ ንሱ ብኣፍ ደጌታትኪ ኺኣቱ ኸሎ፡ ህዱድ ብምባል ፈረሰኛታቱን መንኰራዂሩን ሰረገላታቱን ቀጽርታትኪ ነይነይ ኪብል እዩ።
11
ንዂሉ ኣደባባያትኪ ብሽዀና ኣፍራሱ ኺረግጾ፡ ንህዝብኺ ብሰይፊ ኪቐትሎም፡ እቲ ሓወልቲ ሓይልኺ ናብ ምድሪ ጻሕ ኪብል እዩ።
12
ንመዛግብትኺ ኺብዝብዙ፡ ነቕሑ ንግድኪ ኺዘምቱ፡ ንመናድቕኪ ኼፍርሱ፡ ነቲ በብሉጽ ኣባይትኺ ኺፍንጥሑ፡ ነእማንክን ኣዕጻውክን ሓመድክን ኣብ ማእከል ማይ ኪድርብዩ እዮም።
13
ንደሃይ ደርፍኺ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፡ ድሕርዚ ድማ ቃና መሰንቆታትኪ ኣይኪስማዕን እዩ።
14
ልሙጽ ከውሒ ኽገብረኪ እየ፡ መስጥሒ መርበብ ክትኰኒ ኢኺ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ ኣይክትስርሕን ኢኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንጢሮስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብህማም ምውዳቕኪ፡ እቶም ውጹዓት ውጉኣት ኪቕንዘዉ ከለዉ፡ ኣብ ማእከልኪ ኪቕተሉ ኸለዉ፡ እተን ደሴታትዶ ረዓድ ኣይኪሕዘንን እዩ
16
ሽዑ ዂላቶም መሳፍንቲ ባሕሪ ኻብ ዝፋውንቶም ኪወርዱ፡ ባርኖሶም ኪቕንጥጡ፡ ጥሉፍ ኣልባሶም ኪድርብዩ፡ ስምባድ ኪኽደኑ፡ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ፡ ኲሉ ጊዜ ፈጥፈጥ ኪብሉ፡ ብኣኺ ኺስክሑ እዮም።
17
ኣቲ መሳፍሮ ሰብ ባሕሪ፡ ኣቲ ኣብ ባሕሪ ሓያል ዝነበርኪ፡ ንስኺ ምስቶም ኣባኺ ዚነብሩ ዝነበሩ ዄንኪ ንዂሉ ሰብ መፍርሂት ዝነበርኪ ውርይቲ ኸተማ፡ ከመይ ኢልኪ ዀነ ጠፋእኪ፡ ሕጂ እተን ደሴታት በታ መዓልቲ ምውዳቕኪ ኺንቅጥቀጣ፡ እተን ኣብ ባሕሪ ዘለዋ ደሴታት ከኣ ብመወዳእታኺ ኺስምብዳ እየን፡ ኢሎም መልቀስ ኬልቅሱልኪ እዮም።
18
ኣቲ መሳፍሮ ሰብ ባሕሪ፡ ኣቲ ኣብ ባሕሪ ሓያል ዝነበርኪ፡ ንስኺ ምስቶም ኣባኺ ዚነብሩ ዝነበሩ ዄንኪ ንዂሉ ሰብ መፍርሂት ዝነበርኪ ውርይቲ ኸተማ፡ ከመይ ኢልኪ ዀነ ጠፋእኪ፡ ሕጂ እተን ደሴታት በታ መዓልቲ ምውዳቕኪ ኺንቅጥቀጣ፡ እተን ኣብ ባሕሪ ዘለዋ ደሴታት ከኣ ብመወዳእታኺ ኺስምብዳ እየን፡ ኢሎም መልቀስ ኬልቅሱልኪ እዮም።
19
እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ከምተን ሓደ እኳ ዚነብረን ዜብለን ከተማታት ገይረ፡ ዕንውቲ ኸተማ ምስ ገበርኩኺ፡ መዓሙቚ ኣብ ልዕሌኺ ምስ ኣሰራሰርኩ፡ ብዙሕ ማያት ምስ ደፈነኪ፡
20
ሽዑ ምስቶም ናብ ጒድጓድ ዝወርዱ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ኸውርደኪ እየ። ኣባኺ ዚነብር ከይህሉስ፡ ብስቶም ናብ ጒድጓድ ዝወረዱ ኣብ መዓሙቚ ምድሪ ኣብ ናይ ጥንቲ ዑናታት ከስፍረኪ እየ። ኣነውን ክቡር ነገር ኣብ ምድሪ ህያዋን ክገብር እየ።
21
መሰክሒ ኽገብረኪ እየ እሞ፡ ኣይክትህልውን ኢኺ። ዝደለየ እኴ እንተ ደለየኪ፡ ከቶ ንዘለኣለም ኣይክትርከብን ኢኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
← Chapter 25
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 27 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48