bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Ezekiel 3
Ezekiel 3
Amharic Tigrinya 2011
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 4 →
1
ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ዝረኸብካዮ ብላዕ። ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብልዓያ፡ ኬድካ ድማ ንቤት እስራኤል ተዛረቦም፡ በለኒ።
2
ሽዑ ኣፈይ ከፈትኩ፡ ንሱውን ነታ ጥቕላል ኣብለዓኒ።
3
ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ከብድኻ ኣጽግብ፡ ንውሽጢ ኸብድኻውን በዛ ኣነ ዝህበካ ጥቕላል ምልኣዮ፡ በለኒ። ሽዑ በላዕክዋ፡ ኣብ ኣፈይውን ጥዕምቲ ኸም መዓር ጠዐመት።
4
በለኒ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ናብ ቤት እስራኤል ኪድ ብቓላተይ ከኣ ተዛረቦም።
5
ናብ ቤት እስራኤል እምበር፡ ናብ ሓደ ቛንቋኡ ዘይስትውዐል፡ ዘረባኡ ዝኸቢድ ህዝቢ፡ ቃላቶም ዘይተስተውዕሎ ብዙሓት ህዝብታት ኣይተለኣኽካን። ብርግጽ ናባታቶም ሰዲደካ እንተ ዝኸውንሲ፡ ምሰምዑኻ ነይሮም።
6
ናብ ቤት እስራኤል እምበር፡ ናብ ሓደ ቛንቋኡ ዘይስትውዐል፡ ዘረባኡ ዝኸቢድ ህዝቢ፡ ቃላቶም ዘይተስተውዕሎ ብዙሓት ህዝብታት ኣይተለኣኽካን። ብርግጽ ናባታቶም ሰዲደካ እንተ ዝኸውንሲ፡ ምሰምዑኻ ነይሮም።
7
ግናኸ ኲሉ ቤት እስራኤል፡ ግምባሮም ተሪር፡ ልቦም ሓራን እዩ እሞ፡ ቤት እስራኤልሲ ኺሰምዑኒ ዘይፈትዉ ስለ ዝዀኑ፡ ንኣኻ ኣይኪሰምዑኻን እዮም።
8
እንሆ፡ ንገጽካ ኣንጻር ገጾም ኣትሪረዮ፡ ንግምባርካውን ኣንጻር ግምባሮም ኣትሪረዮ እየ።
9
ግምባርካ ኸም ኣልማዝ፡ ካብ ብላድ ዚብርትዕ ገይረዮ እየ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም፡ ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ኣይትሰምብድ።
10
መሊሱውን በለኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንዂሉ እቲ ዝነግረካ ቓላት ኣብ ልብኻ ዕቘሮ፡ በእዛንካ ድማ ስምዓዮ።
11
ናብቶም ምሩኻት፡ ናብ ደቂ ህዝብኻ ኺድ እሞ፡ እንተ ኺሰምዑኻ፡ እንተ ኺኣብዩኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ ኣልካ ንገሮምን በሎምን።
12
እቲ መንፈስ ከኣ ኣልዐለኒ፡ ብድሕረይ ድማ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብቲ ቦታኡ ይባረኽ፡ ዚብል ብርቱዕ ደሃይ ምንቅጥቃጥ ሰማዕኩ።
13
ኣነ ኸኣ ህማም እቲ ነንሓድሕዱ ዚጋጮ ዝነበረ ኣኽናፍ እቶም እንስሳን ደሃይ እቲ ኣብ ጥቓኦም ዝነበረ መንኰራዂርን ደሃይ ዓብዪ ምንቅጥቃጥን ሰማዕኩ።
14
እቲ መንፈስ ከኣ ኣልዐለኒ ወሰደኒውን። ብዂራ መንፈሰይ መሪሩኒ ኸድኩ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ድማ በርቲዓ ኣብ ልዕለይ ነበረት።
15
ናብቶም ኣብ ጥቓ ርባ ኬባር ኣብ ቴል ኣቢብ ዝነበሩ ምሩኻት፡ ናብቲ ዚነብሩሉ ዘለዉ ኸኣ መጻእኩ። ኣብኡውን እናኣስቈርቈርኩ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ማእከሎም ተቐመጥኩ።
16
ኰነ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡
17
ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ ኣሎኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ፡ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ምዐዶም።
18
ኣነ ነቲ ረሲእ፡ ሞት ክትመውት ኢኻ፡ ምስ በልክዎ፡ እንተ ዘይመዐድካዮ፡ ካብ መገዲ ረሲእነቱ ተመሊሱ ነፍሱ ኽትድሕን፡ እንተ ዘይተዛረብካዮን እንተ ዘይመዐድካዮንሲ፡ እቲ ረሲእ ብሓጢኣቱ ኺመውት እዩ፡ ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ።
19
ግናኸ ነቲ ረሲእ እንተ መዐድካዮ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ረሲእነቱን ካብ መገዲ ረሲእነቱን እንተ ዘይተመልሰ፡ ንሱ ብሓጢኣቱ ኺመውት እዩ፡ ንስኻ ግና ነፍስኻ ኣድሐንካ።
20
ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፡ ሓጢኣት ከኣ እንተ ገበረ፡ መዓንቀፊ ኣብ ቅድሚኡ እንተ ኣንበርኩሉ፡ ኪመውት እዩ። ስለ ዘይመዐድካዮ፡ ብሓጢኣቱ ኪመውት፡ እቲ ዝገበሮ ጽድቂ ድማ ኣይኪዝከርን እዩ። ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ።
21
ንስኻ ግና፡ እቲ ጻድቕ ሓጢኣት ከይገብር ነቲ ጻድቕ እንተ መዐድካዮ እሞ ንሱ ሓጢኣት እንተ ዘይገበረ፡ ምዕዶ ስለ እተቐበለ ብሓቂ ብህይወት ኪነብር እዩ፡ ንስኻውን ነፍስኻ ተድሕን።
22
ኢድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብኡ ኣብ ልዕለይ መጸት እሞ፡ ተንስእ፡ ናብ ጐልጐል ውጻእ፡ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ፡ በለኒ።
23
ሽዑ ተንሲኤ ናብ ጐልጐል ወጻእኩ። እንሆ ኸኣ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ኣብ ርባ ኬባር ዝርኤኽዎ ኽብሪ፡ ኣብኡ ቘይሙ ነበረ። ብገጸይውን ወደቕኩ።
24
እቲ መንፈስ ከኣ ኣተወኒ፡ ብእግረይ ድማ ደው ኣበለኒ እሞ፡ ኪድ ኣብ ቤትካ ተዐጾ፡ ኢሉ ተዛረበኒ።
25
ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንሆ፡ መእሰሪ ኺገብሩልካን ኪኣስሩኻን እዮም፡ ኣብ ማእከሎም ድማ ኣይክትወጽእን ኢኻ።
26
ንሳቶም ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ምእንቲ ኽትዕበስን፡ ዘላፊኦም ከይትኸውን ንሲ፡ ልሳንካ ኣብ ትንሓግካ ኸጥብቕ እየ።
27
ምስ ዝዛረበካ ግና፡ ንኣፍካ እኸፍቶ፡ ንስኻውን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ክትብሎም ኢኻ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ዚሰምዕ ይስማዕ፡ ዚኣቢውን ይእበ።
← Chapter 2
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 4 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48