bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ezekiel 42
Ezekiel 42
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 41
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 43 →
1
ድሕርዚ ንሱ ናብቲ ናብ ሰሜን ዜብል መገዲ ናብ ወጻኢ ኣጸድ ኣውጽኣኒ። ናብቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፊ ዘሎ ቦታን ኣብ ግምባር እቲ ናብ ሰሜን ዚርኢ ህንጻን ዘሎ ኽፍሊ ቤት ከኣ ኣእተወኒ።
2
እታ ደጊኣ ናብ ሰሜን ኣቢላ እትርኢ፡ ምንዋሓ ሚእቲ እመት ወርዳ ኸኣ ሓምሳ እመት እዩ።
3
ኣብ ኣንጻር እታ ዕስራ ዝእመታ ውሽጣዊት ኣጸድ፡ ኣብ መንጽር እቲ ኣብ ወጻኢ ኣጻድ ዘሎ ምድሪ ቤት እምኒ ኸኣ መተሓላለፊ ኣብቲ ሰለስተ ደርቢ ኣሎ።
4
ኣብ ቅድሚ እተን ክፍልታት ኣባይቲ ድማ ዓሰርተ እመት ዝወርዱ መተሓላለፊ ኣሎ። ናብ ውሽጢ ኸኣ ሓደ ዝእመቱ መገዲ ኣሎ። ደጌታታውን ናብ ሰሜን ኣቢለን እየን።
5
እቲ መተሓላለፊታት ቦታ ስለ ዝወሰደለን፡ እተን ላዕሎት ክፍልታት ኣባይቲ ካብተን ታሕቶትን ማእከሎትን ናይቲ ህንጻ ይጸባ እየን።
6
ንሳተን ሰለስተ ደርቢ እየን እሞ፡ ኣዕኑድሲ ኸምተን ናይ ኣጸድ ኣዕኑድ የብለንን። ስለዚ ኻብ ምድሪ ቤት ሒዙ እተን ላዕሎት ክፍልታት ኣባይቲ ኻብተን ታሕቶትን ማእከሎትን ይጸባ እየ።
7
እተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ምንዋሔን ሓምሳ እመት እዩ። እቲ ኣብ ኣንጻር ቤት መቕደስ ዘሎውን ሚእቲ እመት እዩ እሞ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ኽፍልታት ኣባይቲ ናብቲ ወጻኢ ኣጸድ ዜብል፡ ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ኣንጻር እቲ ኽፍልታት ኣባይቲ ዘሎ መንደቕ ምንዋሑ ሓምሳ እመት እዩ።
8
እተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ምንዋሔን ሓምሳ እመት እዩ። እቲ ኣብ ኣንጻር ቤት መቕደስ ዘሎውን ሚእቲ እመት እዩ እሞ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ኽፍልታት ኣባይቲ ናብቲ ወጻኢ ኣጸድ ዜብል፡ ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ኣንጻር እቲ ኽፍልታት ኣባይቲ ዘሎ መንደቕ ምንዋሑ ሓምሳ እመት እዩ።
9
ነቶም ካብ ወጻኢ ኣጻድ ዚኣትዉ፡ ኣብ ትሕቲ እዘን ክፍልታት ቤት እዚኤን ብወገን ምብራቕ መእተዊ ኣሎ።
10
ኣብ ወገን ምብራቕ ኣብ ገንዚ እቲ መንደቕ ኣጸድ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታን ኣብ ቅድሚ እቲ ህኑጽን ክፍልታት ኣባይቲ ኣለዋ።
11
ኣብ ቅድሚኤን ከኣ፡ ከምቲ ናብ ሰሜን ዜብል ክፍልታት ኣባይቲ መተሓላለፊ ኣሎ፡ ምንዋሔንን ወርደንን፡ መውጽኢኤንን ስርዓተንን ደጊኤንን ማዕረ ማዕረ እዩ።
12
ከምተን ናብ ደቡብ ዜብላ ደጌታት ክፍልታት ኣባይቲ፡ ኣብ ርእሲ እታ መገዲ ደገ ኣሎ። ንሳውን ነቶም ካብ ምብራቕ ዚኣትዉ ኣብ ቅድሚ እቲ መንደቕ ዘላ እያ።
13
በለኒውን፡ እዘን ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፊ ዘሎ ቦታ ናይ ሰሜንን ደቡብን ክፍልታት ኣባይቲ ቅዱሳት ክፍልታት ኣባይቲ እየን። ኣብኤን እቶም ናብ እግዚኣብሄር ዚቐርቡ ኻህናት ነቲ ኣዝዩ ቅዱስ ነገር ኪበልዑ እዮም። ቅዱስ ቦታ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ነቲ ኣዝዩ ቅዱስ ነገር መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ዕዳን ኬንብሩ እዮም።
14
እቶም ካህናት ምስ ኣተዉ፡ እተን ዘገልገሉለን ኣልባሳት ቅዱሳት እየን እሞ፡ ኣብኡ ኸየንብርወን፡ ካብታ መቕደስ ናብ ወጻኢ ኣጸድ ኣይውጽኡ፡ ካልእ ክዳውንቲ ይከደኑ እሞ ናብቲ ንህዝቢ እተመደበ ቦታ ይውጽኡ።
15
ነቲ ውሽጣዊት ቤት ኣሚቱ ምስ ወድኤ፡ በታ ናብ መገዲ ምብራቕ እተብል ደገ ኣውጽኣኒ፡ በዝን በትን ብዙርያኣ ኣመታ።
16
ነቲ ወገን ምብራቕ በታ መኣመቲት ሻምብቆ ኣመቶ፡ በዛ መኣመቲት ሻምብቆ ኸኣ ብዙርያኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሻምብቆ ዀነ።
17
ነቲ ወገን ሰሜን ከኣ ኣመቶ፡ በታ መኣመቲት ሻምብቆ ድማ ብዙርያኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሻምብቆ ዀነ።
18
ነቲ ወገን ደቡብ ከኣ ኣመቶ፡ በታ መኣመቲት ሻምብቆ ሓሙሽተ ሚእቲ ሻምብቆ ዀነ።
19
ናብቲ ወገን ምብራቕ ዞረ፡ በታ መኣመቲት ሻምብቆ ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ ኣመቶ።
20
ነቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ መንደቕ በርባዕቲኡ ወገን ኣመቶ፡ ምንዋሑ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ ወርዱ ኸኣ ሓሙሽተ ሚእቲ ዀነ። እዚ ነቲ ቅዱስ ካብቲ ዘይቅዱስ ዚፈሊ እዩ።
← Chapter 41
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 43 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48