bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ezekiel 7
Ezekiel 7
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 6
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 8 →
1
ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡
2
ኣታ ወዲ ሰብ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንሃገር እስራኤል ከምዚ ይብላ ኣሎ፡ መወዳእታ፡ ናይ ኣርባዕተ መኣዝን እታ ሃገርሲ መወዳእታ ይመጽእ ኣሎ።
3
ሕጂ መወዳእታ ኣባኺ መጸ፡ ቊጥዓይ ድማ ክሰደልኪ፡ ከም መገድኺ መጠን ክፈርደኪ፡ ኲሉ ጽያፍኪ ድማ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርደልኪ እየ።
4
ዓይነይ ኣይኪንሕፈክን ኣነውን ኣይክርሕርሓልክን፡ ኣነስ መገድኺ ደኣ ኣብ ልዕሌኺ ኸምጽኣልኪ እየ፡ ጽይፍኪ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
5
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ መዓት፡ በይኑ ዝዀነ እኳ ደኣ መዓት እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ።
6
መወድእታ መጸ፡ እቲ መወዳእታ መጸ፡ ተላዕለኪ፡ እንሆ ይመጽእ ኣሎ።
7
ኣታ ኣብ ሃገር እትነብር ዘሎኻ፡ ተራኻ መጸካ። እቲ ጊዜ በጽሔ፡ እልልታ ኣብ ኣኽራን ዘይስማዓላ መዓልቲ ዕግርግር ቀረበት።
8
ሕጂ ብቕልጡፍ ነድረይ ክኽዕወልኪ፡ ሃና ቚጥዓይ ከኣ ክወጸልኪ፡ ከም መጠን መገድኺ ኽፈርደኪ፡ ንዂሉ ጽያፍኪ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርድዕ እየ።
9
ዓይነይ ኣይኪንሕፍን እዩ፡ ኣነውን ኣይክርሕርሕን፡ ኣነስ ከም መጠን መገድኺ ኸምጽኣልኪ እየ፡ ጽያፍኪ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኪኸውን እዩ። ንስኻትኩምውን እቲ ዚወቅዕ ዘሎስ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
10
እንሃ እታ መዓልቲ፡ እንሃ መጸት። ተራኺ በጽሔ። እታ ሸቦጥ ዐምበበት፡ ትዕቢት ከኣ ጠጥዔ።
11
ዓመጻስ ሸቦጥ ረሲእነት ኰይና ተላዕለት። ካባታቶም ሓደ እኳ የልቦን፡ ካብቲ ብዙሕ ህዝቦምን ካብቲ ሃብቶምን ካብቲ ግርማኦምን ዚተርፍ ሓደ እኳ የሎን።
12
ዘመን በጺሑ፡ መዓልቲ ቐሪቡ ኣሎ። ጒሁር ቊጥዓ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እቲ ብዙሕ ህዝቦም እዩ እሞ፡ ዚወየጥ ኣይተሐጐሰ፡ ዚሸይጥውን ኣይጒሄ።
13
እቲ ዚሸይጥ ብህይወቱ እኳ እንተሎ፡ ናብቲ ዝሸጦ ኣይኪምለስን እዩ። ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ህዝቦም ዝዀነ ራእይ ንድሕሪት ኣይኪምለስን እዩ እሞ፡ ብዓመጽ ዚነብርሲ ንህይወቱ ዜጽንዓ ሓደ እኳ የልቦን።
14
መለኸት ተነፍሔ፡ ኲሉ ኸኣ ተዳለወ፡ ቊጥዓይ ግና ኣብ ልዕሊ ዂሉ እቲ ብዙሕ ህዝቦም ኣሎ እሞ፡ ኣብ ውግእ ዚኸይድ ሓደ እኳ የልቦን።
15
ኣብ ወጻኢ ሰይፊ ኣብ ውሽጢ ኸኣ ፌራን ጥሜትን ኣሎ። እቲ ኣብ መሮር ዘሎ ብሰይፊ ኺመውት፡ እቲ ኣብ ከተማ ዘሎውን ፌራን ጥሜትን ኪውሕጦ እዩ።
16
እቶም ካባታቶም ዘምለጡ ግና ኸምተን ርግብታት ሽንጭሮ፡ ነፍሲ ወከፍ ብኣበሳኦም እናቘዘሙ፡ ኣብ ኣኽራን ኪዀኑ እዮም።
17
ኲለን ኣእዳው ኪሕለላ፡ ኲለን ኣብራኽ ድማ ከም ማይ ኪፈሳ እየን።
18
ከሊ ኺዕጠቑ፡ ራዕዲ ኪኽደኑ፡ ኲሉ ገጽ ብሕንኪ ኺጒልበብ፡ ኲሉ ርእስታቶም ድማ ኪበርሕ እዩ።
19
ብሩሮም ኣብ ኣደባባያት ኪድርብዩ፡ ወርቆም ከኣ ከም ርኹስ ነገር ኪኸውን እዩ። ብሩሮምን ወርቆምን ናይ ሓጢኣቶም እምኒ መዓንቀፊ ስለ ዝዀነ፡ በታ መዓልቲ ቚጥዓ እግዚኣብሄር ኬድሕኖም ኣይተኻእሎን፡ ንጥሜቶም ኣይኬጽግቦን፡ ንኸብዶምውን ኣይኪመልኣሎምን እዩ።
20
መልክዕ ስልማቶም ንትዕቢት ኰኖም፡ ምስሊ ርኽሰቶምን እቶም ዜፈንፍኑ ጣኦታቶምን ገበሩሉ። ስለዚ ኣነ ንኣታቶም ንርኽሰት ገበርክዎ።
21
ዘመተ ኪኸውን ድማ ኣብ ኢድ ጓኖት፡ ምርኮ ኪኸውን ከኣ ንረሲኣን ምድሪ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፡ ንሳቶም ድማ ኬርክስዎ እዮም።
22
ካባታቶም ገጸይ ከመልስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ንመዝገበይ ኬርክስዎ፡ ገፋዕቲ ኣትዮም ድማ ኬርክስዎ እዮም።
23
እዛ ሃገር እዚኣ ቅትለት ደመ ነፍሲ መሊኣ ኣላ፡ እዛ ኸተማ እዚኣውን ዓመጽ መሊእዋ እዩ እሞ፡ ሞቚሕ ኣዳሉ።
24
ነቶም ኣዝዮም ሕሱማት ካብ ህዝብታት ከምጽእ እየ እሞ፡ እዚኣቶም ኣባይቶም ኪወርሱ እዮም። ንትዕቢት እቶም ሓያላት ከጥፍኦ እየ፡ መቓድሶም ከኣ ኪረኽሳ እየን።
25
ጥፍኣት ይመጽእ ኣሎ፡ ንሳቶም ከኣ ሰላማ ኪደልዩ እዮም፡ ኣይርከብን ከኣ።
26
መዓት ኣብ ርእሲ መዓት ኪመጽእ፡ ወረውን ኣብ ርእሲ ወረ ኪኸውን እዩ። ካብ ነብዪ ራእይ ኪደልዩ፡ ግናኸ ሕጊ ኻብ ካህን፡ ምኽሪውን ካብ ኣረገውቲ ኺጠፍእ እዩ።
27
እቲ ንጉስ ኪትክዝ፡ እቲ መስፍን ድማ ሓዘን ኪኽደን፡ ኣእዳው እቶምህዝቢ እታ ሃገር ራዕራዕ ኪብል እዩ። ከም መጠን መገዶም ክፈድዮም፡ ከከም ዚግብኦም ካ ክፈርዶም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ኪፈልጡ እዮም።
← Chapter 6
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 8 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48