bible
ra
🌐 Language
English
Español
Français
Deutsch
Português
Italiano
Nederlands
Русский
中文
日本語
한국어
العربية
Türkçe
Tiếng Việt
ไทย
Indonesia
All Languages
Home
/
Amharic
/
Amharic Tigrinya 2011
/
Genesis 1
Genesis 1
Amharic Tigrinya 2011
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 2 →
1
ኣምላኽ ብመጀምርያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።
2
ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነብረት ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝንቢ ነብረ።
3
ኣምላኽ ክኣ፡ ብርሃን ይኹን በለ። ብርሃን ድማ ኾነ።
4
ኣምላኽ ድማ ነቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ። ኣምላኽ ክኣ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮ።
5
ኣምላኽ ነቲ ብርሃን መዓልቲ ኣውጽኣሉ። ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ፡ ሓንቲ መዓልቲ።
6
ኣምላኽ ድማ ንማያት ካብ ማይት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹን በለ።
7
ኣምላኽ ነቲ ጠፈር ገበሮ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዝለኦ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ ከምኡውን ኮነ።
8
ኣምላኽ ክኣ ነቲ ጠፈር ሰማይ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ፡ ካልኣይቲ መዓልቲ።
9
ኣምላኽ ድማ እቲ ንቑጽ ማንቲ ኪርኤስ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታት ይተኣከብ፡ በለ። ከምኡ ድማ ኾነ።
10
ኣምላኽ ክኣ ነቲ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኣሉ፡ ነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኣውጽኣሉ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከምዝኾነ ረኣየ።
11
ኣምላኽ ድማ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዙህ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኦም ተውጽእ በለ። ከምኡ ድማ ኾነ።
12
እታ ምድሪ ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዝህብ ብቑልን ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዘፈሪ ኣእዋም ክኣ ኣውጽኤት። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ።
13
ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ ሳልሰይቲ መዓልቲ።
14
ኣምላኽ ድማ፡ ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዘፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹን፡ ንዘበናትን መዓልታትን ዓመታትትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹኑ።
15
ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹን በለ ከምኡ ድማ ኾነ።
16
ኣምላኽ ክኣ ክልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገብረ፡ እቲ ዓብዩ ብርሃንን ብመዓልቲ ኽስልጥን እቲ ንእሽቶ ብርሃን ድማ ብለይቲ ክስልጥን፡ ከዋኽብቲውን ገብረ።
17
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኼብርሁ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኪስልጥኑ፡ ንብርሃንውን ካብ ጸልማት ኪፍልዮ፡ ኣምላኽ ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮም። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ።
18
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኼብርሁ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኪስልጥኑ፡ ንብርሃንውን ካብ ጸልማት ኪፍልዮ፡ ኣምላኽ ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮም። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ።
19
ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ ራብዐይቲ መዓልቲ።
20
ኣምላኽ ድማ፡ ማያት ህያው ነፍሲ ዝለዎ ውንጅርጅር ዝብል እንስሳ የውጽእ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ክኣ ኣዕዋፍ ይንፈራ በለ።
21
ኣምላኽ ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን ነቲ ማያት ዘውጽኦ በብዓይነቱ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዝብል ኩሉን፡ ክንፊ ዘለዎን በብዓይነቱን ኩለን ኣዕዋፍን ፈጠረ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ።
22
ኣምላኽ ድማ ፍረዩን ተባዝሑን ንማያት ባሕሪ ምልእዎ፡ ኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሓ ኢሉ ባረኾም።
23
ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ ሓምሰይቲ መዓልቲ።
24
ኣምላኽ ድማ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዝለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእ በለ። ከምኡ’ውን ኮነ።
25
ኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኩሉ ለምምታ ምድሪ ኽኣ በብዓይነቱ ገብረ። ኣምላኽ ስማ ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ።
26
ኣምላኽ ክኣ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ አማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኩሉ ለመምታን ይግዝኡ በለ።
27
ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስታይን ገይሩ ፈጠሮም።
28
ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ ፈረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኽኣ ምልእውን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ብሕርን ንዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኩሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ በሎም።
29
ኣምላኽ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ኹላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ኹሉ ኣሕምልትን ዘዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኹሉ ኣእዋምን ሂበኩም ኣለኹ እሞ ምግቢ ይኹንኩም።
30
ንኹሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኩሉ ኽኣ ኩሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም ኣለኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ኾነ።
31
ኣምላኽ ኽኣ ዝገብሮ ዘበለ ኹሉ ረኣየ፡ እንሆ ብዙሕ ጽቡቕ ኮነ። ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ ሳድሰይቲ መዓልቲ።
Jump to:
Chapter 1
Chapter 2
Chapter 3
Chapter 4
Chapter 5
Chapter 6
Chapter 7
Chapter 8
Chapter 9
Chapter 10
Chapter 11
Chapter 12
Chapter 13
Chapter 14
Chapter 15
Chapter 16
Chapter 17
Chapter 18
Chapter 19
Chapter 20
Chapter 21
Chapter 22
Chapter 23
Chapter 24
Chapter 25
Chapter 26
Chapter 27
Chapter 28
Chapter 29
Chapter 30
Chapter 31
Chapter 32
Chapter 33
Chapter 34
Chapter 35
Chapter 36
Chapter 37
Chapter 38
Chapter 39
Chapter 40
Chapter 41
Chapter 42
Chapter 43
Chapter 44
Chapter 45
Chapter 46
Chapter 47
Chapter 48
Chapter 49
Chapter 50
Chapter 2 →
All chapters:
1
2
3
4
5
6
7
8
9
10
11
12
13
14
15
16
17
18
19
20
21
22
23
24
25
26
27
28
29
30
31
32
33
34
35
36
37
38
39
40
41
42
43
44
45
46
47
48
49
50